ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ፡ ዝተኸሰተ ነገር እንታይ'ዩ?

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ፡ ወረዳ ቡግና ብዘጋጠመ ከቢድ ሕጽረት መግቢ ኣዴታትን ህጻናትን ከም ዝሞቱ ሓደ ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።
ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ኣብታ ወረዳ ሕጽረት መግቢ ከም ዘጋጠመ ቢቢሲ ሓዊሱ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ክጽብጽቡዎ እንከለው፡ ኣዝዮም ዘሰክፉ ምስሊታት'ውን ወጺኦም ነይሮም።
ዩኒቨርሲቲ ወልዲያ ኣብቲ ከባቢ ዘካየዶ ኣፈናዊ መጽናዕቲ፡ እቲ ቅልውላው "ከቢድ" ከም ዝዀነ የመልክት።
ሽዱሽተ ሰብ ሞያ ዘካተተ ጕጅለ መጽናዕቲ፡ ናብታ ወረዳ ብምኻድ ብዝገበሮ ዳህሳስ ከቢድ ሕጽረት መግቢ፡ ጸገም ኣገልግሎት ጥዕናን ጸገማት ዝስተ ማይን ከም ዝተኸሰቱ ክዕዘብ ክኢሉ።
ወረዳ ቡግና፡ ብደርቂ ዝፍለጥ ከባቢ ኰይኑ፡ በቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐን ናብቲ ክልል ዝልሓመን ኲናት ተሃስዩ ዝጸንሐን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ብተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ውሑጅን ወርጭን ዝተጠቕዐን'ዩ።
በዚ ምኽንያት ድማ፡ ሓረስቶት እቲ ከባቢ "እቶት" ከም ዘይረኸቡ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
እታ ወረዳ፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ትሕቲ ዕጡቓት ፋኖ ብምህላዋ ድማ፡ መድሃኒት፡ ኣገልግሎት ኣንቡላንስን ባንክን ከምኡ'ውን ሓገዛት ሴፍቲኔት ከም ዝተቛረጹ ይፍለጥ።
"ተፈጥሮኣውን ሰብ ሰርሖ ሓደጋታትን ተደሚሮም፡ እቲ ሕብረተሰብ ንኸምዚ ዓይነት ጸገማት ክቃላዕ ገይሮም ኣለው" ዝበለ ሓደ ኣባል ጕጅለ እቲ መጽናዕቲ፡ ብሰንኵ ሰባት ከም ዝሞቱ ጠቒሱ።
እዚ ሽሙ ክርቋሕ ዘይደለየ ክኢላ መጽናዕቲ፡ ኣብቶም ዝተዓዘቡዎም ከባቢታት እታ ወረዳን ጥዕና ኬላ ኣብ ዘለዎም ኣርባዕተ ጣብያታትን ኣደታትን ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻናትን ከም ዝሞቱ ኣረጋጊጹ።
ቢቢሲ ዝርኣዮ ኵነታት ሕጽረት መግቢን ጥዕናን እታ ወረዳ ዝድህስስ ጽሑፍ፡ ምስ ወሊድ ብዝተሓሓዝ ካብ መንጐ ዝተመዝገቡ ሞት ወጻኢ ሓሙሽተ ህጻናትን ክልተ ኣደታትን ብሕጽረት መግቢ ከም ዝሞቱ የመልክት።
ሰለስተ ህጻናት ኣብ ምምሕዳር ቈብ ክሞቱ እንከለው፡ ብርቈን ቅዱስ ሃርቤን ኣብ ዝተባህላ ካልኦት ክልተ ምምሕዳራት ድማ፡ ክልተ ህጻናት ሞይቶም።
ኣብ ከተማ ኣይና፡ ክልተ ኣደታተት ብሕጽረት መግቢ ምሟተን እቲ በዓል ሞያ ተዛሪቡ።
"ሰብ ብጥምየት ይመውት ኣሎ" ዝበለ እቲ ክኢላ፡ ጐረባብታ ዝሕግዙዋ ዝነበረት ሓንቲ ኣደ "ከም ዝተጸገመት ከይተፈልጠ" ህይወታ ከም ዝሓለፈ ብኣብነት ጠቒሱ።
