ኢሎን ማስክ፡ ስለምንታይ'ዩ ትዊተር ንቻይናዊ 'ዊቻት' ከምስሎ ዝደሊ ዘሎ?

ኢሎን ማስክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ መጀመርታ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኢሎን ማስክ ንመለለዪ ትዊተር ካብ ዑፍ ናብ ኤክስ ከም ዝቐየሮ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ዝስዕብ መደቡ፡ ነቲ ‘ዊቻት’ ዝተባህለ ግዙፍ ቻይናዊ መተግበሪ ምሉእ ብምሉእ ምምሳል ምዃኑ ይግለጽ።

ማስክ፡ ነቲ ዝሓለፈ ዓመት ብ44 ቢልዮን ዶላር ዝዓደጐ ትካል ማሕበራዊ መራኸቢታት ናብ ኣዝዩ ሰፊሕ መድረኽ-መራኸቢ ክቕይሮ ከም ዝደሊ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።

ንሱ፡ ነቲ፡ ንዕላል፡ ዕርክነት፡ ምፍጻም ክፍሊታትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዘወሃህድ “መተግበሪ ኵሉ" ዝበሃል ዊቻት፡ ብምንኣድ፡ "ብመገዲ ትዊተር ናብኡ ዝቐርብ ነገር ምፍጣር ዓቢይ ዓወት'ዩ" ኢሉ ምንባሩ ይዝከር።

ኢሎን ማስክ፡ ብመገዲ ‘ኤክስ’ ኣቢሉ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ እምበኣር፡ ኣብ ዝስዕብ ኣዋርሕ “ኵለመዳያዊ ርክባት ንምትእትታውን፡ ዝተማልአ ፋይናንሳዊ ንጥፈታት ንምስላጥ ዘኽእል ዓቕሚ ክንውስኽ ኢና" ኢሉ።

እዚ ብምግባር ድማ፡ ኢሎን ማስክ፡ ካብ ዝገዝኦ ኣትሒዙ ካብ መወዓውዒታት ዝረኽቦ ዝነበረ ኣታዊታት ብፍርቂ ዝጐደለን፡ ንዘለዎ ዕዳ ኣብ ምኽፋል ዝቃለስ ዘሎ ትካል ትዊተር፡ ኣታዊታቱ ከዕቢ ተስፋ ኣንቢሩ’ሎ።

ስለዚ ዊቻት እንታይ እዩ - ስለምንታይከ ኢሎን ማስክ ክቐድሖ ይደሊ?

እቲ ኣብ 2011 ብትካል ቴክኖሎጂ ቴንሰንት ዝተጀመረ ዊቻት፡ ኣብዚ እዋን ዳርጋ ኵሎም እቶም 1.4 ቢልዮን ህዝቢ ቻይና ከም ዝትቀሙሉ እዩ ዝንገር።

በዚ ኸኣ ብሉጽ ወይ ‘ሱፐር-ኣፕ’ ጥራይ ኢልካ ምግላጹ ዳርጋ ከም ምንእኣሱ እዩ ዝቘጸር ይበሃል።

እዚ መተግበሪ፡ ብ ድምጽን ቪድዮን ምድዋልን መልእኽቲ ምልውዋጥን፡ ማሕበራዊ ሜድያ፡ ምብጻሕ መግቢ፡ ክፍሊት ሞባይል፡ ገይም፡ ዜናን ይዅን ዕርክነት ዘጠቓልል ኣገልግሎታት ዝህብ እዩ።

