ፕሮፌሰር ገቢሳ፡ ካብ ፕረዚደንት ባይደን ሜዳልያ ዝተሸለመ ኢትዮጵያዊ መን'ዩ?

ፕሮፌሰር ጋቢሳ ኤጄታ ካብ ጆ ባይደን ሽልማት እናተቐበለ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ፕሮፌሰር ጋቢሳ ኤጄታ ካብ ጆ ባይደን ሽልማት እናተቐበለ

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ብዓውዲ ሃገራዊ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጅን ምህዞን ሜዳልያ ካብ ዘበርከተሎም ተመራመርቲ ፕሮፌሰር ጋቢሳ ኤጀታ ሓደ እዩ።

ኣብዚ ብሰሉስ 24 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ዋይት ሃውስ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ብጠቕላላ 21 ኣሜሪካውያን ተመራመርቲ'ዮም ተሸሊሞም።

እዚ ሽልማት ኣብ ሳይንስ ልዑል ኣበርክቶ ንዝገበሩ ሰባት ዝወሃብ እዩ።

ሃገራዊ መዳልያ ሳይንስ፡ ኣመሪካ ኣብ ዓውደ ሳይንስ እትህቦ ዝለዓለ ክብሪ እዩ።

ኣብዚ ዓመት ነዚ ሽልማት ካብ ዝተዋህቦም ተመራመርቲ፡ ማእከላይ እቶት ኣብ ዘለወን ሃገራት ጽሩይ ዝስተ ማይ ብምቕራብ ከምኡ'ውን በረኻ ዝጻወሩ ኣትክልቲ ብምብቋል ልዑል ውጽኢት ዘመዝገቡ ከም ዝዀኑ ፕረዚደንት ባይደን ተዛሪቡ።

“ኣነባብራ ዘመሓይሹ ምህዞታት’ዮም ተኻቲቶም። ከም መንሽሮን ፓርኪንሰንን ዝኣመሰሉ ሕማማት ንምሕካም ኣበርክቶ ዝገበሩ’ውን ይርከብዎም” ኢሉ።

ኢትዮጵያዊ-ኣሜሪካዊ ፕሮፌሰር ጋቢሳ ኤጀታ ድማ፡ ብምህንድስና ዘርኢ-ሰረት እጽዋት ኰይኑ፡ ክሊማ በረኻ ዝጻወሩ ዓሌታት ብምርካቡ ነዚ ሽልማት በቒዑ።

እዚ ርኽበት ውሕስና መግቢ ዘረጋግጽ'ዩ ተባሂሉ።

ፕሮፌሰር ጋቢሳ፡ ኣብ ኣሜሪካ ኢንዲያና ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ፕሪዲዩ ተመራማሪ ምርባሕ ኣትክልትን ዘርኢ ሰረት ኣትክልትን ወይ ስነ-ውርሻ ከምኡ’ውን ዓለምለኸ ሕርሻን’ዩ።

ብተወሳኺ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዳይረክተር ኣህጉራዊ ኣሃዱ ውሕስነት መግቢ እዩ።

ፕረዚደንት ባይደን፡ ፕሮፌሰር ጋቢሳ “ኣብ ሳይንስ ዘርኢ-ሰረት ኣትክልቲ ብዝገበሮ ብሉጽ ኣበርክቶ” እቲ ሽልማት ከም ዝተዋህቦ ገሊጹ።

"ድርቅን ሓሰኻን ዝጻወር ዓሌት መሸላ ብምምዕባል ውሕስነት መግቢ ሚልዮናት ኣመሓይሹ እዩ። ንቍጠባዊ ዕብየት ኣገደስቲ ዝዀኑ ሳይንስ፡ ፖሊሲን ትካላትን ብምቛም ጸጋ ሓረስቶት ዘዕበየን መንፈስ ሃገራት ዘደልደለን እዩ" ክብል ንኢዱ።

ፕረዚደንት ዩኒቨርሲቲ ፕሪዩዱ ሙንግ ቺያንግ ብወገኑ፡ "ዩኒቨርሲቲና. . . ነቲ ዝግብኦን ክብሪ ንጽምብል" ኢሉ።

ፕሮፌሰር ጋቢሳ ኤጀታ መን እዩ?

ፕሮፌሰር ገቢሳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጋቢሳ ኤጀታ፡ ወሎን ቆሚ ኣብ ዝተባህለት ካብ ኣዲስ ኣበባ ብዙሕ ኣብ ዘይትርሕቕ ቁሸት ብ1950 [ኣ.ኣ] ከም ዝተወለደ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ካርንጊ ኮርፖሬሽን ኒውዮርክ ዝወጽአ ታሪኽ ህይወቱ የመልክት።

ይዅን እምበር፡ ድሩት ዕድል ትምህርቲ ስለ ዝነበሮ፡ ኣብ ጥቓኣ ናብ እትርከብ ከተማ 20 ኪ.ሜ ክኸይድ ነይርዎ፤ ቀዳመ ሰንበት ጥራይ ከኣ ናብ ገዛኡ ይምለስ።

ብጥሜትን ሕጽረት መግብን ዝተሃስየ ንእስነቱ፡ ውሕስነት መግቢ ንምምሕያሽ ንዝገበሮ ጻዕሪ ድርኺት ኰይንዎ’ዩ።

ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ሓደ ቃለ-መሕትት ብንእስነቱ ንጥሜት ተቓሊዑ ከም ዝፈልጥ ጠቒሱ ነይሩ።

"ካብ ገዛይ ርሒቐ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸይድ ከለኹ ኵልሳዕ ምስ ጠመኹ’የ ነይረ። ብሓቂ ቁርሲ ዝበላዕኩለን መዓልታት ክቘጽረን እኽእል’የ።"

