ኤርትራዊ ንዝመበቈሉ ፍሉጥ ከሻኒ ብምቕታል ዝተጠርጠረ ውልቀሰብ ተኸሲሱ

ሙሴ እምነቱ ብዕለት 26 ነሓሰ ኣማስዩ ሕልናኡ ስኢኑ ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Met Police

መግለጺ ስእሊ, ሙሴ እምነቱ ብ26 ነሓሰ ምሸት ሕልናኡ ኣጥፊኡ ተረኺቡ

ኣብ ለንደን ብድሕሪ’ቲ ሚልዮናት ሰባት ዝሳተፉሉ ካርኒቫል ኖቲንግ ሂል፡ ነቲ ኤርትራዊ መበቈል ንዘለዎ ፍሉጥ ከሻኒ ምግቢ (ሼፍ) ብምቕታል ዝተጠርጠረ ውልቀሰብ ተኸሲሱ።

ሙሴ እምነቱ፡ ኣብታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ እቲ ካርኒቫል ዝነበረት ሰኑይ ውነኡ ኣጥፊኡ ወዲቑ ምስተረኸበ ብዓርቢ ኣብ ሆስፒታል ከምዝዓረፈ ፖሊስ ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።

ሕጂ ወዲ 31 ዓመት ዑመር ዊልሰን፡ ፈለማ ኰነ ኢልካ ከቢድ ኣካላዊ ጉድኣት ብምውራዱ ተኸሲሱ’ኳ እንተነበረ፡ ድሒሩ ግን እቲ ክሲ ናብ ቅትለት ከምዝተቐየረ ኣገልግሎት ኣኽባሪ ሕጊ ገሊጹ።

ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ዝርከብ እቲ ጥርጡር፡ ኣብ 27 መስከረም ድማ ኣብ ቤት ፍርዲ ሳውዝዋርክ ክራውን ክቐርብ እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ መርመርቲ ምስሊ ናይ 16 መሰኻኽር ዘርጊሖም ኣለዉ።

መርማሪ ብሪያን ሃዊ፡ “ምርመራና ብቕልጡፍ ይሳለጥ ኣሎ፡ ምስቲ መጥቃዕቲ ብዝተኣሳሰር ድማ ሓደ ውልቀሰብ ተኸሲሱ ኣሎ” ኢሉ።

“ኣብ እዋን እቲ መጥቃዕቲ ኣብቲ ቤት መግቢ ኣብ ጥቓኡ ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ሰባት ምስሊ ኣለና” ብምባል እቶም ኣሳእሎም ዝተዘርገሐ ሰባት ዝፈጸምዎ ጌጋ ከምዘየለ ኣስሚሩ።

ፖሊስ ኣሳእል ናይቶም መሰኻኽር ክዀኑ ዝኽእሉ ዓሰርተ ሽዱሽተ ሰባት ዘርጊሑ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Met Police

መግለጺ ስእሊ, ፖሊስ ኣሳእል ናይቶም መሰኻኽር ክዀኑ ዝኽእሉ ዓሰርተ ሽዱሽተ ሰባት ዘርጊሑ ኣሎ

"ኣብቲ ከባቢ ዘይነብሩ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም ግን ንምርመራ ኣገዳሲ ዝዀነ ሓበሬታ ክህልዎም ተኽእሎ ኣሎ፡ ምሳና ክራኸቡ ድማ እላቦ።"

ሙሴ ኣብ ዱባይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝርከብ 'ኣርት ክለብ' ከም ዋና ከሻኒ መግቢ ኰይኑ ይሰርሕ ነይሩ።

ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ኣብ ሽወደን ዝዓበየ ሙሴ፡ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብብዝሒ ዝገሸን፡ ኣብ ለንደንን ኒውዮርክን ጽቡቕ ስራሕ ዝነበሮን ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ትካሉ ይገልጽ።

ክለብ ዘ-ኣርትስ ንሙሴ ክብሪ ብምሃብ፡ “ብፍቕሩ፡ ህዱእ ባህርያቱን ሕያውነቱን ዝፍለጥ” ክብል ገሊጽዎ።

ወሃቢት ቃል እቲ ትካል፡ “ሙሴ ንፉዕ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዝነበረ እዩ፤ ነቲ ሕጂ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ዘሎ ወዱ ድማ ነቲ ብሉጽ ናይ ምኽሻን ሞያኡ ከሰጋግረሉ ይጽበዮ ነይሩ።

“ሙሴ ብመላእ ኣባላት ዘ ኣርትስ ክለብ ኣዝዩ ክናፍቕ እዩ። ውርሻኡ፡ በቲ ኣብ ከባቢኡ ንዝነበሩ ሰባት ዘስረጾ ኒሕን ብሉጽነትን እናተዘከረ ክነብር እዩ። ሓሳብናን ጸሎትናን ምስ ስድራኡን ፈተውቱን እዩ፡” ኢላ።