ስለዚ፡ ከም ዋትስኣፕ፡ ፈይስቡክ፡ ኣፕል ፐይ፡ ኡበር፡ ኣማዞን፡ ቲንደርን ካልኦትን ኣብ ሓደ ዝተጠቕለለ መተግበሪ እዩ።

ኣብ ናብራ ሕብረተሰብ ቻይና ምሉእ ብምሉእ ስለዘተወሃሃደ ድማ ብዘይ ብእኡ ክትነብር ዳርጋ ኣጸጋሚ እዩ ይበሃል።

መተሓላለፊ መተግበሪ ዊቻት
መግለጺ ስእሊ, ኣብዚ ምስልታት ከም ዝርአ፡ እቲ መተግበሪ ንዝተፈላለዩ ክፋላቱ፡ ዕድጊ [ጸ]፡ ምብጻሕ መግቢ [ማ]፡ ወፍሪ [የ] ዝኸውን መተሓላለፊ ፍሉይ እዩ።
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዊቻት፡ ከም ዋትስኣፕ ወይ ኣይመሰጅ ዝኣመሰለ መሰጋጋገሪ መልእኽቲ ዝጀመረ ኮይኑ፡ እቶም ክልተ ዝዓበየ ተጠቃምነት ዘለዎም፡ እቶም ንዋትስኣፕ ዝመስ "ቻትስ"ን ንፈይስቡክ ዝመስል "ሞመንትስ"ን ዝተባህሉ እዮም።

እቲ ብሰፊሑ ዝጥቀመሉ "ዋለት" ዝበሃል ክፋሉ ድማ ምስ ካርዲታት ደቢትን ክረዲትን ክተሓሓዝ ዝኽእል ኣብ ድኳናት ይዅን መሸጣታት ኦንላይን ዕድጊ ንምፍጻም ዘኽእል እዩ። ብዘይካ’ዚ ሰባት ኣብ ቻይና፡ ብመገዲ ዊቻት፡ ንናይ ገዛ ሓሳባት - መብራህቲ፣ ማይ፡ ኢንተርነትን - ካልእን ክኸፍሉ፡ ወፍሪ ክገብሩን ልቓሕ ክወስዱን ይኽእሉ።

ብዘይካ’ዚ፡ ሰባት ብመገዲ ዊቻት ኣቢሎም ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዝምልከት ሓበሬታ ንምርካብ፡ መቕጻ’ዕቲ ትራፊክ ንምኽፋክል፡ ቈጸራ ሕክምና ንምሓዝ ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት መንግስቲ’ውን ክረኽቡ ይኽእሉ።

እዚ ኣብ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝነበረ መተግበሪ፡ መላእ ቻይና ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ክልከላ ዜሮ ኮቪድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብመገዲቲ መተግበሪ ዝወጽእ "ኮድ ጥዕና" ከይሓዝካ ምንቅስቓስ ኣይከኣልን ነይሩ።

እንተዀነ እዚ ዅሉ ኣገልግሎታት ኣብ ሓደ መተግበሪ ምጽፍጻፉ ናይ ገዛእ ርእሱ ጸገማት ኣለዎ።

ልዕሊ ዅሉ እቲ መተግበሪ ንበይኑ፡ ዓቢ ክፋል ናይ ሓንቲ ሞባይል መኽዘን ይሕዝ።

እቲ ዝያዳ ዘተሓሳስብ ድማ፡ ዊቻት ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወት ቻይናውያን ስክፍታ ዝፈጥር፡ ሳንሱር መንግስቲ፡ ምክትታልን ካልእ ጉዳያት ብሕታዊነትን እዩ።

ቻይና፡ ንከም በዓል ቢቢሲ ዝኣመሰሉ ማዕከናት ዜና፡ ፈይስቡክ ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ መራኸቢታትን፡ እቲ ዘገርም ድማ ንባዕሉ ኤሎን ማስክ ትዊተር/ኤክስን ዝኣመሰሉ መርበባት ሓበሬታ ወጻኢ ዓጽያ እያ።

እዚ ደረጃ ቍጽጽር መንግስቲ ን ኢንተርነት፡ ሰባት ኣብ ዊቻት ኣንጻር መንግስቲ ክዛረቡ እውን ኣዝዩ ሓደገኛ ይገብሮ።

ኣንጻር መንግስቲ ዝዀኑ ድምጺታት ኣብቲ መተግበሪ ብዝብልዎ ነገራት፡ ሕሳባቶም ንመዓልታት ወይ ሰሙናት ክድስክል ምግባር ልሙድ ስራሕ ናይቲ መንግስቲ እዩ።

ተሓጋጋዚ ዳይረክተር ኣትላንቲክ ካውንስል ግሎባል ቻይና ሃብ ዝዀነ ኪች ሊያኦ፡ ከም ዊቻት ዝኣመሰሉ መተግበሪታት ምስቲ መንግስቲ ቻይና ንዅሉ መዳያት ህይወት ብምውዳብ ንመላእ እታ ሃገር ንምቍጽጻር ዝወጠኖ ዕላማ ዝሰማምዑ ምዃኖም ይገልጽ።