ወሲኹ ድማ፡ ንግሆ "ኣብ ጥራይ ከብደይ ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻድ ብድሆ'ዩ። ስለዚ ብቐጻሊ ጥሜት ኣጋጢሙኒ'ዩ" ኢሉ።

ገቢሳ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕርሻን ቴክኒክን ጅማ ከምኡ’ውን ኣብ ኮለጅ ኣለማያ ተማሂሩ’ዩ።

ኣብ 1974 ናብ ኣሜሪካ ብምኻድ ኣብ ኢንዲያና ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ፐርዱ ናይ ምርባሕ ኣትክልትን ስነ-ውርሻን ትምህርቱ ተኸታቲሉ።

ማስተርስ ዲግሪን ፒኤችዲን ድሕሪ ምቕባሉ ድማ ካብ 1984 ጀሚሩ ኣባል መምህርን ተመራማሪን ኮለጅ ሕርሻ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ኰይኑ የገልግል ኣሎ።

እቲ ፕሮፌሰር፡ ትኹረቱ ኣብ መላእ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ንባኒን ገዓትን ዝኣመሰሉ መግብታት ኣብ ዝውዕሉ ቀንዲ ዘራእቲ መሸላ ከም ዝዀነ ታሪኽ ህይወቱ ይሕብር።

ኣብ መጀመርታ 1980ታት ኣብ ሱዳን ኣብ ዝሰርሓሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንፈለማ እዋን ድርቂ ዝጻወር ዓይነት መሸላ ኣማዕቢሉ።

ጸኒሑ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፐርዱ ምስ ዝሰርሕ ሓደ መሳርሕቱ፡ ኬሚካላዊ መሰረት ናይቲ ኣብ መንጐ ‘ስትሪጋ’ ዝተበሃለ ቀታሊ ጽግዕተኛ ጻህያይን መሸላን ዘሎ ርክብ ረኺቡ።

ኣብ 1990ታት ድማ ድርቅን ነቲ ጻህያይን ዝጻወሩ ዓይነታት መሸላ ድማ ከፍሪ ክኢሉ። እቶም ዓይነታት መሸላ ብዘይካ ጻህያይ ንሕማማት ተኽሊ እውን ዝጻወሩ እዮም።

ብተወሳኺ “ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ንዝርከቡ ኣማኢት ሚልዮናት ሰባት ውሕስነት መግቢ ዘበረኸ” መጽናዕቲ ድሕሪ ምክያዱ፡ ኣብ 2009 ሽልማት መግቢ ዓለም ተሸሊሙ። ንሽልማት ኖቤል መግብን ሕርሻን’ውን ተሓጽዩ ነይሩ።

ዩኒቨርሲቲ ፐርዱ፡ እዚ መጽናዕቲ ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ንዝርከቡ ኣማኢት ሚልዮናት ሰባት ንምምጋብ ዘኽኣለ ምዃኑ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ገሊጹ ኣሎ።

እቲ ፕሮፌሰር "ውጽኢት ዝዓለመ መጽናዕቲ ብምክያድ ይፍለጥ። ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ንልዕሊ 500 ሚልዮን ህዝቢ ዝምግብ መሸላ ድርቂ ክጻወር” ከም ዝገበረ እቲ መርበብ ሓበሬታ ይጠቅስ።

ፕሮፌሰር ጋቢሳ

ምንጪ ስእሊ, Purdue University Agricultural Communications

ፕሮፌሰር ጋቢሳ ኣብ 2009 ካብ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ሽልማት ጀግና ተቐቢሉ’ዩ።

ትካል ዓለምለኸ ልምዓት ኣመሪካ (ዩኤስኤኣይዲ) ዝርከብዎም ትካላት ኣመሪካን ዓለምኻውያንን ኣማኻሪ ሳይንስን ፖሊስን ኰይኑ ኣገልጊሉ’ዩ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ፡ ኣብ 2010 ልኡኽ ሳይንስ ኣፍሪቃን ከምኡ’ውን ኣብ 2011 ቦርድ ዓለምለኸ ልምዓት መግብን ሕርሻን ገይሩ ከም ዝሸሞ ይፍለጥ።

ኣብ 2013 ብዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ነበር ባንኪ ሙን፡ ቦርድ ኣማኻሪ ሳይንስ ኰይኑ ተመዚዙ።

ፕሮፌሰር ጋቢሳ ካብ ሮክፈለር ፋውንዴሽን፣ ውድብ መግቢን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራትን ካብ ካልኦት ትካላትን ኣፍልጦ ተዋሂብዎ’ዩ።

ኣብ ሓደ እዋን “ሓድሓደ ግዜ ዉዕዉዕ ተገዳስነት ሚስዮናዊ ዘለኒ’የ ዝመስል። ኣብ ሳይንስ ዝተመርኰሰ ምዕባለ ንክስጉም ዝከኣለኒ ኣብ ምፍታን ጥራይ’የ ኣተኲረ ጸኒሐ” ክብል ንሮይተርስ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ንኣማኢት ኣሽሓት ኣፍሪቃውያን ሓረስቶት ዘርኢ መሸላ ምዕዳልን ኣብ መሸላ ዝግበሮ ምርምርን ይቕጽል ኣሎ።

 ‘ሓድሓደ ግዜ ዉዕዉዕ ተገዳስነት ሚስዮናዊ ዘለኒ’የ ዝመስል’ - ፕሮፌሰር ጋቢሳ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ‘ሓደሓደ ግዜ ዉዕዉዕ ተገዳስነት ሚስዮናዊ ዘለኒ’የ ዝመስል’ - ፕሮፌሰር ጋቢሳ