ኣዛዚ ኣፍሪኮም 'ቀንዲ ስግኣት ኣፍሪቃ' ዝበሎም ዘርዚሩ፤ እንታይ እዮም?

ምንጪ ስእሊ, AFRICOM
ኣዛዚ ሰራዊት ኣፍሪቃ-ኣመሪካ (ኣፍሪኮም)፡ ኣብዚ እዋን እቶም ቀንዲ ስግኣታት ኣፍሪቃ ኰይኖም ዘለዉ ኵነታት ብዝርዝር ኣቐሚጡ።
ኣብ ቃለመጠይቝ፡ ሓላፊ ወተሃደራዊ እዚ ኣፍሪቃ-ኣመሪካ ጀነራል ማይክል ላንግሊ፡ ሕሉፋት ጕጅለታት፡ ጸጥታ ኣፍሪቃ ኣብ ምዝራግ ቀንዲ ስግኣት ኰይኖም ይቕጽሉ ከምዘለዉ ገሊጹ።
ኣብ 53 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝካየድ ወተሃደራዊ ስርሒታት ዝከታተል ጀነራል ላንግሊ፡ ብፍሉይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መሕትት፡ ነታ ኣህጉር - ብፍላይ ኣብ ገማግም ባሕሪ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዘጋጥም ዘሎ "ተደራራቢ” ዝበሎ ጸጥታዊ ስግኣታት ኣልዒሉ።
ገለ ክፋል ሰሜናዊ ናይጀርያን ዞባ ሳሕልን በቲ ኣብ 2009 ዝጀመረ እስላማዊ ጕጅለ ቦኮ ሓራም፡ ብመጥቃዕታትን ጭውያ ሰላማውያን ሰባትን ተሃስዩ ኣሎ - ኢሉ።
ብሰንኪ በቲ ጕጅለ ዝፍነው መጥቃዕቲታት፡ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ተመዛቢሎም ኣለዉ።
እስላማዊ መንግስትን [ዳዕሽ] ኣልቓዒዳን እውን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ምስተወቕዑ፡ ኣቓልቦኦም ናብ ኣፍሪቃ የቕንዑ ኣለዉ።
99 ሚእታዊት ካብ ኵሎም ምስዞም ጕጅለታት ዝተኣሳሰሩ ቅትለታት ኣብ ሳሕል፡ ሶማልያን ተፋሰስ ቀላይ ጫድን ከምዘጋጠሙን ማእከል ስትራተጅያዊ መጽናዕትታት ኣፍሪቃ ኣመልኪቱ።
ኣፍሪኮም ምስ ኣፍሪቃውያን መሻርኽቲ ብምትሕብባር ነዞም ነዛ ኣህጉር ዘጋጥሙዋ ዘለዉ ጉዳያት “ብኣፍሪቃ ዝምራሕ” ፍታሕ ንምምሃዝ ዕላማ ከምዘለዎ ኣመልኪቱ።
“ኵሉ ግዜ ወተሃደራዊ ፍታሕ የለን - ሓባራዊ ጋንታ ንምህናጽ ብሓባር ንሰርሕ” ይብል ጀነራል ላንግሊ።
ወሲኹ ድማ፡ “ናይዚ ሓላፍነተይ ክጅምር ከለኹ፡ ወፍሪ ኣፍሪኮም ምስ ኣፍሪቃውያን መሻርኽትና ንምትእስሳርን ኣንጻር እቲ ዝርአ ዘሎ ስግኣታት ምስራሕን፡ ንዝለዓለ ጸጥታን ምርግጋእን ንምፍታሕን ዓሊመ ነይረ” ኢሉ።
ጀነራል ላንግሊ፡ ከም ኣብነት፡ ኣብ ከም በዓል ጅቡቲን ኬንያን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብቲ ዞባ ንዝፍጸም ሽፍትነት ንምምካት “ብዙሕ ናይ ሓባር ስራሕ ይካየድ ከምዘሎ” ኣስሚሩሉ።
"ብሸነኽ ምብራቓዊ ኣንፈት እታ ኣህጉር፡ ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ነንሕድሕደን ብምሽራኽን ምስ ገለ ሃገራት ኣውሮጳን ከምኡ'ውን ካብ ኤስያ ዝመጻ ሃገራትን ብምሽራኽ ንሽፍትነት ብሓባር ንምምካት ይሰርሓ ኣለዋ" ኢሉ።
እንተዀነ፡ ኣመሪካ ካብ ሃገራት ሳሕል ሓያል ተቓውሞ የጋጥማ ኣሎ።
ጫድ ኣብ ሃገራ፡ ስርሒታት ኣመሪካ ደው ክብልን ሰራዊታ ክትስሕብን ሓቲታ ኣላ።

ምንጪ ስእሊ, AFRICOM
ኣብ ኒጀር ዝርከብ ወተሃደራዊ መንግስቲ ድማ ምስ ኣመሪካ ካብ ዝገበሮ ናይ ምትሕብባር ስምምዕ ንድሕሪት ተመሊሱ ናብ ሩስያ ገጹ ሸተት ኢሉ።
እዚ ብዝምልከት ሕቶ ዝቐረበሉ እቲ ጀነራል፡ “ምስ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ [ኣብ ጫድ] ተዘራሪበ እየ፡ ጫድ ሽበራ ንምምካት ኣብ ምሕጋዝ ብዙሕ ዓወት ስለዝረኸብና፡ ንቐጻሊ ዝምድናታት ይዕድሙና ኣለዉ” ብምባል እቲ ተቓውሞታት ግዝያውን ዳግማይ ምትዕርራይን ምዃኑ ተዛሪቡ።
“ኣብ ኒጀር ድማ፡ ዝርርብና ገና ይቕጽል ኣሎ፡ ዳግመ-ምትዕርራይ ዝግበር እንተዀይኑ፡ ኣብቲ ስግኣት ዝተመርኮሰ ክኸውን እዩ፤ ግን ከኣ - ስርሒትና ኣብ ጠለብ እታ ሃገር ዝምስረት እዩ። ነቲ ዞባ ብሓፈሻ ኢና ንርእዮ - ዓመጽቲ ኣኽረርቲ ጕጅለታት ንምብርዓን እንታይ ክንገብር ከምዘለና ንፈልጥ ኢና፤ ገለ ሃገራት ምስአን ክንሻረኽ ይሓታና ኣለዋ።”
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኒጀር፡ ቡርኪናፋሶን ንማሊን ካብቲ ኣብቲ ዞባ ንዝንቀሳቐሱ እስላማውያን ንምምካት ዝተመስረተ ኣህጉራዊ ሓይሊ G5 ከምዝስሕባ ኣፍሊጠን ነይረን።
ድሕሪ ዕልዋ መንግስቲ፡ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝመሓደራ ሰለስቲአን ሃገራት፡ ኣብ መስከረም ነቲ ኪዳን ሃገራት ሳሕል ዝበሃል ተፈራሪመን ኣለዋ።
ሞሪታንያን ጫድን ክሳብ ሕጂ ኣካል ናይቲ ኣስታት 5 ሽሕ ወተሃደራት ዝሓቘፈ ሓይሊ G5 እየን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







