ኣብ ዝፈረሰ ህንፃ ንሓሙሽተ መዓልታት ዝተቐበረ ሰብኣይ ብህይወት ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ጆርጅ ንኣስታት ሓሙሽተ መዓልታት ኣብ ፍርስራስ ህንጻ ተደብዩ ዝቐነየ ሰራሕተኛ ካብቲ ፍርስራስ ብህይወት ድሒኑ።
ሰራሕተኛታት ምድሓን ነብሲ ኣብ ውሽጢ እቲ ፍርስራስ ድምጺ ሰብ ምስ ሰምዑ ምስቲ ሰብኣይ ርክብ ክገብሩን ማይ ክህብዎን ከምዝኸኣሉ ተገሊጹ።
ኣመሓዳሪ ምዕራባዊ ኬፕ ኣላን ዊንደ፡ እቲ ትማሊ ቀዳም ዝተፈጸመ ምድሓን ነብሲ ናይቲ ክፅበይዎ ዝቐነዩ ተስፋ መርኣዪ "ተኣምር" ምዃኑ ሓቢሩ።
እቲ ብኸፊል ዝተሃንጸ ኣፓርታማ ኣብ ዝሓለፈ ሶኑይ ከምዝፈረሰ ኮይኑ: ብውሕዱ 14 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 39 ድማ ዛጊት ኩነታታት ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን።
እቲ ህንጻ ክፈርስ ከሎ 81 ሰባት ኣብቲ ህንጸት ዝካየደሉ ቦታ ከምዝነበሩ ድሒሩ ዝወጸአ መግለጺ እታ ከተማ የመልክት። ካብቶም ዝደሓኑ 13 ኣብ ሆስፒታል ይሕከሙ ኣለዉ።
ደቡብ ኣፍሪቃዊት ማዕከን ዚና ‘ኒውስ24’ ከምዝሓበረቶ፡ እቲ ዝደሓነ ሰብኣይ ጋብሪኤል ጋምቤ ዝተባህለ ወዲ 33 ዓመት ሰራሕተኛ ምንጻፍ ማቶኔላ ኮይኑ፡ ካብቲ ፍርስራስ ምስ ወጸአ ብኣምቡላንስ ተወሲዱ’ሎ።
ኣመሓዳሪ ምዕራባዊ ኬፕ ኣላን ዊንደ ኣብቲ ዝፈረሰ ህንጻ ተረኺቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነተን ተደብዮም ዘለዉ ንምድሓን "ብዘይሕለል" ጻዕሪ ንዝሰርሑ ሰብሞያ ኣመስጊኑ።
"ተስፋ ቆሪጽና ኣይንፈልጥን፤ ሎሚ ድማ ንመጠን እፎይታይን ሓጎሰይን ክገልጽ ኣይክእልን እየ። ንኹለን ጉጅለታት የመስግን። ናይ ብሓቂ ጀጋኑ ኢኹም" ኢሉ።
ሓላፊ ምሕደራ ሓደጋታት እታ ዞባ ኮሊን ዳይነር፡ እቲ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልታት ብህይወት ዝደሓነ ጋምቤ፡ ቅድሚ ካብቲ ፍርስራስ ምውጽኡ ኣብ እግሩ "ከቢድ ቃንዛ" ይስምዖ ከምዘሎ ከምዝነገሮም ገሊጹ።
"ድሕሪ ክንድዚ ዝኣክል ነዊሕ ግዜ እዚ ኣዝዩ ዘሻቕል ኩነታት እዩ። ስለዚ ክልተ ሓካይም መጥባሕቲ ክመጽኡ ገይርና" ክብል ወሲኹ ተዛሪቡ።
እዚ ናይ ቀዳም ምድሓን ነብሲ ድሕሪ'ቲ ብረቡዕ ወዲ 29 ዓመት ደልቪን ሳፈልስ ነጻ ምውጽኡ ዝሰዓበ እዩ። ንሱ ኣብ ውሽጢ ፍርስራስ ከሎ ንወለዱን ኣፍቃሪቱን ልቢ ዝሰብር ናይ ድምጺ መልእኽቲ ዝለኣኸ ኮይኑ ክሳብ ክንደይ ከም ዘፍቅሮምን ብህይወት ኣብ ምውጽኡ ከምዝሰግእን ድሕሪ ምግላጹ ኣቓልቦ ህዝቢ ስሒቡ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







