'ክትልሀ ሓዲራ' ተባሂላ ዝተኸሰት ቀዳመይቲ ሚኒስተር፡ ናጻ ተባሂላ

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፊንላንድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፊንላንድ ሳና ማሪን፡ ዝሓለፈ ነሓሰ ኣብ ሓደ መደብ ምዝንጋዕ እናተላሃየት ዘርኢ ቪድዮ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ብጕድለት ስነምግባርን ምዝንጋዕ ሓላፍነትን ካብ ዝቐረበላ ክሲ ነጻ ከምዝተባህለት ይግለጽ ኣሎ።

እታ ጓል 36 ዓመት ቀዳመይቲ ሚኒስተር፡ ምስ መሓዙታን ካልኦት ፍሉጣት ሰባትን እናጨፈረት ዘርኢ ቪድዮ ሞሊቝ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ነብሳ ክትከላኸል እያ ጸኒሓ።

ሓያለ ሰባት፡ እቲ ተግባር እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር፡ “ክብሪን ድሕነትን ፊንላንድ” ዝሃሲ ተግባር እዩ ክብሉ ዝተሰምዖም ቅሬታ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

እንተዀነ ሚኒስተር ፍትሒ እታ ሃገር ቶማስ ፖይስቲ፡ እዚ ተግባር ሳና ማሪን ሸለልትነት ንሓላፍነታ ዘርኢ ኣይኰነን፡ [ንሳ] ሓላፍነታ ዕሽሽ ኣይበለቶን ክብል ይምጕት።

ፖይስቲ፡ “እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ምስ ሓላፍነታ ኣብ ዝተኣሳሰር ዘይሕጋዊ ተግባር ፈጺማ፡ ወይ ሓላፍነታ ዘንጊዓ ንዝብል ክሲ ዘራትዕ ዝዀነ ምኽንያት ከምዘየለ፡” ይገልጽ።

ገለ ሰባት ኣብቲ ቪድዮ፡ “ 'ናርኮቲክ’ ዝብል ድምጺ ይስማዕ እዩ፡” ዝብል ርእይቶ ድሕሪ ምቕራቦም፡ ንዝተፈጥረ ጥርጠራ ምርኵስ ብምግባር፡ እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር መርመራ ዕጸ-ፋርስ ኣካይዳ እያ፤ ዝተረኽበ ውጽኢት ግን፡ ካብ ተጠቃምነት ሓሽሽ ናጻ ምዃና ኣረጋጊጹ እዩ።

እቲ መደብ ትልሂት፡ ኣብ ሓደ ካንሸሎ መንበሪ ገዛ ውልቀሰብ ዝተቐድሐ ኰይኑ፡ ኣብቲ ምሸት እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ምስ መሓዙታ ናጻ ኰይና ክትልሀ ዘርኢ ምዃኑ ክርአ ጸኒሑ እዩ።

ነዚ ኣመልኪቱ ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቐረበላ ሕቶ ክትምልስ እንከላ እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር፡ “ኣነ’ውን ሰብ እየ፡ ኣብዚ ድብንብን ዝበለ እዋን ሓጐስ፡ ብርሃንን ምዝንጋዕን እደሊ እየ፡” ክትብል ‘ያ መሊሳ።

እዚ ክስተት ድማ፡ ሓያለ ደቀንስትዮ፡ ንቀዳመይቲ ሚኒስተር ሳና ማሪን ክድግፋ ገይሩወን እዩ።

ብዙሓት ፊንላንዳውያን ደቀንስትዮ፡ ብሓባር እናተላሃያ ዘርኢ ቪድዮታት ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያታት ክዝርግሓ ተራእየን እየን።

ህብብቲ ኣሜሪካዊት ፖለቲከኛ ሰልፊ ዲሞክራትስ፡ ኢላሪ ክሊንተን፡ እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ምሕጓሳ ክትቅጽል ከም ዝግባእ ተዛሪባ እያ፤ ማሪን ከኣ ብወግዒ ምስጋናኣ ገሊጻ ምንባራ ይዝከር።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሳና ማሪን፡ ብ21019 ኣብ 34 ዕድመኣ ስልጣን ዝጨበጠት መንእሰይ መራሒት መንግስቲ ምዃና ይፍለጥ።

ንሳ፡ ኣብ ጥዕና፡ ቁጠባን ማሕበራዊን ስርዓታት ፊንላንድ፡ ጽኑዕ መርገጺን ጸጋማዊ ኣረኣእያን ዘለዋ ምዃና እያ ትፍለጥ።

ሩስያ ንዩክረይን ድሕሪ ምውራራ፡ ነቲ ወራር ዝግባእ ግብረ መልሲ ንምሃብ ህዝባዊ ደገፍ ኣብ ዝሓየለሉ፡ እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር፡ ሃገራ ኣባል ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶ ንኽትከውን ሓቲታ እያ።

ሳን ማሪን፡ ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣብ ግብጺ ዝካየድ ኣህጉራዊ ዋዕላ ክሊማዊ ለውጢ ክትሳተፍ ትጽቢት ይግበር።

እታ ክትልሀ ዝሓደረት ቀዳመይቲ ሚኒስተር

ምንጪ ስእሊ, TWITTER

መግለጺ ስእሊ, እታ ክትልሀ ዝሓደረት ቀዳመይቲ ሚኒስተር፡ መዛኖይ ዝገብራኦ እየ ገይረ ብምባል እያ ነብሳ ክትከላኸል ጸኒሓ