ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብኣልማዝ ዝሃብተመ መሬቶም ንምንታይ ክምለሰሎም ይደልዩ?

ማርቲነስ ፍረደሪክስ ካምቻን ጎልፎን ተኸዲኑ ናብ ካሜራ ይጥምት
መግለጺ ስእሊ, ማርቲነስ ፍረደሪክስ ህዝቡ ንዝዀኑ ናማ መሬቶም ክመልሰሎም ይቃለስ ኣሎ

እቲ ጕዕዞ ካብ ኬፕታውን ንሰሜን 800 ኪሎሜተር ንውሓት ኣለዎ።

ፈለማ ዘደንቕ ተፈጥሮኣዊ ትርኢት ኢኻ ትምልከት።

እቲ ጽርግያ እናቐጸለ ናብ ሰሜናዊ ዶብ እናቐረብካ ብዝኸድካ ግን ጸንኵርን ጐዳጒዲ ዝመልኦን መልክዓ-ምድሪ ይቕበለካ።

እቲ ብዙሕ ኣታዊ ዘለዎ ኢንዱስትሪ ዕደና ኣልማዝ ዝገደፎ በሰላ ድማ ንተፈጥሮኣዊ ጽባቕ ናይቲ ቦታ ኣደብዚዝዎ።

ኣብ ርሑቕ ሰሜናዊ ምዕራብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ናማክዋላንድ ዝርከቡ ድኻታት ህዝቢ ናማ፡ እቲ መሬት ብብከላን ካልእ ጸገማትን ከም ዝተሃስየ ይዕዘቡዎ ኣለዉ።

ሃብቲ እቲ መሬት ስለምንታይ ጠፊኡ ወይ ከም ቀደሙ ዘይኰነ ይግረሙ።

ካብቲ ከባቢ ዝተረኽበ ብኣማኢት ሚልዮናት ዝቝጸር ኣብ ህንጸት ሃገር እኳ እንተ ወዓለ፡ ነቲ ከባቢ ግን ዝተገብረሉ ነገር የሎን።

ኣብ ደቡቡ ኣፍሪቃን ናምቢያን ዝርከቡ ናማ ካብ ደቀባት ሰበኽ ሳግም ኮይን ሳንን ዝመጽኡ እዮም።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቅድሚ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብታ ኣካል ናማክዋላንድ ዝዀነት ሪክተርስቨልድ ኣብ ልዕሊ መሰል መሬትን ዕደናን ኣብ ዝተኻየደ ሕጋዊ ክርክር እኳ እንተ ተዓወቱ፡ ሓያሎ ግና ኣብቲ ሕብረትሰብ ደሓን ዝዀነ ረብሓ ከም ዘይረኣዩ ይምጕቱ።

ቅድሚ ዕስራ ዓመት ኣብ ማእከል እቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዶባዊት ከተማ ኣሌክሳንደር ቤይ ዝርከብ ናይ ቀደም መዐደኒ ዝሰርሕ ዝነበረ ኣንድሪስ ጆሴፍስ ኣብቲ ዝባደመን ዝዓነወን ቦታ ደው ኢሉ ጽባቐ ናይቲ ከባቢ ጠፊኡ ብምርኣዩ ርእሱ ይንቕንቕ።

"እቲ ጸገም ስራሕ ዘየሎ ምዃኑ እዩ። ህዝቢ ደው ኢሉ፡ ኵሉ ንድሕሪት ተመሊሱ።

እቶም ህንጻታት ፈሪሶም ኣለዉ። ሽቕለት ኣልቦነት ሰማይ ዓሪጉ፡" ይብል።

ኣብዚ ክፋል ናይቲ ዞባ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኢንዱስትሪ ዕደና ኣልማዝ እናነከየ ብምምጽኡ፡ መብዛሕትኡ ኣብቲ መሬት ዘሎ ዕንቊታት ከም ዝተኣርየ ስለ ዝሕሰብ፡ ከቢድ ቍጠባውን ማሕበራውን ጸገማት ገዲፉ ኣሎ።

ካብዚ ዝዓነወ መዐደኒ ኣስታት ሓደ ኪሎ ሜተር ዝኸውን ርሕቐት ሒደት መንበሪ ኣባይቲ፡ ዝፈረሰ ህንጻ ቤተክርስትያንን ገለ ዝተበላሸወ መሳዅቲ ዘለዎ ሆስፒታልን፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ይህቡ።

እቲ ምምሕዳር ከባቢ ዘውጽኦም መደባት ልምዓት፡ ምዕባለ "ዝዓነወ ትሕተ-ቕርጺ ማይን ኤለክትሪክን፡" ከምኡ'ውን ክንክን ጥዕናን ዝተፈሓሓሩ ጽርግያታትን ዘጠቓለሉ እዮም።

ቅድሚ ሚእቲ ዓመት፡ ዳህሰስቲ ካብ ሩባ ኦሬንጅ ንደቡብ ኣብ ዘሎ ቦታ ክቡር ኣእማን ረኺቦም።

እዚ ሩባ ሕጂ ኣካል ዶብ ደቡብ ኣፍሪቃን ናሚብያን ኰይኑ ኣሎ።

ምርካብ ናይቶም ክቡራት ኣእማን ድማ ነቲ መሬት ንሓዋሩ ናብ ዝቐየረ ሸበድበድ ምዕዳን ኣልማዝ ኣስዒቡ።

ማሕበረሰብ ናማ ግን ብዛዕባ እቲ ክቡር ዕንቊታት ኣቐዲሞም ኣፍልጦ ነይርዎም እዩ።

"ስድራና ነቶም ቈልዑ ብኣልማዝ ምቝጻር ይምህርዎም ነይሮም፡" ይብል ኣቶ ማርቲነስ ፍረደሪክስ።

ኣብ 2012 ሽማግለታት ናማ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ መራሒኦም ገይሮም ሸይሞሞ።

