ኣመሪካን ሜክሲኮን ውድብ ጥዕና ዓለም ህጹጽ ኩነታት ጥዕና ክእውጅ ጸዊዐን

ሰብመዚ ሜክሲኮ ምስቲ ለበዳ ብዝተኣሳሰር ክሊንክ ዓጽዮም

ምንጪ ስእሊ, ABRAHAM PINEDA

መግለጺ ስእሊ, ሰብመዚ ሜክሲኮ ምስቲ ለበዳ ብዝተኣሳሰር ክሊንክ ዓጽዮም

ምስ ለበዳ ዕሲ (ፈንገስ) ብዝተኣሳሰር ውድብ ጥዕና ዓለም ህጹጽ ኩነታት ጥዕና ክእውጅ ሰብመዚ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ተላብዮም።

እቲ ለበዳ፡ ኣብ ሜክሲኮ ምስ ዝርከቡ ስርሓቲ መመላኽዒ ዝተረኣሳሰር’ዩ።

ሲዲሲ ብዝብል ዝጽዋዕ ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣመሪካ፡ ኤፒዱራል ኣነስቲዝያ ዝበሃል መደንዘዚ ሜላ ወሲዶም መጥባሕቲ ዝገበሩ ክልተ ሰባት ብሕማም መኒንጅይትስ ከም ዝሞቱ ገሊጹ።

መኒንጅይትስ ወይ ኣንቅጺ፡ ካብ ምቑጣዕ ሽፋን ሓንጐልን ዕትብቲ ዓንድ ሕቖን ዝመጽእ ሕማም ከም ዝዀነ ይዝረብ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኣመሪካን ሜክሲኮን ዳርጋ ኣብ 400 ሰባት ክትትል ይግበር ኣሎ።

ኣብ ሜክሲኮ ከተማ ማታሞሮስ ዝርከባ ክልተ ናይ መመላኽዒ ክሊኒካት’ውን ተዓጽየን ኣለዋ።

ሰብመዚ ኣመሪካን ሜክሲኮን፡ ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ኣብ ሪቨር ሳይድ ወይ ክሊኒካ ኬ-3 ዝተበሃሉ ማእከላት መጥባሕቲ፡ ኤፒዱራል መደንዘዚ ዘጠቓልል መጥባሕቲ ዝገበሩ ሰባት፡ ዋላ’ውን ኣብዚ እዋን’ዚ ምልክታት ዘየርእዩ እንተዀኑ፡ ክምርመሩ ከም ዘለዎም ኣተሓሳሲቦም።

ሲዲሲ ድሮ ኣብ ኣመሪካ ብቲ ሕማም ከም ዝተለኸፉ "ዝተጠርጠሩ" ወይ "ተለኺፎም ክኾኑ ዝኽእሉ" 25 ሰባት ከም ዘለልየ ገሊጹ።

ብዙሓት ኣመሪካውያን ከም ስብሒ ምውጋድ ወይ ሊፖሳክሽንን ምዕባይ ጡብን ዝኣመሰሉ መመላኽዒታት ትሑት ወጻኢታት ንምርካብ ናብ ሜክሲኮ ይጓዓዙ እዮም፤ እዞም መመላኽዒታት ኩሎም ኣብ ከባቢ ዓንዲ ሕቖ መደንዘዚ ምውጋእ ዝጠልቡ ምዃኖም ይፍለጥ።

እቲ ሕጂ ዝወሃብ ዘሎ መደንዘዚ ባዕሉ ወይ ድማ ኣብ እዋን መጥባሕቲ ዝወሃቡ ከም ሞርፊን ዝበሉ ካልኦት መድሓኒታት ዝተበከሉ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ዳላስ ስሚዝ ካብ ሲዲሲ ገሊጹ።

ስሚዝ፡ "ኣብዚ እዋን ኣብ ሜክሲኮ ሕጽረት ኣሎ፡ ኣብ መድሓኒት ጸሊም ዕዳጋ ክህሉ ይኽእል'ዩ" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ንኸም መጥባሕቲ ሕርሲ ዝኣመሰሉ ልሙድ ዝዀነ ንገለ ክፋል ኣካል ዝውዕል መደንዘዚ፡ ብተመሳሳሊ ፈንገስ ከም ዝተለኽፈን ኣብ ግዝኣት ዱራንጎ ሜክሲኮ ሞት 39 ሰባት ከም ዘስዓበን ተረጋጊጹ’ዩ።

ሕማም ርእሲ፡ እቲ ዝበዝሐ ልሙድ መጀመርታ ዝርአ ምልክት ዕሳዊ ኣንቅጺ እዩ፤ ስዒቦም ድማ ከም ሰዓል፣ ተምላስ፣ ቃንዛ ክሳድን ድብዝዝ ዝበለ ርእየትን ዝኣመሰሉ ምልክታት ይረኣዩ።

ዕሳዊ ኣንቅጺ ተላባዒ ኣይኰነን፤ ብጸረ-ዕሲ መድሃኒታት ክሕከም ድማ ይኽእል’ዩ። እንተዀነ ግን ምልክታት ሓደ ግዜ ክረኣዩ እንተጀሚሮም ኣብ ሓጺር እዋን ናብ ሓደጋ ከእቱ ይኽእል።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ህጹጽ ኩነታት ጥዕና ህዝቢ ዝእውጅ፡ ሓደ ሕማም ኣብ መንጎ ሃገራት ምስ ዝዝርጋሕን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምእታው ምናልባት ዝተዋደደ ኣህጉራዊ ምላሽ ኣድላዪ እንተዀይኑን’ዩ።