ኲናት ዩክረይን ምንቁልቋል ቁጠባ ዓለም ከስዕብ ከምዝኽእል ባንኪ ዓለም ኣጠንቂቑ

ዝዓነወ ኣባይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኲናት ዩክረይን፡ ነቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተዳኺሙ ዝጸንሐ ቑጠባ ዓለም ይሃስዮ ብምህላዉ ሃገራት ዓለም ቁጠበአን የንቆልቁል ከም ዘሎ ባንኪ ዓለም ገሊጹ።

ኣዐርየን ዘይማዕበላ ሃገራት ኣውሮጳን ምብራቕ ኤስያን “ሓያል ምንቁልቋል” ኣጋጢሙወን ከም ዘሎ እቲ ትካል ይገልጽ።

‘ስታግፍሌሽን’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓደጋ ናህሪ ዋጋ ዕዳጋን ትሑት ቁጠባዊ ዕብየትን እውን ወሲኹ ከም ዘሎ ፕረዚደንት ባንኪ ዓለም ደቪድ መልፓስ ተዛሪቡ።

ኣብ መላእ ዓለም ዋጋ መግብን ጸዓትን እናወሰኸ መጺኡ ኣሎ።

“ኲናት ዩክረይን፣ ኣብ ቻይና ዘሎ ዕጽዋ (ኮቪድ-19)፣ ምቁርራጽ ዋሕዚ ቀረባት፣ ናህሪ ዋጋን ትሑት ቁጠባዊ ምዕባለን ንቁጠባዊ ዕብየት የዳኽምዎ ኣለዉ። ቁጠባዊ ምንቁልቋል ንብዙሓት ሃገራት ዘይተርፍ እዩ” ኢሉ ደቪድ መልፓስ።

ብምኽንያት ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ድኹም ወፍሪታት (ኢንቨስትመንት) ንዝቕጽል ዓሰርተ ዓመት ቁጠባዊ ዕብየት ትሑት ኰይኑ ከም ዝቕጽል ዝገለጸ እቲ ሓላፊ፡ እቲ ኣብዚ እዋን ተራእዩ ዘሎ ዝለዓለ ዝቕባበን ትሑት ቀረብን፡ ናህሪ ዋጋ ንነዊሕ እዋን ክቕጽል ክገብር ተኽእሎ ከም ዘለዎ ተዛሪቡ።

ባንኪ ዓለም ንመሃያ ሰራሕተኛታት ዩክረይን ዝውዕል ተወሳኺ ኣስታት 1.5 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ኣጽዲቑ ኣሎ።

እዚ፡ ኣካል እቲ እቲ ትካል ንዩክረይን ክህቦ ዝሓሰበ ናይ 4 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ እዩ።

ትንበያ ባንኪ ዓለም ከም ዝሕብሮ ኣብ ኣውሮጳ ኣብ 2022 ዝለዓለ ቁጠባዊ ቅልውላው ዘጋጥመን ሃገራት ዩክረይንን ሩስያን እየን።

ደቪድ መልፓስ ከም ዝገለጾ፡ ኣብ መንጎ 2021 ን 2024ን ቁጠባ ዓለም ብ 2.7 ምኢታዊት ዝንኪ ኰይኑ፡ እዚ ካብቲ ኣብ መንጎ 1976ን 1979ን ዝተርኣየ ዝሕታለ ብዕጽፊ ዝዓበየ እየ።