"ብቐንዱ፡ ንዝዀነ ፈኸም ኢሉ ናብ ተቓውሞ ዝምዕብልን መወዳእታኡ ንዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ሓደጋ ክኸውን ዝኽእል 'ፖለቲካዊ ሓደጋ' ንምክልኻል፡” ከም ዘገለግል ይገልጽ።

ኣበይ እዩ ክሰርሕ?

ዊቻት ኣብ ቻይና ዘመዝገቦ ዓቢ ዓወት ኣብ ክልተ ዓበይቲ ረቛሒታት ከም ዝጠቓለል ካብ ቻይናዊ ዩኒቨርሲቲ ሆንግ ኮንግ ዝዀነ ኬቸንግ ፋንግ ንቢቢሲ ገሊጹ።

እቲ ሓደ፡ መብዛሕትኡ ህዝቢ ቻይና፡ ኣብታ ሃገር ብተዛማዲ ደንጉዩ ብዝመጸ ምዕባለ ኢንተርነት፡ ዊቻት ካብ ኣብ ደስክቶፕ ኮምፒዩተራት፡ ብስማርትፎናት ብቐሊሉ ከም ዝጥቀመሉ ኰይኑ እዩ።

"እዚ ማለት ኣብ ክንዲ ኣብ ክፉት መርበብ ኣብ ሓደ ዝተወሳሰበ መተግበሪ ከም ዝኣትዉ ይገብሮም፤ ብዙሕ ነገር ኣብ ሓደ ዝጠቕለለ መተግበሪ፡ ካብ ኣብ ኮምፒዩተራት ኣብ ስማርትፎናት 'ምህናጹ ኣዝዩ ቀሊል'ዩ" ይብል።

ሚስተር ፋንግ ብተወሳኺ፡ ኣብ ቻይና ዘይከም ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ንውድድር ዝምልከት ምቍጽጻር ዘይምህላዋ ከም ዊቻት ዝኣመሰለ ተወዳደርቲ መተግበሪታት ክዓጹ ከምዘኽኣሎ ይዛረብ።

ኢሎን ማስክ ኸ፡ ካብ ቻይና ወጻኢ ተመሳሳሊ መተግበሪ ከተኣታቱ ይኽእል ድዩ? ኣብ ቀረባ እዋን ክፍለጥ ዝከኣል እዩ።

ካብ ትካል መጽናዕቲ ፖሊሲ ትሪቭየም ቻይና ዝዀነት ኬንድራ ሻፈር፡ ኢሎን ማስክ ድሮ ነቶም ንዊቻት ኣብ መዓልታዊ ህይወት ቻይና ወሰንቲ ኰይኖም ዘለዉ ባእታታት ድሮ ኣለልይዎም ከም ዘሎ ትዛረብ።

እዚ "ምስጢራዊ ቀመም ናይቲ ብሉጽ መተግበሪ" ክኸውን ከምዝኽእል ትዛረብ።

ካልእ ኣባል ትካል ወፍሪ ሬስ ካፒታል እውን፡ ኣብ መንጎ ቻይናን ምዕራባውያንን ዘሎ ዓቢ ፍልልይ፡ ዝውታረ ዲጂታዊ ክፍሊት ምዃኑ ትሕብር።

ድኳናት ቻይና ብሕጋዊ መንገዲ ጥረ ገንዘብ ክቕበላ ክግደዳ እንከለዋ፤ ዲጂታዊ ክፍሊት እውን ኣዝዩ ልሙድ እዩ።

እዚ ፍልልይ፡ ንጥሙሓት ሚስተር ማስክ ዕንቅፋት ክኸውን ከምዝኽእል ከኣ ትዛረብ፤ "ምዕራባዊ ዓለም፡ ጥረ ገንዘብ ዘይብሉ ወይ ካብ ክረዲት ካርድ ነጻ ዝዀነ ሕብረተሰብ ንምፍጣር ግዜ ክወስድ'ዩ" ትብል።