ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ማዕጾ ዘተን ሰላምን ንምኽፋት 'ትብዓት የድሊ'

ርእሰ ሊቃነ-ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣቡነ ፍራንሲስን፡ እቲ ኣብ መንጐ ሩስያን ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንምቁራጽ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ክዛተያ ጸዊዖም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ርእሰ ሊቃነ-ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣቡነ ፍራንሲስን፡ እቲ ኣብ መንጐ ሩስያን ዩክረይንን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንምቍራጽ ክልቲአን ሃገራት ክዛተያ ጸዊዖም።

እቶም ጳጳስ ኣብቲ ልሙድ ዓመታዊ መልኽቶም፡ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ወገናት "ፍትሓውን ነባሪን ሰላም ንምርግጋጽ" ክዛተዩ ብምጽዋዕ "ማዕጾ ዘተ ምኽፋት ትብዓት የድሊ" ኢሎም።

እዚ ጻውዒት፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጸዓት ዩክረይን ዓቢይ መጥቃዕቲ ኣብ ዘካየደትሉን ተመሳሳሊ መዓልቲ ዝቐረበ እዩ፤ ዩክረይን ኣብዚ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 184 ሚሳይላትን ድሮናትን ከምዝተወንጨፋ ገሊጻ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ዩክረይን፡ ነቲ ኲናት ደው ንምባል ክትዛተን "ጻዕዳ ባንዴራ [ሰላም] ንምልዓል ክትተብዕን" በቶም ጳጳስ ንዝቐረበ ጻውዒት ብትሪ ከምዝነጸገቶ ኣይርሳዕን።

"ኣብታ ብኲናት ዝተሃስየት ዩክረይን ድምጺ ኣጽዋር ይህዳእ" ክብሉ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተኣከቡ ኣሽሓት ምእመናን መግለጺ ዝሃቡ እቶም ወዲ 88 ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ንኻልኦት ግጭታት ዓለም እውን ጠቒሶም እዮም።

"ንነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ንዅሎም ኣህዛብ ዓለም ልኡኻት ተስፋ ክዀኑ፡ ድምጺ ኣጽዋር ከዐግሱን ምፍልላይ ክብድሁን እዕድም" ኢሎም።

እቶም ጳጳስ፡ ነቲ ዝሓለፈ ዓመት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብምድጋም ኣብ ቓዛ ተዅሲ ደው ክብልን ብሓማስ ጅሆ ዝተታሕዙ ነጻ ክወጹን ጸዊዖም።

"እቲ ሰብኣዊ ኵነታት ኣዝዩ ከቢድ ኣብ ዝዀነሉ ኣብ እስራኤልን ፍልስጤምን ብፍላይ ድማ ኣብ ቓዛ፡ ብዛዕባ ማሕበረሰባት ክርስትያን እየ ዝሓስብ" ብምባል፡ ማዕጾታት ዘተን ሰላምን ክኽፈቱ ጸዊዖም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ክልተ ግዜ ንመጥቃዕቲ እስራኤል "ጭካነ" ክብሉ ብምግላጾም፡ ካብ እስራኤል ተሪር ግብረመልሲ ተዋሂብዎም ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ኣቡነ ፍራንሲስ በቶም ኣብ ሊባኖስን ሶርያን ዝርከቡ ማሕበረሰባት ክርስትያን ከምዝሻቐሉ እውን ገሊጾም። ኣብዚ ቀረባ እዋን ዕጡቓት ሶርያ ነቲ ንኣቦኡ ተኪኡ ን24 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ባሽር ኣልኣሳድ ኣልዮም ነታ ሃገር ከምዝተቘጻጸሩ ይፍለጥ።

ኣብ 2011 ኲናት ሓድሕድ እታ ሃገር ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ቍጽሪ ክርስትያን ሶርያ እናነከየ ከምዝመጸ ጸብጻባት ይሕብሩ።