ስድራ ተሓላቒ መሰላት ፀለምቲ ማልኮም ኤክስ፡ ንኤፍቢኣይ፣ ሲኣይኤን ፖሊስን ከሲሶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስድራ እቲ ዝተቐተለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ፀለምቲ ማልኮም ኤክስ፡ ንኤፍቢኣይ፣ ሲኣይኤን ፖሊስ ኒውዮርክን ከሲሶም።
ኤፍቢኣይ፣ ሲኣይኤን ፖሊስ ኒውዮርክን ኣብ ቅትለት ማልኮም ኤክስ ግደ ኣለዎም ብምባል፡ ዝኸሰሱ ስድራ እቲ ተሓላቒ፡ 100 ሚልየን ዳላር ካሕሳ ንክኽፈሎም ድማ ሓቲቶም።
እቲ መዝገብ ክሲ፡ እቶም ኤጀንሲታት ኣብቲ ምስጢራዊ ውዲት ከም ዝተሳተፉን፡ ነቲ ቅትለት ደው ከም ዘየበልዎን ይገልፅ።
ንስድራ እቲ ግዳይ ዝወከለ ጠበቓ ቤን ክራምፕ፡ “ንሕና፡ ኩሎም፡ ንቅትለት ማልኮም ኤክስ ውዲት ከም ዝኣለሙ ኢና ንኣምን” ብምባል፡ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።
ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ፀለምቲ ማልኮም ኤክስ፡ ኣብ 1965 ኣብ ኒውዮርክ ንምዝራብ እንትዳለው፡ ሰለስተ ዕጡቓት መፂኦም 21 ጠያይቲ ብምትኳስ እዮም ቀቲለምዎ።
እዚ ኣብ ልዕሊ ኤጀንሲታት ኣመሪካ ዝተመስረተ መዝገብ ክሲ፡ ኣብ መንጎ ኣኽበርቲ ሕግን “ጨካናት ቀተልትን” ዝነበረ “ብልሽው፣ ዘይሕጋውን ዘይሕገመንግስታውን” ርክብ፡ ጨካናት ነዚ ቅትለት ክፍፅሙ ከም ዝፈቐደ ይገልፅ።
“ኣብ መንጐ እቶም ኤጀንሲታትን ቀተልትን ዘሎ ርክብ ንብዙሕ ዓመታት እንከይተፃረየን፡ ብወከልቲ መንግስቲ ሓለዋ ክግበረሉን እዩ ፀኒሑ” ይብል።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ፖሊስ ኒውዮርክ ምስ ካልኦት ኤጀንሲታት ከም ዝተሓባበረ፣ ማልኮም ኤክስ ቅድሚ ምቕታሉ መዓልታት ኣቐዲሙ ንሓለውቱ ኣብ ቀይዲ ከም ዘውዓለን፡ ኣብቲ ማልኮም ኤክስ ዝተቐተለሉ ብዙሓት ዝስዕስዕሉ ኣዳራሽ (ballroom) ዝነበሩ ፖሊስ ከም ዘውፅአን፡ እቲ መዝገብ ክሲ ኣመልኪቱ።
እቲ ቅትለት እንትፍፀም፡ ንምስጢራውያን ሰለልቲ ሓዊሱ ኣባላት ደሕንነት ፌደራል ኣብቲ ኣዳራሽ ከም ዝነበሩን ጣልቃ ከም ዘይኣተዉን፡ ስድራ እቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ፀለምቲ ከሲሶም።
ስድራ ማልኮም ኤክስ ክሲ ከም ዝምስርቱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እዮም ኣፍሊጦም።
ፖሊስ ኒውዮርክ፡ “ኣብ ጉዳይ እቲ ዝቐረበ ክሲ ርኢቶ ኣይህብን” ዝበለ እንትኾን፡ ሲኣይኤ ድማ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ዛጊድ ምላሽ ኣይሃበን።
ኤፍቢኣይ ብወገኑ ንኣሶሺየትድ ፕረስ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ክሲ ምላሽ ዘይምሃብ “ልሙድ መስርሕ” እዩ ኢሉ።
ማልኮም ኤክስ፡ ናይቲ ፀለምቲ እስላም ኣመሪካውያን ካብ ፀዓዱ ክግንፀሉ ኣለዎም ኢሉ ዝኣምን ትካል ‘ኔሽን ኦፍ ኢስላም’ ቀንዲ ወሃቢቃል’ዩ ነይሩ።
እንተኾነ ቅድሚ ምቕታሉ ኣብ ዝነበሩ ዓመታት፡ ንርእሱ ካብቲ ትካል ብሕርቃን ኣግሊሉ ነይሩ።
ማልኮም ኤክስ፡ ኣብ 39 ዓመቱ’ዩ ተቐቲሉ።
ኣባል ‘ኔሽን ኦፍ ኢስላም’ ዝኾነ ሓደ ሰብኣይ ከም ዝቐተሎ ተናዚዙ ነይሩ።
ዳኛ ቤት-ፍርዲ ኒውዮርክ ምዝባዕ ፍትሒ ነይሩ ኢሉ ድሕሪ ምውሳኑ ድማ፡ ብቅትለት ማልኮም ኤክስ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዝነበሩ ካልኦት ክልተ ሰባት፡ ኣብ 2021 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ከም ዝተፈትሑ ይዝከር።
ዋና ዓቃቢ ሕጊ ኒውዮርክ፡ እቶም ክልተ ውልቀሰባት ነፃ ክገብሮም ዝኽእል መረዳእታ እንከሎ ናብ መጋባእያ ኣይቀረበን ብዝብል፡ ሙሉእ ብሙሉእ ነፃ እዮም ብምባል ምብያኑ ይዝከር።
ስድራ እቶም ብጌጋ ገበነኛታት ዝተበሃሉ ውልቀሰባት ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ከተማ ኒውዮርክ ክሲ ብምምስራት፡ 26 ሚልየን ዳላር ተኻሒሶም’ዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







