ብቦኮ ሓራም ካብ ዝተጨወያ ተመሃሮ፡ ድሕሪ 8 ዓመት ክልተ መምስ ቈልዑተን ተረኺበን

ሰላማዊ ሰልፊ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሰራዊት ናይጄርያ፡ ካብተን ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ብዕጡቓት ቦኮ ሓራም ካብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዝተጨወያ ተመሃሮ፡ ተወሰኽቲ ክልተ ከም ዝረኸበ ኣፍሊጡ።

ቦኮ ሓራም ኣብ 2014 ኣብ ሰሜን ምብራቓዊ ናይጄርያ ካብ እትርከብ ከተማ ቺቦክ ኣስታት 300 ተመሃሮ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ጨወየ፡ ኣዘራራቢ ኰይኑ ነይሩ።

መብዛሕትአን ካብተን ግዳያት ሃዲመን ወይ ተፈቲሐን ዝተመለሳ ኰይነን፡ ብዓሰርተታት ዝቝጸራ ግን ኣብ ዝኣተዋኦ ኣይተፈለጠን።

እተን ዝተረኽባ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝወለዳ ሰራዊት ናይጄርያ ገሊጹ።

ካብተን ብጕጅለ ዝተጨወያ ደቂ ኣንስትዮ ገሊአን ሃይማኖተን ናብ እስልምና ክቕይራን ካብቶም ዕጡቓት ክምርዐዋን ከም ዝተገደዳ ይገልጻ።

እተን ኣብዚ እዋን ምስ ሰለስተ ቈልዑተን ዝተረኸባ ደቂ ኣንስትዮ፡ ምስ ደቀን ናብ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ከም ዝተወሰዳ ተሓቢሩ።

ቅድም ኢለን ካብ ቦኮ ሓራም ነጻ ዝወጽኣ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብመንግስቲ ናይጄርያ መንበሪ ተዋሂቡወን ከምኡ እውን ናብ መሐብሐቢ ማእከላት ከም ዝኣትዋ ተገይሩ እዩ።

ድሕሪ እቲ መጭወይቲ ሓንቲ ተመሃሪት ንፈለማ እዋን ኣብ ግንቦት 2016 ኣምሊጣ፤ ካልኦት ውሑዳት እውን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ክሃድማ ክኢለን'የን።

ካብ 2016 ክሳብ 2018 ግን ኣብ መንጐ መንግስቲ ናይጄርያን ዕጡቓት ቦካ ሓራምን ብዝተኻየደ ዘተ፡ 103 ግዳያት ተፈቲሐን።

እተን ደቂ ኣንስትዮ ክፍታሓ ዝጕስጕስ ‘ብሪንግ ባክ ኣወር ገርልስ’ ዝተባህለ ምንቅስቓስ ካብተን ግዳያት ኣስታት 100 ክሳብ ሕጂ ከም ዘይተረኸባ ይገልጽ።

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጄርያ ዕጡቓት ንነዊሕ እዋን ብዝፈጸምዎም መጥቃዕቲታት፡ 40 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱን 2.2 ሚልዮን ከም ዝተመዛበሉን ጸብጻብ ኤኤፍፒ ይሕብር።

ዝተጨወያ ደቂ ኣንስትዮ ቺቦክ ንምፍታሕ መንግስቲ ናይጄርያ ንዕጡቓት ቦኮ ሓራም ልዕሊ 3 ሚልዮን ዶላር ከም ዝኸፈለ እዩ ዝግለጽ።