ሞት ኣንጸላልዩዎ ዝነበረ ብዕድመ ዝነኣሰ ስዑዳዊ እሱር ድሕሪ 8 ዓመታት ተፈቲሑ

ሙርታጃ ቁረይሪስ

ምንጪ ስእሊ, ESOHR

መግለጺ ስእሊ, ሙርታጃ ቁረይሪስ ቅድምን ድሕርን ማእሰርቲ

ኣንጻር መንግስቲ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተሳቲፍካ ተባሂሉ ኣብ 13 ዓመቱ ዝተኣሰረ ስዑዳዊ ድሕሪ ናይ ዓመታት ማሕዩር ከምዝተፈተሐ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ገሊጾም፡፡

ሙርታጃ ቁረይሪስ፡ ዋላኳ ዳሓር ብማእሰርቲ ክቕጻዕ እንተተፈረዶ፡ መጀመርታ ግን መቕጻዕቲ ሞት ኣንጸላልይዎ ነይሩ፡፡

ኣብ 2014 ኣብ ቀይዲ እንትውዕል፡ ካብ ዝቐረቡሉ ክሲታት ሓደ፡ ኣብቲ ኣብ 2011 ዝተኻየደ ብጽድያ ዓረብ ዝፍለጥ ሰልፊ ተሳቲፍካ ዝብል ነይሩ፡፡

ቁረይሪስ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ሰልፊ ተሳቲፍካ ተባሂሉ ዝተኣሰረ ብዕድመ ዝነኣሰ ስዑዳዊ ከምዝኾነ ይእመን፡፡

መሰላቱ ዝኾኑ ብቑጽሪ ውሑዳት ተኸተልቲ እስልምና ሺዓ ኣብ ዝነብሩሉ ምብራቓዊ ግዝኣት ስዑዲ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ፡ እቲ ህጻን ምስ ካልኦት ቆልዑት ብሽክለታ እናዘወረ ኣብ ሓደ ቪድዮ ይረኣይ፡፡

ተኸተልቲ ሺዓ ስዑዳውያን፡ ኣብታ ሱኒ ዝበዝሑላ ሃገር፡ ኣድልዎ ከምዝፍጸሞምን ከም ካልኣይ ደረጃ ዜጋታት ከምዝቑጸሩን የማርሩ፡፡

በቲ ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝካየድ ዝነበረ ሰልፊታት ተለዓዒሎም ድማ ኣንጻር ሰብመዚ ስዑዲ ተቓውሞታት ኣስሚዖም ነይሮም፡፡

እቲ ተቓውሞ ብስጉምቲ ሓይልታት ጸጥታ ዝተዓፈነ ኮይኑ፡ ነዚ ስዒቡ ብዙሓት ተኣሲሮምን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ብሞት ተቐጺዖምን እዮም፡፡

ሙርታጃ ቁረይሪስ እውን ብዘይ ክሲ ንዓመታት ከምዝኣሰረ እዮም ተሓለቕቲ መሰላት ዝገልጹ፡፡

ቅድምን ድሕርን ምእሳሩ ዝተዘርገሐ ፎቶ፡ ዓርሱ ዝኸኣለ ታሪኽ ዝነግር እዩ፤ ህጻን ኮይኑ ኣትዩ ብጭሕሚ ዝማዕረገ መንእሰይ ኮይኑ ክወጽእ ይረኣይ፡፡

ኣብ መወዳእታ ናብ መጋባእያ ኣብ ዝቐረበሉ ኣባል ኣሸባሪ ጉጅለ ኢኻ ፤ ከምኡ እውን ናብ ፖሊስ ጣብያ ፈንጂ ደርብዩ ንዝተባህለ ዓብዪ ሓዉ ሓጊዝካዮን ዝብሉ ክሲታት ቀሪቦምሉ ነይሮም፡፡

ኣኽበርቲ ሕጊ ብሞት ክቕጻዕ ዝሓተቱ ኮይኖም፡ ጎስጎስቲ ድማ ብስቅላት ክቕጻዕ ከምዝኽእል ኣጠንቆቖም ነይሮም፡፡

ቃል እምነት እቲ ተኸሳሲ ከም መረዳእታ ቀሪቡ ነይሩ፤ ኮይኑ ግን ብመግረፍትን ስቅያትን ክኣምን ከምዝተገበረ ንቤት ፍርዲ ተዛሪቡ፡፡

ጉዳይ እቲ ህጻን ብደረጃ ዓለም ኣዘራራቢ ዝነበረ ኮይኑ፡ ምናልባት ዝተውሃቦ ኣቓልቦ ካብ መቕጻዕቲ ሞት ተሪፉ ብእስራት ክቕጻዕ ሓጊዝዎ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት፡፡

ኣብ ፈለማ ን 12 ዓመት ዝተፈረዶ ኮይኑ ጸኒሑ ናብ 8 ዓመት ተቐኒሱሉ፡፡ በዚ መሰረት ግዘ ማእሰርቱ ወዲኡ ወጺኡ፡፡

ተሓለቕቲ መሰላት ምፍታሕ እቲ እሱር ዝነኣዱ ኮይኖም፡ ኣካላውን ስነ ልናውን ጉድኣት በጺሕዎ ክኸውን ከምዝኸእል ግን ይገልጹ፡፡

ስዑድ ዓረብ፡ ኣብ 2020 ተኸሰስቲ ትሕቲ ዕድመ ኮይኖም ንዝፈጸምዎም ገበናት ብሞት ከይቅጽዑ ዝእዝዝ ኣዋጅ ዘውጸአት ኮይና፡ ተሓለቕቲ መሰላት ግና ተፈጻምነቱ ከምዘጠራጥሮም ይዛረቡ፡፡