ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ዓመት ካብ ዝተኸስቱ ዓበይቲ ፖለቲካዊን ሃይማኖታዊን ፍጻመታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብመሰረት’ቲ ኢትዮጵያ እትኽተሎ ዓውደ-ኣዋርሕ፡ ኣብዚ ዝውዳእ ዘሎ ዓመተ - 2015፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት እታ ሃገር፡ ኣገደስቲ ፖለቲካዊ፡ ምጣነ-ሃብታዊን ሃይማኖታዊ ጉዳያት ተራእዮም እዮም።
ኣብዚ ቀረባ ግዜ፡ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብ ኣባላት እቲ ‘ብሪክስ’ ዝተባህለ ሓሙሽተ ኣብ ቅልጡፍ ቍጠባዊ ዕብየት ዝርከባ ሃገራት ዝመስረታኦ ኪዳን ክትከውን ተቐባልነት ረኺባ እያ።
እታ ሃገር፡ ናብ ብሪክስ ምጽንባራ ከም ሓደ ዓቢ ዲፕሎማስያዊ ዓወት ትቘጽሮ፤ ብዙሕ ዝቐጸላታቱ ቍጠባዊ ረብሓ ኣብ ምዕዋት ርኡይ ስጕምቲ ንቕድሚት ከምዝኸውን ከኣ ትገልጽ።
ኻልእ፡ ኣብዚ ዓመት ካብ ዝተራእዩ ዓበይቲ ጉዳያት ድማ፡ እዚ ሕጂ ንግብጺ ኣቘጢዑ ዘሎ ራብዓይ ዙር ምምላእ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ እዩ።
ብሰንበት 10 ነሓሰ መራሒ እታ ሃገር፡ ነቲ ካብ ዝጅመር 11 ዓመት ኰይንዎ ዘሎ ግድብ፡ ናይ መወዳእታ መስርሕ ምምላእ "ብዕዉት ኵነታት" ከምዘኻየደ ገሊጹ።
ግብጽን ሱዳንን፡ መስርሕ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ቀያዲ ስምምዕ ክብጻሕ ኣለዎ ክብላ’ኳ እንተጸንሓ፡ ኢትዮጵያ ግን ነዚ ነጺጋ እያ ንራብዓይ ግዜ መሊኣቶ ዘላ።
እዚ እናዀነ፡ ብሓፈሻኡ፡ እቶም ዓበይቲ ክበሃሉ ዝኽእሉ ፍጻመታት እዚ ዓመት ከኣ ብኸምዚ ዝስዕብ ቀሪቦም ኣለዉ፤
ውዕል ፕሪቶርያ
ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ፡ [ብኣቈጻጽራ ግእዝ] መወዳእታ ጥቅምቲ ዝተኸተመ ኰይኑ፡ ኣብ መንጐ መንግስቲ ፈደራልን ሓይልታት ትግራይን ንኽልተ ዓመት ንዝጸንሐ ደማዊ ኲናት መዕለቢ ገይሩሉ እዩ።
ብመሰረት እቲ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት ዝተኸተመ ስምምዕ፡ ተዅሲ ብኡ ንብኡ ደው ክብል እንከሎ፤ ኣብ መስርሕ ድማ መሰረታዊ ህዝባዊ ኣገልግሎት ኣብ ትግራይ ከም ዝምለስ ኰይኑ።
እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኲናት፡ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ዝቐዘፈን ሰለስተ ሚልዮን ዝዀኑ ዜጋታት ኣብ ከቢድ ድኽነት ኣጥሒሉ ዝገደፈን፡ ኣብ ቍጠባ እታ ሃገር ትሪልዮናት ዶላራት ዝግመት ጕድኣትን ክሳራን ዘስዓበን ኲናት ብልዝብ ተዛዚሙ፤ ተዛማዲ ሰላም ነጊሱ።
ይዅን እምበር፡ ትካላት ረድኤት ኣብቲ ክልል ዝልግሳኦ ዝነበራ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ነቶም ዝተሃስዩ ሰባት ዘይኰነ፡ ረዲኤት ካብቲ ዝተሓሰበሉ ዕላማ እናተጨውየ፡ ክስረቕን ኣብ ዕዳጋ ክሽየጥን ስለዘተራእየ፡ ንግዚኡ ደው ኣቢለን።
