ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ቅትለት ጋዜጠኛ ካሾጊ ንመሓመድ ቢን ሳልማን ተኸላኺሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ወራሲ ዘውዲ ስዑዲ ዓረብ ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝተቐበለሉ፡ እቲ ልዑል ብዛዕባ እቲ ኣብ 2018 ዝተፈጸመ ቅትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ "ዝዀነ ዝፈልጦ ነገር የለን" ኢሉ።
ትራምፕ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ምስቲ ኣብ 2021 ዝተኻየደ ገምጋም ስለያ ኣመሪካ ዝጋጮ ይመስል፤ እቲ ብስለያ ኣመሪካ ዝወጽአ ጸብጻብ፡ ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን ነቲ ኣብ 2018 ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዝርከብ ቆንስል ስዑዲ ዓረብ ንሞት ካሾጊ ዘስዓበ ስርሒት ከምዘጽደቖ ዝገልጽ'ዩ ነይሩ።
እቲ ዝዀነ በደል ከምዘይፈጸመ ዝኽሕድ ወራሲ ዘውዲ ስዑዲ ዓረብ ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ስዑዲ ዓረብ ንሞት ካሾጊ ንምምርማር "ኵሉ ቅኑዕ ነገራት ከምዝገበረት" ድሕሪ ምሕባር ሞት እቲ ውሩይ ስዑዳዊ መበቆል ዘለዎ ጋዜጠኛ "ኣዝዩ መሪር'ዩ" ብምባል ገሊጽዎ።
መሓመድ ቢን ሳልማን ድሕሪ ቅትለት ጀማል ካሾጊ ንፈለማ እዋን'ዩ ናብ ኣመሪካ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ።
ሞት እቲ ዜግነት ኣመሪካ ዘለዎ ካሾጊ ንዲፕሎማስያዊ ርክባት ኣመሪካን ስዑድ ዓረብን ብኸቢድ ጸልዩዎ ከምዝነበረ ዝዝከር'ዩ።
ክልቲኦም መራሕቲ ኣብቲ ኣብ ዋይት ሃውስ ዝርከብ ኦቫል ኦፊስ ኣብ ዝተራኸብሉ ብዛዕባ ኣቀታትላ እቲ ጋዜጠኛ ሕቶ ምስ ቀረበ፡ ድራምፕ ብትሪ "ንሓደ ኣዝዩ ኣካታዒ ዝነበረ ሰብ ኢኻ ትጠቅስ ዘለኻ" ብምባል'ዩ መልሱ ጀሚሩ።
"ነዚ ትዛረበሉ ዘለኻ ሰብ ብዙሓት ሰባት ኣይፈትውዎን'ዮም፣ ንስኻ ፍተዎ ኣይትፍተዎ ነገራት ኣጋጢሞም፡" ኢሉ።
ቀጺሉ፡ "ንሱ [መሓመድ ቢን ሳልማን] ግን ብዛዕባ'ዚ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረን" ብምባል "ንኣጋይሽና ከይተሸቝርሩልና ኣይግብኣን'ዩ" ኢሉ።
እቲ ወራሲ ዘውዲ ስዑዲ ዓረብ ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን'ውን፡ ስዑዲ ዓረብ ነቲ ቅትለት ንምጽራይ "ኵሉ ቅኑዕ ስጕምትታት ከም ዝወሰደት" ክዛረብ ከሎ፡ ነቲ ኵነታት ከኣ "መሪርን ዓቢ ጌጋን" ኢልዎ።
ኣብ 2021 - ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ንህዝቢ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ስለያ ኣመሪካ፡ መሓመድ ቢን ሳልማን ንካሾጊ ኣብ ኢስታንቡል "ንምምራኽ ወይ ንምቕታል" ዝዓለመ ውጥን ከምዘጽደቐ'ዩ ዝገልጽ።
ኣብ ቀዳማይ እብረ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ሰበስልጣን ዋይት ሃውስ ነቲ ጸብጻብ ክዝርግሑ ኣይደለዩን።
ድሕሪ እቲ ቅትለት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ እገዳ ክገጥሞም እንከሎ፡ ዋላ ሓደ ካብቲ ብኣመሪካ ዝተበየነ እግዳታት ንመሓመድ ቢን ሳልማን ብቐጥታ ዒላማ ዝገበረ ኣይነበረን።
ኣብቲ እዋን ስዑዲ ዓረብ ነቲ ጸብጻብ "ኣሉታዊ፡ ሓሶትን ተቐባልነት ዘይብሉን" ኢላ'ያ ነጺጋቶ።
ብሰሉስ፡ ብዓልቲ ቤቱ ንጀማል ካሾጊ ሃናን ኤላትር ካሾጊ ዝዀነ መርትዖታት ከምዘየለ ብምግላጽ፡ መሓመድ ቢን ሳልማን ብቕትለት በዓል ቤታ ይቕሬታ ክሓትት ጸዊዓ።
