ኮንጐ፡ እታ ኣገዳሲት ከተማ ኣብ ኢድ መን'ያ ዘላ?

 እቲ ኣብ መንጐ ዕጡቓት ኤም23ን ወተሃደራት መንግስትን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ስዒቡ፡ ሆስፒታላት ብብዙሓት ጕዱኣት ከም ዘዕለቕለቓን ሬሳታት ኣብ ጐደናታት ወዲቑ ከም ዝረአን ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ዕጡቓት ኤም23 ነታ ኣብ ምብራቕ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ እትርከብ ኣገዳሲት ከተማ ጎማ ንምቍጽጻር ይጽግዑ ከም ዘለዉ ይግለጽ።

ዛጊድ መዓርፎ ነፈርቲ እታ ከተማ ከም ዝሓዙ ይግለጽ ኣሎ።

መንግስቲ ኮንጎ ብወገኑ፡ ኣብ ገለ ክፋል እታ ከተማ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ይቕጽል ከም ዘሎን፡ ሕጂ'ውን ኣብ ስልጣን ከም ዘሎ ይገልጽ።

ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ኣብ መኽዝናቶም ዝነበረ መግብን ናውቲ ሕክምናን ከም ዝተዘመቱ ኣፍሊጦም።

ኣብ መንጐ ዕጡቓት ኤም23ን ሰራዊት ኮንጎን ዓቀብቲ ሰላምን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ስዒቡ፡ ሆስፒታላት ብብዙሓት ጕዱኣት ከም ዘዕለቕለቓን ሬሳታት ኣብ ጐደናታት ወዲቑ ከም ዝረአን ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።

ብሰንኪ እቲ ኵነታት ቍጥዐ ነበርቲ እናዛየደ ዝኸይድ ዘሎ ኰይኑ፡ ሰልፈኛታት ኣብ ርእሰ ከተማ ኪንሻሳ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኤምባሲታት ወጻኢ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲታት ፈጺሞም።

ትማሊ፡ ኤምባሲ ፈረንሳ ብሓዊ ክነድድ እንከሎ፡ ኤምባሲታት ሩዋንዳ፡ ዩጋንዳ፡ ቤልጅየም፡ ኔዘርላንድን ኣመሪካን'ውን ዒላማ ተገይሮም።

ምኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ጂን-ኖዌል ባሮት፡ "እቶም መጥቃዕቲታት ተቐባልነት የብሎምን፡" ኢሉ ብምዅናን እቲ ሓዊ ኣብ ቍጽጽር ከም ዝኣተወ ተዛሪቡ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ ግን፡ እቲ ውግእ ንምቊራጽ ዝርርብ ሰላም ክካየድ ጻውዒታት ይቐርብ ኣሎ።

ጐረቤት ሃገር ሩዋንዳ፡ ነቲ ብማዕድናት ዝሃብተመ ዞባ ዝቈጻጸር ዘሎ ብዓሌት ቱትሲ ዝምራሕ ዕጡቕ ጕጅለ ኤም23 ትድግፍ ኣላ ተባሂላ ትኽሰስ፤ ሩዋንዳ ነዚ ብቐጻሊ ትነጽጐ።

ኣብ ዶብ ሩዋንዳ ኣብ ወሰን ቀላይ እትርከብ ከተማ ጎማ፡ ኣብ ምፍራይ ሞባይል ቴሌፎናትን ካልእን ኣገደስቲ ዝዀኑ ዓበይቲ ምንጪ ማዕድናት ኣብ ዝርከቡ ምብራቓዊ ኮንጎ፡ ኣገዳሲት ማእከል መጓዓዝያን ንግድን እያ።

ድሕሪ'ቲ ብሰሉስ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኤም23 ተዅሲ ደው ከብል ጸዊዑ ኣሎ።

ኮምሽነር ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ባንኮለ ኣደዮየ፡ "ኤም23ን ካልኦት ኵሎም ኣሉታዊ ሓይልታትን ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽ ብምዅናን"፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ዲ.ኣርሲ ክኽበር ጸዊዑ።

ዲፕሎማሰኛታት ብዛዕባ እቲ ኵነታት ኣብ ዝዘራረቡሉ እዋን፡ እቶም ዕጡቓት ንጎማ ዝተቘጻጸሩ ይመስሉ።

ሓደ ምንጪ ጸጥታ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ነቲ መዓርፎ ነፈርቲ ተቘጻጺሮምዎ ኣለዉ፡ ነፈርቲ ውግእ ኤም23 ኣብኡ ኣለዋ፡" ኢሉ።

"ልዕሊ 1200 ወተሃደራት ኮንጎ ኢዶም ሂቦም ኣብቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝርከብ [መዓስከር ሕቡራት ሃገራት] ተዓጽዮም ኣለዉ።"

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ጸጕሪ ርእሲ ጓለ እትቝንን ኣደ

ምንጪ ስእሊ, Tony Karumba/AFP

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣተሓባባሪ ህጹጽ ምላሽ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኣደልሃይድ ማርሻንግ፡ ኣማኢት ሰባት ኣብ ሆስፒታል ከም ዘለዉን፡ መብዛሕትኦም ድማ ብጥይት ከም ዝተሃርሙን ብሰሉስ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣህጉራዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ብወገኑ፡ ኣብ ጀነቫ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ጎማ ዝርከብ ሆስፒታሉ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ጥራይ ልዕሊ 100 ቁሱላት ከም ዝተቐበለን፡ እዚ ቍጽሪ እዚ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ከም ዝረኸቦን ገሊጹ።

ኣብ ጽዑቕ ህዝቢ ኣብ ዘለዎ ከባቢታት፡ ከበድቲ መዳፍዕ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ከቢድ መጕዳእቲ የስዕብ ከም ዘሎ ወሲኹ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ ትማሊ ሰኑይ ምስ ሩዋንዳዊ መዘናኡ ፖል ካጋመ ብምዝርራብ፡ ክልቲኦም ኣብ ህጹጽ ኣድላይነት ተዅሲ ደው ምባልን ዝርርብ ሰላም ዳግማይ ምጅማርን ተሰማሚዖም።

ሓድሽ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ምስ ፕረዚደንት ኮንጎ ፌሊክስ ትሸከዲ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ ንመጥቃዕቲ ኤም23 ኰኒኑ ይርከብ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መራሒ ኮንጎ ምስ ሩዋንዳ "ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፉ" ዝርርብ ሰላም ዳግማይ ክጅመር ከም ዘለዎ ከም ዝተሰማምዐ ገሊጹ።

ሩቢዮ ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ'ውን ብምዝርራብ፡ ዝርርብ ሰላም ንቕድሚት ንምድፋእ ተሰማሚዖም።

በዚ መሰረት ኬንያ ሎሚ፡ ፕረዚደንት ትሸከዲን ካጋመን ዝራኸብሉ ኣኼባ ጸዊዓ ኣላ።

መንግስቲ ኮንጎ፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት'ውን ኣብቲ ጕዳይ ክእከብ ሓቲቱ፤ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ልዕሊ ርዋንዳ ተሪር ስጕምቲ ክወስድ ይጠልብ።

ብሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ህጹጽ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት፡ ግዝኣታዊ ሓድነት ዲኣርሲ ክኽበር ጸዊዑ።

ርዋንዳ ንኤም23 ቀጥታዊ ደገፍ ምግባራ ክትነጽግ'ኳ እንተጸንሐት፡ ሓላፊ ዓቃብ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ዣን ፒየር ላክሮይስ ግን ነቶም ዕጡቓት ትድገፍ ከም ዘላ ኣረጋጊጸ ኢሉ።