ሰበስልጣን እቲ ክልል፡ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራትን ዓለምለኸ ትካል ልምዓት ኣሜሪካ - ዩኤስኤኣይዲን፡ ነቲ ብኲናት ሕሱም ዝተሃስየት ትግራይ ዝህብዎ ሓገዝ ብምቍራጾም ብዙሓት ህጻናትን ኣደታትን ከምዝሞቱ ይገልጹ።
ዘተ ዛንዚባር - መንግስቲን 'ሸኔ'ን

ኣብዚ ዓመት ካብ ዝተራእዩ ጻውዒታት ሰላም፡ እቲ ንባዕሉ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ፣ መንግስቲ ግን ግብረሽበራዊ ዝብሎ 'ሸኔ'ን ኣብ ዛንዚባር ዝተኻየደ ዘተ ይጥቀስ።
ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ኣብ ታንዛንያ ደሴት ዛንዚባር ተራኺቦም ንኣስታት ትሽዓተ መዓልታት ዝርርብ ሰላም ዘካየዱሉ ዓመት እዩ።
ኣብ ዛንዚባር ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ ምዕራፍ ዝርርብ፡ ኣብ ኣገደስቲ ነጥብታት ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ'ኳ እንተዘይተኻእለ፡ ክልቲኦም ወገናት ግን ነቲ ዝርርብ ንምቕጻል ፍቓደኛታት ምዃኖም ኣብ መግለጺታቶም ኣፍሊጦም።
እንተዀነ፡ እቲ ዝተጀመረ ዘተ፡ ከምቲ ትጽቢት ዝተነብሮ ኣይቀጸለን፤ የግዳስ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኦሮሚያ ኣብ መንጐ መንግስትን ዕጡቓት ሓይልታትን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሓዪሉ ከምዝቐጸለ እዩ ዝስማዕ።
ምፍራስ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት
ኣብዚ ዓመት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተራእዩ ዓበይቲ ፖለቲካዊን ጸጥታዊን ጉዳያት፡ ምብታን ናይቲ ንዓሰርተ ዓመታት ዓጢቝ ዝጸንሐ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት እዩ።
ውሳነ መንግስቲ ድሕሪ ምሕላፉ፡ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ኣብታ ሃገር ፍሉይ ሓይሊ ጸጥታ ክልላት ህላወኡ ከምዘብቅዐ፡ ኣብ ግንቦት ብወግዒ ኣፍሊጡ።
በዚ መሰረት፡ ኣብ ክልላት ሓላፍነት ጸጥታ ዝስከሙ፡ ኣባላት ምክልኻል፡ ፖሊስ ፈደራልን ክልልን ጥራይ ምዃኖም ተነጊሩ።
ኣብቲ እዋን እቲ ኣዛዚ ሰራዊት፡ "ድሕሪ ሕጂ፡ ብስም ክልል ተልእኾታት ዝስከም ፍሉይ ሓይሊ ኣይክህሉን'ዩ” ክብል ኣነጺሩ።
ብመሰረት እቲ መንግስቲ ፈደራል ዘዳለዎ ውጥን፡ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ዝነበሩ ከከም ምርጫኦም ናብ ሰራዊት ምክልኻል፡ ፖሊስ ፈደራል ይዅን ክልል ክጽንበሩ፤ እንተዘይደልዮም ድማ ናብ ሰላማዊ ናብራኦም ክምለሱ ምርጫታት ቀሪቡሎም።
ከም ውጽኢቱ፡ እቶም ብመንጽር ስልጠና፡ ዕጥቂን ኣወዳድባን ካብ ሓይሊ ፖሊስ ብዝተፈልየ ዝቘሙ ፍሉያት ሓይልታት፡ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ህላወኦም ኣኽቲሙ።
ግጭት ክልል ኣምሓራ
መንግስቲ፡ መደብ ዳግመ ውደባ ፍሉይ ሓይሊታት ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ነዚ ዝነጽግ ህዝባዊ ተቓውሞ ተላዒሉ።
ኣብ ገለ ከባቢታት እቲ ክልል፡ ኣብ መንጐ ሓይልታት ምክልኻልን ተቓወምቲ እቲ ውሳነ፡ ፍሉይ ሓይልታትን ኣባላት ፋኖን ብዝተፈጠረ ግጭት ብዙሕ ህይወት ጠፊኡ።
