ለንደን፡ ባርዕ ግረንፈል ውጽኢት 'ምትላል' ትካላትን ሰብመዝን ምዃኑ ተገሊጹ

ግረንፈል

ነቲ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ዘጋጠመን ህይወት ልዕሊ 70 ሰባት ዝቐዘፈን ባርዕ ሓዊ ህንጻ ግረንፈል ክምርምር ዝጸንሐ ጸብጻብ መደምደምታ ሂቡ።

እቲ ኣብ ምዕራብ ከተማ ለንደን ዘጋጠመ ባርዕ ብሰንኪ "ምትላል" ኩባንያት ብሕቲ፡ ተኸታተልቲ መንግስታትን ስትራተጂ ኣልቦ መጥፋእቲ ሓዊ ዝሰዓበ ምዃኑ እቲ ጸብጻም ይጠቅስ።

ንደጋዊ ክፋል እቲ ህንጻ ንምውቃብ ዝተጠቕምሉ 'ክላዲን' ዝተባህለ ባእታ ንሓዊ ተነቃፊ ምዃኑ እቲ ዘፍረዮ ትካል "ብፍላጥ ሓቢኡ" ክብል'ውን እቲ ሓያለ ዓመታት ዝወሰደ መርመራ ደምዲሙ።

ገለ ቤተሰብ ግዳያት፡ እቲ ጸብጻብ ኣዝማዶም ብሰንኪ ስስዐን ውዲታዊ ምድንጋርን ከም ዝሞቱ ክገልጹ ጀሚሮም ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ናብ ስልጣን ዝመጸ ቀዳማይ ሚኒስተር ኪር ስታርመር፡ እቲ ሓደጋ "ከጋጥም ኣይነበሮን" ብምባል ብስም መንግስቲ ይቕሬታ ሓቲቱ'ሎ።

ፖሊስን ኣኽበርቲ ሕጊን "ፍትሒ ከረጋግጹ ኣለዎም" ክብል'ውን ተሓታትነት ክህሉ ተማሕጺኑ።

"ሕጂን ንሓዋሩን ክንድግፈኩም ኢና፡ ብፍላይ እቶም ሽዑ ቆልዑ ዝነበርኩም" ክብል እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንቤተሰብ ግዳያትን ዝተፈናቐሉ ነበርትን ተመባጺዑ።

ኣብቲ ብ14 ሰነ 2017 ለይቲ ዝተወልዐ ሓያል ባርዕ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከብዎም 72 ሰባት ከም ዝሞቱ ይፍለጥ።

ዕንባባ

እቲ ሎሚ ብኣቦመንበር ኣጻራዪ ኮሚቴ ሰር ማርቲን ሙር-ቢክ ብወግዒ ዝተገልጸ ጸብጻብ ካልኣይ ክፋል ናይቲ ክግበር ዝጸንሐ መርመራ'ዩ።

እቲ ኣቦመንበር፡ ነቲ መግለጺ ድሕሪ ምሃቡ ኣስማት ኩሎም ግዳያት ብምንባብ'ዩ ደምዲምዎ።

እቶም ትካላትን ሰብመዚን "ንነበርቲ ከም ሰባት ኣይኮኑን ዝርእይዎም ነይሮም" ክብሉ'ውን ገለ ካብ ኣባላት እቲ ኮሚቴ ተዛሪቦም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ስታርመር፡ መንግስቲ ነቲ በቲ ኮሚተ ዝተዋህበ 58 ኣራሚ እማመታት ኣብ ግብሪ ከውዕል ምዃኑን ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ዝነበሮም ትካላት መንግስታዊ ኮንትራት ከይወሃቦም ክእገዱ ምዃኖምን ኣብቲ ንባይቶ ዝሃቦ መግለጺ ቃል ኣትዩ'ሎ።