"ናብ ኬላ ጥዕና ከይበጽሑ ዝሞቱ'ውን ኣለው" ብምባል እቲ ኣሃዝ ካብዚ ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግምት።
ካልእ ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፈ በዓል ሞያ ብወገኑ፡ እቲ ጕጅለ ክበጽሖም ኣብ ዘይክኣለ ካልኦት ከባቢታት እታ ወረዳ ተመሳሳሊ ጸገም ክህሉ ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ።
ኣመሓዳሪ ወረዳ ቡግና ኣቶ ጌታዬ ካሳው፡ ኣብታ ወረዳ ህይወት ሰብ ከም ዝሓለፈ ካብ ምስማዕ ብዝሰገረ "ዝተረጋገጸ ነገር የለን" ብምባል ብኸቢድ ሕጽረት መግቢ ዝሞተ ሰብ ብዛዕባ ምህላው ከም ዘየረጋገጸ ተዛሪቡ።
እቲ ኣመሓዳሪ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ኣብታ ወረዳ ዘጋጠመ ሕጽረት መግቢ ዘስዓቦ ሞት ንምርግጋጽ ግን መጽናዕቲ ይካየድ ከም ዘሎ ንቢቢሲ ገሊጹ።
"ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ብፍላይ ምስ ጥምየት ብዝተሓሓዝ ጸገም ኣብ ዘለወን ጣብያታት ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ህጻናትን ኣደታትን [ካልእ ክፋል ሕብረተሰብ ሓዊሱ] መጽናዕቲ ይገብሩ ኣለው" ዝብል እቲ ኣመሓዳሪ፡ ኣብታ ወረዳ "ጥምየት'ዩ ኣጋጢሙ ነይሩ" ብምባል ዓሶን ሕኸኽን ዝኣመሰሉ ሕማማት ከም ዘጋጠሙ ኣመልኪቱ።
ካብ ኣስታት 110 ሽሕ ነባሪ እታ ወረዳ እቲ 79 ሽሕ ህዝቢ ረድኤት ከም ዘድልዮ ብምግላጽ "ተስፋ ዝህቡ ስርሓት" ይስርሑ ከም ዘለው ተዛሪቡ።
መንግስቲ፡ ዩኒሴፍን ትካል ጥዕና ዓለምን መግብን መድሃኒትን የቕርቡ ከም ዘለው ዝገልጽ ኣቶ ጌታዬ፡ ካብ ሆስፒታል ላሊበላ ሸሞንተ ሰብ ሞያ ጥዕና ናብታ ወረዳ ብምምጻእ ኣገልግሎት ይህቡ ከም ዘለው ሓቢሩ።
እቲ ኣመሓዳሪ፡ ኣብታ ወረዳ ኣብ ዝርከባ ኣርባዕተ ኬላታት ጥዕና "ብኸቢድ ዝተሃሰዩ" ህጻናትን ኣደታትን ሕክምናን መግብን ንክረኽቡ ይግበር ኣሎ'ውን ይብል።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ክልተ ሰብ ሞያ ጥዕና እቲ ከባቢ ብወገኖም፡እቲ ኵነታት ይመሓየሽ ከም ዘሎ ብምግላጽ እቲ ሓገዝ ግን ክንድ'ቲ ዝድለ ተበጻሒ ኣይኰነን እዮም ዝብሉ።
ኣብታ ወረዳ ካብ ዝርከባ 16 ምምሕዳራት፡ ብፍላይ ላይድባ፡ ብርኮ፡ ጉልሃ፡ በርኳኳን ፈልደሊቅን ኣብ ዝብሃላ ከባቢታት ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ዝርከቡ ህጻናት "ኣዝዩ ዘሰክፍ" ሕጽረት መግቢ ከም ዘጥቅዖም ምርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ።
ብመሰረት ዓለምለኻዊ መዐቀኒ 'ህጹጽ ሕጽረት መግቢ' 65 ሚእታዊት ህጻናት እታ ወረዳ ብሕጽረት መግቢ ከም ዝተጠቕዑ ቤት ጽሕፈት ጥዕና እታ ወረዳ ገሊጹ።
በዚ መሰረት 84 ሚእታዊት ኣዴታት'ውን "ብዝኸፍአ ደረጃ" ብሕጽረት መግቢ ዝተሃሰያ እየን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