ካብ ሚያዝያ ኣትሒዙ፡ መንግስቲ፡ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ፈሪሱ ናብ ዝተፈላለየ መሓውራት ጸጥታን ምክልኻልን ንምእታው ድሕሪ ዘሕለፎ ውሳነ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተቓውሞታት ሓዪሉ፤ ኣብ መንጐ ዕጡቓት ፋኖን ሓይልታት መንግስትን ግጭት ውግኣትን ቀጺሉ።
ግጭት እናገደደ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ኣምሓራ፡ ዓበይቲ ከተማታት እቲ ክልል ኣብ ዝቘጻጸሩሉ ደረጃ በጺሑ።
መንግስቲ ጣልቃ ንኽኣቱ ብምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ንዝቐረበሉ ጻውዒት መበገሲ ብምግባር፡ ብ 28 ሓምለ 2015 [ግእዝ] ድንጋገ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣዊጁ።
ነዚ ምርኩስ ብምግባር፡ ሚኒስተር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ዶ/ር ለገስ ቱሉ ንጽባሒቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ነቶም ምስቲ ጉዳይ [ምንዕዓብ] ዝተኣሳሰሩ፡ መምርሒታት ክህቡ ዝጸንሑ፡ ነቲ ጸገም ዘጋድዱ ሓይልታት ምእሳር ጀሚርና ኣለና" ኢሉ።
ምስዚ ተተሓሒዙ ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ኣቶ ክርስቲያን ታዳለ ዝርከብዎም ሰባት ብሓይልታት ጸጥታ ተኣሲሮም።
ምስረታ ሓደስቲ ክልላት ኢትዮጵያ
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፡ ኵለን ምምሕዳራዊ ዞናትን ማሕበረሰባትን ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ፡ ብመገዲ ኣብያተ ምኽሪታተን ነናይ ገዛእ ርእሰን ክልል ንምቛም ናብ ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ሕቶ ኣቕሪበን።
ካብተን ልዕሊ 80 ብሄራት እታ ሃገር ንልዕሊ 50 ዝሓቘፈ ክልል ደቡብ - ብሄራት፡ ብሄረሰባትን ህዝብታትን- ኣብዚ እዋን ናብ ኣርባዕተ ክልላት ተመቒሉ ይርከብ።
ሲዳማ፡ ቀዳመይቲ ካብ ክልል ደቡብ ዝወጸት ሓዳስ ክልል ኰይና፡ ደቡባዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ ስዒባታ፤ ሕጂ ድማ ክልል ህዝቢ ደቡብ ኢትዮጵያ ክትምስረት ተወሲኑ ኣሎ። ዝተረፋ [ዞናትን ወረዳታትን] ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ዝጸንሐ ክልል ደቡብ ብሄራት፡ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ክቕጽላ እየን።
ድሕሪ ምስረታ ክልል ሲዳማን ደቡባዊ ምዕራብ ኢትዮጵያን፡ ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኣብ ሰነ፡ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ፡ ንሓድሽ "ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ" ፍቓድ ሂቡ ኣካል እቲ ፈደረሽን ገይርዋ'ሎ።
