ግብረመልሲ ትካል ስደተኛታት ኢትዮጵያ ንጥርዓን ኤርትራውያን ስደተኛታት

ኣርማ ትካል ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, RRS/facebook

ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ትካል ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያን ንገለ ህጻናት ደቆም ምስክር ወረቐት ልደት (Birth Certificate) ክህብዎም ስለዘይክኣሉ፡ ስድራቤታቶም ኣብ ኣውሮጳን ኢትዮጵያን ተፈላልየን ክጠራነፋ ከምዘይክኣላ ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።

ትካል ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ ብዓርቢ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘውጽኦ ግብረመልሲ ነቲ ኣብ ፈለማ እዚ ሰሙን ቢቢሲ ዘውጽኦ ጸብጻብ "መሰረት ዘይብሉ ክሲ" ክብል ነጺግዎ።

እንተኾነ ግን፡ ብዛዕባ እቶም ስደተኛታት ዝሓትሉ ዘለዉ ሰነድ ምሃብ ብንጹር ኣይገለጸን።

"ምዝገባ ካብ ሕዳር 2022 ጀሚሩ ይቕጽል ኣሎ፡ 2149 ኤርትራውያን ስደተኛታት ቆልዑ'ውን ተመዝጊቦም" ይብል እቲ ዝወጸ መግለጺ።

እንተኾነ ግን፡ እቶም ስደተኛታት ዝሓትሉ ዘለዉ ቀንዲ ጉዳይ እቲ ብኤምባሲ ጀርመን ከቕርቡ ዝሕተትዎ ሰነድ ልደት ክወሃቦም'ዮም ዝሓቱ ዘለዉ።

ነቲ በቲ ትካል ዝተዋህበ ግብረመልሲ ዝራኣዩ እቶም ስደተኛታት ንቢቢሲ ደጊሞም ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ሕጂ'ውን እቲ ትካል ነቲ ዘልዕልዎ ዘለዉ ጉዳይ ጎስይዎ ምሕላፉ ተዛሪቦም።

"እቲ ቀንዲ ጸገም ከይኑ ዘሎ ነዞም ኣብ መስርሕ ጥርናፈ ዘለና ኤምባሲ [ጀርመን] እታ ናይ ልደት ምስከር ወረቀት ብዘይ ምርከብና ካብ እንዳ ኣራ (ARRS) ጉዳይና ንልዕሊ ዓመት ጠጠዎ ኢሉ ኣሎ" ክብል ሓደ ካብቶም ስደተኛታት ደጊሙ ንቢቢሲ ተዛሪቡ'ሎ።

"ከሉ ወዲእና ብሰንኪ እዛ ናይ ልደት ምስክር ወረቐት ብዘይ ምሃቦም እንዳ ኣራ ፕሮሰስና [መስርሕ ጥርናፈ] ጠጠው ኢሉ። ቆልዑ ካብ ኣዲታቶም ተፈልዮም ኣለዎ።"

"ነዞም ኣብ ዳታ ወይ መዝጊብዎም ዘለዉ ብቁልጡፍ ናይ ልደት ምስክር ወረቐት ከህበና እዚ እዩ ሕቶና ምኽንያቱ ኤምባሲ ብዘይ እዚ ወረቐት ናይቶም ህጻውንቲ ፕሮሰስ ከሰለጥ ኣይክእልን እዩ ኢሎም ጠጠወ ኣቢሎምና ሰለዘለዉ"

"ኣንስትና ወዲአን ከለዋ ብሰንኪ እዞም ድሒሮም ዝተወለዱ ህጻወንቲ ጠጠዎ ኢለን ኣለዋ"።

ብዓልቲቤቱን ውላዱን ኣብ ኢትዮጵያ ሓዲግ ከምዝተረፉ ዝገልጽ ካልእ ኣብ ጀርመን ዝነብር ስደተኛ'ውን ንግብረመልሲ እቲ ትካል ተመሳሳሊ ርእይቶ ሂቡሉ ኣሎ።