እታ ኣብ ኣሜሪካ ፖለቲካዊ ዕቝባ ተዋሂብዋ፡ ኣብ ከባቢ ዋሽንግተን ዲሲ ትነብር ሃናን ኤላትር ካሾጊ፡ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሓቶ ጽሑፍ፡ "እቲ ወራሲ ዘውዲ ስዑዲ ዓረብ ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን እንድሕር በቲ ቅትለት ሕማቕ ተሰሚዕዎ ኰይኑ፡ ክረኽበኒ፡ ይቕሬታ ክሓትትን ንቕትለት በዓል ቤተይ ክኽሕሰኒን ኣለዎ፡" ኢላ።
ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ ብዛዕባ ሲቪላዊ ኒዩክለሳዊ ሓይሊ፡ ኪነታዊ ብልሕን [ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ] ወፍሪ ስዑዲ ዓረብን ኣብ ኣመሪካን ዝምልከት ስምምዓት ከጠቓልል ትጽቢት ይግበር።
እቲ ልኡል፡ ካብቲ ኣብ ኣመሪካ ከውፍሮ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ቃል ዝኣተዎ 600 ቢልዮን ዶላር ናብ 1 ትሪልዮን ዶላር ክዕብዮ ከምዝዀነ'ውን ገሊጹ ኣሎ።
ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን ንቃል ትራምፕ ብምድጋም፡ ኣመሪካ "ኣብዛ ፕላኔት እታ ፉሕ-ፉሕ ትብል መሳጢት ሃገር" ምዃና ብምግላጽ፡ "ንነዊሕ ዝዓለመ ዕድላት" ብምፍጣሩ ንፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንኢዱ።
ክልቲኦም መራሕቲ፡ ብዛዕባ እተን ስዑድያ ካብ ኣመሪካ ክትሽመተን ትሓስብ ዘላ ምዕቡላት ነፈርቲ ውግእ F-35 እውን ተዘራሪቦም።
ትራምፕ፡ ኣብ መንጎ ስዑድያን ዓቢ ናይ ምክልኻል ትካል ኣመሪካ ሎክሂድ ማርቲንን ስምምዕ ክህሉ ትጽቢት ከምዘለዎ'ውን ገሊጹ።
እዚ ክሽየጥ ዝኽእል ወተሃደራዊ ንዋት ኣብ ገለ ሰበስልጣን እስራኤል ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።
እስራኤል ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እታ እንኮ F-35 ነፈርቲ ውግእ ዝዓጠቐት ሃገር ከም ምዃና መጠን፡ ኣመሪካ ንስዑድያ'ውን ተመሳሰልቲ ነፈርቲ እንተሸይጣትላ ወተሃደራዊ ዓቕሚ እስራኤል ክህሰ ከምዝኽእል'ዮም ስግኣቶም ዝገልጹ ዘለዉ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ'ውን ከይሓብአ፡ እተን ኣመሪካ ንስዑድያ ክትሸጠላ ትሸባሸብ ዘላ ነፈርቲ ምስተን እስራኤል ዓጢቓተን ዘላ ነፈርቲ ሓደ ዓይነት 'ሞዴል' ምዃነን ገሊጹ።
ትራምፕ "እዛ ስዑዲ ዓረብ ዓባይ መሻርኽትና እያ፣ እስራኤል'ውን ብተመሳሳሊ ዓባይ መሻርኽትና'ያ" ድሕሪ ምባል ናብ ወራሲ ዘውዲ ስዑዲ ዓረብ ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን እናጠመተ "ይርድኣኒ'ዩ ካብተን ምስኦም ዘለዋ [እስራኤል] ዝነከየ ካሊበር ዘለወን ነፈርቲ ክንሸጠልኩም'ዮም ዝደልዩ ዘለዉ" ኢሉ።
"ብናተይ ኣረኣእያ ግን ክልቲኦም [ስዑድያን እስራኤልን] እተን ዝበለጸ ደረጃ ዘለወን ነፈርቲ ክረኽብሉ ዝኽእሉ ደረጃ'ዮም ዘለዉ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብ ፕሮፌሽናል ሊግ ስዑዲ ዓረብ ዝጻወት ፖርቱጋላዊ ክርስትያኖ ሮናልዶ'ውን ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዋይት ሃውስ ክቐርብ ትጽቢት ከምዝነበረ ሓደ በዓል ስልጣን ዋይት ሃውስ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ጆ ባይደን ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ፡ ስዑድ ዓረብ ሰብኣዊ ግህሰታት ትፍጽም ኣላ ብምባል'ኳ ንልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን ናብ ዋይት ሃውስ እንተዘይዓደሞ፡ ኣብ 2022 ግን ኣብ ካልእ ጉዳያት ስምምዓት ንምፍጻም ናብ ስዑድ ዓረብ ምብጻሕ ኣካይዱ ምንባሩ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