ኣብ ክልል ደቡብ ብሄራት፡ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ዝጸንሓ ዞናት ጌዴዮ፡ ወላይታ፡ ጋሞ፡ ጐፋ፡ ኮንሶን ደቡብ ኦሞን፡ ከምኡ እውን ፍሉያት ወረዳታት ቡርጂ፡ ኣማሮ፡ ድራሸ፡ ባስከቶን ዓሌን ነቲ ሓድሽ ክልል ኣቚመን።
ሕቶ ሲኖዶሳት ትግራይን ኦሮሚያን
ብ 14 ጥሪ 2015 [ግእዝ] ብሄር ብሄረሰባት ኦሮሚያ፡ ሲኖዶስ ንምቛም ተንቀሳቒሱ።
"ሲኖዶስ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፡ ንዅሉ ዝሓቍፍን ብዙሕነት ዝቕበልን ኣይኰነን" ብምባል፡ ሰለስተ ጳጳሳት ኦሮሚያ ሓደስቲ ኤጲስ ቈጶሳት ሸይሞም።
ጸኒሑ ግን እቲ ጸገም ብሽምግልና ተፈቲሑ፤ እቶም ዝተገዘቱ ኣቦታት ይቕረታ ሓቲቶም ከም ዝምለሱ ተገይሩ።
እቶም ዝቐረቡ ሕቶታት ብመሰረት ሕግን ስርዓትን እታ ቤተ ክርስቲያን ክምለሱ ድማ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።
ብኻልእ ገጽ፡ ኣብ ትግራይ ንክልተ ዓመት ኣብ ዝቐጸለ ኲናት፡ ሲኖዶስ ንመንግስቲ ፈደራል ብገንዘብን ኣብ ቅስቀሳ ንኲናት ብምድጋፍን ኣብቲ ኲናት ተሳቲፉ ክብሉ ጳጳሳት ትግራይ ወቒሶም።
ኣብ ትግራይ፡ ትካላት ቤተ ክርስቲያን ክዓንዋን ምእመናን ክቕተሉን እንከለዉ'ውን ሲኖዶስ ስቕ ክብል መሪጹ ክብሉ ይኸሱ።
በዚ ኸኣ፡ መንበረ-ሰላማ ኣኽሱም ትግራይ፡ ብ 16 ሓምለ፡ ካብ ዝተመርጹ 10 ኤጲስ ቆጶሳት ናይቶም ሽዱሽተ ኣጽዲቝ። ነዚ ግን ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ነጺግዎ።
ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ነቶም ኣብ ጽዮን ማርያም ኣኽሱም ሽመት ጵጵስና ዝሃቡን ዝተቐበሉን ኣቦታት ትግራይ ብምዅናን ካብ ቤተ ክርስቲያን ክስረዙን ክፍለዩን ወሲኑ።
ጳጳሳት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ብወገኖም ነዚ ግዝትና ተቐባልነት የብሉን ክብሉ ነጺጐሞዎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ድርቂ
ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ተኸታተልቲ ወቕቲታት ዝናብ ብምጥፍኡ፡ ኣብ 40 ዓመታት ዘይተራእየ ከቢድ ድርቂ ኣስዒቡ።
በዚ ምኽንያት፡ 36 ሚልዮን ሰባት ንረዲኤት ክቃልዑ እንከለዉ፡ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ድማ ህይወቶም ንምድሓን ካብ ቤት ንብረቶም ከም ዝተፈናቐሉ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።
ካብዞም ተጸበይቲ ህጹጽ ረዲኤት እምበኣር፡ እቶም 24 ሚልዮን ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ እዮም።
ብሰንኪ ሕጽረት ዝናብ፡ ክልል ኦሮሚያ ከባቢታት ቦረና፡ ጉጂን ምብራቕ ሃረርጌን፣ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከባቢታት ኦሞን ጐፋን ከምኡ’ውን ክልል ሶማል ዝኣመሰሉ ቦታታት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመት ዘይተራእየ ድርቂ ዘጋጠሞ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







