ስዑድ ዓረብ ኣብ ሓደ መዓልቲ 81 ሰባት ብሞት ቀፂዓ

ቅድሚ ሕዚ ኣብታ ሃገር ዝተፈፀሙ መርሸንቲ ከምቲ ኣብ ኒውዮርክ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ዝተኻየደ ብዙሓት ተቓውሞታት ከምዘስዓቡ ይፍለጥ፡ 1 ሰነ 2019

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቅድሚ ሕዚ ኣብታ ሃገር ዝተፈፀሙ መርሸንቲ ብዙሓት ተቛውሞታት ከምዘስዓቡ ይፍለጥ

ስዑድ ዓረብ ትማሊ ቀዳም 81 ደቂ ተባዕትዮ ብሞት ከምዝቀፅዐት ኣፍሊጣ። እቲ ኣሃዝ እታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ሙሉእ ዓመት ብሞት ካብ ዝቐፀዐቶም ዝዛየደ እዩ።

መራኸቢ ሓፋሽ እታ ሃገር ኤስፒኤ፡ ካብቶም ብሞት ዝተቐፅዑ ደቂተባዕትዮ፡ "ብዙሕ ባርባራዊ ገበናትን ግብረ ራዕድን ዝፈፀሙ" ሸውዓተ የመናውያንን ሓደ ሶርያውን ከምዝርከብዎም ፀብፂቡ።

ገሊኦም ምስ ኣባላት ጉጅለ እስላማዊ ግዝኣት (ኣይኤስ)፣ ኣልሸባብ ወይ ኣብ የመን ምስ ዝርከቡ ዓመፅቲ ሑቲ ርክብ ዝነበሮም እዮም።

ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል፡ ኣብ ስዑድ ዓረብ ብዙሓት ፍትሓዊ ዳይነት ከምዘይረኽቡ ገሊፆም። መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ግና ነዚ ክሲ ነፂግዎ።

እቶም 81 ሰባት ብ 13 ዳያኑ ከምዝተረኣዩን ጉዳዮም ሰለስተ ብርክታት ብዘለዎ ከይዲ ፍርዲ ከምዝሓለፈን፡ ኤስፒኤ ፀብፂቡ።

እዞም ሰባት፡ ንቁጠባ ስዑድ ዓረብ ኣብ ዝሃስዩ መጥቃዕቲ ንምብፃሕ ሚስጥራዊ ውጥን ብምውዳድ፣ ኣባላት ኣካላት ፀጥታ ንምቕታል ወይ ጨውዮም ንምውሳድ ብምድላው፣ ብምስቓይ ምዕማፅን፡ ከምኡ'ውን ናብታ ሃገር ዘይሕጋዊ መሳርሒ ኵናት ብምእታው ብዝብሉ ገበናት እዮም ተኸሲሶም።

ስዑድ ዓረብ ልዑል መቕፃዕቲ ሞት ብምፍፃም ኣብ ዓለም ኣብ ቅድሚት ካብ ሞንጎ ዝስርዓ ሃገራት እያ።ከም ፀብፃብ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ካብ ቻይና፣ ኢራን፣ ግብፅን ዒራቕን ቀፂሉ፡ ልዑል መቕፃዕቲ ሞት እትፍፅም ሃገር ብምዃን ስዑድ ዓረብ ኣብ ሓምሻይ ደረጃ ትስራዕ።

ስዑድ ዓረብ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ 69 ሰባት ብሞት ቀፂዓ እያ።