"እዚ ሎሚ ወጺኡ ዘሎ መግለጺ ነቲ ሕቶና ዘይምልስን ግልጹነት ዝጎደሎን እዩ። እወ ብልክዕ ኣብ ኢትዮጲያ ዝተወለዱ ህጻናት ኣብ ዳታ (Data) ምእታው (ምምዝጋብ) ጀሚሮም እዮም። ጓለይ እውን ኣብ መፋርቕ ሕዳር 2022 ኣብ ዳታ ተመዝጊባ፡ ናይ ልደት ምስክር ወረቐት ምስ ሓተተት ግን ብኦንላይን ቆጸራ ሕዚ ተባሂላ ክሳብ ሕጂ ግን መልሲ የለን"።

"ብሰንኪ ናይ ልደት ምስክር ወረቐት ዘይምርካብና ናይ ጓለይ ቪዛ ክስርሓላ ኣይከኣልን 'ዩ ተባሂልና ብኤምባሲ ጀርመን ኣብ ኣዲስ-ኣበባ"

"ናይ በዓልቲ ቤተይ ናይ በይና ቪዛ መጺኡዋ ፡ጓለይ ገዲፈ ክኸይድ ኣይክእልን'የ ስለዝበለት ክሳብ ሕጂ ኣብ ተስፋ ዘይብሉ ትጽቢት ንነብር ኣለና። እቲ ዝነበረ ቪዛ ውን ሓሪሩ።ንትጽቢት ትጽቢት ተወሲኽዎ ኣብዘይንብር ንነብር"።

እቲ ትካል "ካብ ቢቢሲ ብወግዒ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ሕቶ ዘቕረበ የለን" ክብል'ኳ እንተጸሓፈ፡ ቢቢሲ ርእይቶ ናይቲ ትካል ንምርካብ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኢሜልን ጽሒፉን ቴለፎን ደዊሉን ነይሩ'ዩ።

እቲ ዘዛርብ ዘሎ ጉዳይ እንታይ'ዩ

ኣብ ጀርመን ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሰንኪ መንግስቲ እታ ሃገር ዝኽተሎ ተሪር ቅጥዕታት ጥርናፈ ስድራቤት ዓቢ ብድሆ’ዩ ኰይንዎም ጸኒሑ።

ኵነታቶም ሰማዒ ክረክብን ፍታሕ ንምርካብን ድማ፡ ሕጋዊ ጥርዓናት ብምቕራብን ናብ ጐደናታት ብምውጻእ ተቓውሞታት ብምውዳብን ክቃለሱ ጸኒሖም።

ዋላ’ኳ ድሕሪ ነዊሕ መስርሕ ገለ ካብኦም ቪዛ ክረኽቡ እንተኸኣሉ፡ ምስቶም ኣብ መስርሕ ዝወለድዎም ቈልዑ ብዝተሓሓዝ ግን ጕዕዞኦም ዝተዓናቐፈ ብዙሓት’ዮም።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣጋጢምዎም ዘሎ ጸገም፡ ምስ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ‘ኣራ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ ትካል ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ ዝተሓሓዝ’ዩ።

እቲ ጉዳዮም ዝምልከቶ ትካል "ናይ ክብሪ መዝገብ” (ሰነድ ልደት ቈልዓ) ክህቦም ኣይክኣለን።

ሓያለ ካብቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ስደተኛታት፡ ምስቶም ናብ ኢትዮጵያ ዝተሰደዱ መጻምድቶምን ደቆምን ንኽጥርነፉ ነዊሕ መስርሕ ሓሊፎም’ኳ እንተሰለጦም፡ ብሰንኪ እቲ ሰነድ ጉዳዮም ከምዝተዓናቐፈ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እቶም ምስ ስድራቤቶም ክጥርነፉ ዝብህጉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሰማዒ ስኢኖም “እንታይ ከምእንገብር ሓርቢቱና’ዩ ዘሎ” ብምባል የማርሩ ኣለዉ።