እቲ ወዲ 60 ዓመት፡ መሬት ኣቦታቶም ክምለስ ክቃለስ ከም ዝተማሕጸንዎ ይዛረብ።

ብመሰረት ፍረደሪክስ፡ "እቶም ኤውሮጳውያን ሰፋሮ መጺኦም ንኣነባብራኦም ክሳብ ዝቕይሩዎ፡ ናማ ኣብ ሓደ እዋን ጓሶትን ነጋዶን እዮም ነይሮም፡" ይብል።

እቲ ዝነብርሉ ዝነበሩ ከባቢ ኣብ መፋርቕ መበል 19 ክፍለ ዘመን ምስዚ ኣብዚ እዋን'ዚ ደቡብ ኣፍሪቃ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ግዝኣት ኬፕ ተሓዊሱ፡ ድሕሪኡ ኣብ 1920ታት ኣልማዝ ምስ ተረኽበ፡ ናማ ካብ መሬት ከባቢ ሩባ ኦሬንጅ ተኣለዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓሌታዊ ስርዓት ኣፓርታይድ ኮነ ድሕሪ ናይ ቀዳማይ ደሞክራስያዊ ምርጫ ምዝዛም ምሕደራ ውሑዳት ጸለምትን ኣብ 1994 ዝተቐየረ ነገር ኣይነበረን።

እቲ ብሃገራዊ ኮንግረስ ኣፍሪቃ ዝምራሕ ሓድሽ መንግስቲ፡ ነቲ ኣብዚ ክፋላት'ዚ ዝተረኽበ ሃብቲ ኣልማዝ ምስ ዝተረፉ ክፋል እታ ሃገር ብምክፋል ዝዓበየ ረብሓ ከም ዝጠቅም ኣቐዲሙ ንዝነበሮ መርገጺ ዓቂቡ።

ሕብረተሰብ ናማ በዚ ውሳነ ሕጕሳት ኣይነበሩን፡ ሻቕሎቶም ክሳዕ ሎሚ ይቕጽል ኣሎ።

"ናብ ከም ሪክተርስቨልድ ዝኣመሰለ ከባቢ ክትከይድ ከለኻ፡ እቲ ህዝቢ ክሳብ ክንደይ ድኻ ምዃኑ ትዕዘብ፡" ክብል ኣቶ ፍረደሪክስ ዝሕብር።

"ስራሕ ኣልቦ እዮም። መነባብርኦም ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ኰይኑ፡ ብዘይካዚ'ውን ዝዀነ ናይ ለውጢ ተስፋ የሎን።"

"ኣነ ኣንጻር ልምዓት እኳ እንተ ዘይኰንኩ፡ እቲ ሕብረተሰብ ግን ከም መሻርኽቲ ተራእዩ ተጠቃሚ ክኸውን ኣለዎ።"

እቲ ክውንነት ካብዚ ዘለዎ ዝተፈልየ ክኸውን ይግባእ።

ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ምስ መንግስትን ብመንግስታዊ ዝውነን ትካል ዕደናን ዝተኻየደ ሕጋዊ ክርክር፡ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ እታ ሃገር ኣብ 2003 ንሕብረተሰብ ናማ ዝድግፍ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ኣብ ገማግም ሪክተርስቨልድ ዝርከቡ ዝባደሙ ህንጻታት ዕደና ክሳዕ ሕጂ ቈይሞም ይርኣዩ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ገማግም ሪክተርስቨልድ ዝርከቡ ዝባደሙ ህንጻታት ዕደና ክሳዕ ሕጂ ቈይሞም ይርኣዩ

ቀዋሚ ቤትፍርዲ፡ ናማ ኣብ መሬት ኣቦታቶምን ኣብኡ ዝርከብ ማዕድናት ምሉእ መሰል ከም ዘለዎም ገሊጹ።

ይዅን'ምበር ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ኣሌክስኮር ምስቲ ንናማ ወኪሉ ዝነበረ ማሕበር ሕብረተሰባዊ ንብረት ሪክተርስቨልድ (CPA) ስምምዕ ብምፍጣር፡ ነቲ ኩባንያ 51 ሚእታዊት ማዕድናዊ መሰላት ክህቦ እንከሎ፡ 49 ሚእታዊት ከኣ ናብ ሕብረተሰብን ኩባንያ ዕደና ሪክተርስቨልድን ከም ዝኸይድ ገበሮ።

ፍረደሪክስ ግን ሲፒኤ ንናማ ከም ዘይወከለን እቲ ስምምዕ ብዘይ ፍቓድ እቲ ሕብረተሰብ ከም ዝተገብረን ይምጕት።

ድሕሪ ናይ 20 ዓመት ካብቲ ስምምዕ ዝተረኽበ ሃብቲ፡ ዋላ'ኳ ብቕዋም ቤትፍርዲ ውሳነ እንተ ሃበ ክረብሑ ከም ዘይከኣሉ ይኸስስ።

ኣሌክስኮር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ ሕብረተሰብ ካብቲ ናይ መሬት ክሲ ተጠቃሚ ከም ዘይኰነ ምግላጽ ጌጋ፡" ብምባል ይቃወም።

ኣሌክስኮር ንሰለስተ ዓመታት ንሪክተርስቨልድ ኢንቨስትመንት ሆልዲንግ ካምፓኒ (RIHC) 11 ሚልዮን ዶላር ከም ካሕሳ ከም ዝኸፈለ፡ ከምኡ'ውን 2.9 ሚልዮን ዶላር ከም ልምዓታዊ ሓገዝ ከም ዝኸፈለ ገሊጹ።

ካርታ