ጳጳስ ፍራንሲስ ክርእዩ ትሽዓተ መዓልቲ ብእግሮም ዝተጓዓዙ ኣመንቲ

ምስቶም ኣመንቲ ጉጅለ ደገፍቲ ተጸንቢሮምዎም ናብ ጁባ ኣትዮም

"እግረይ ይቃጸል ኣሎ፡ ኣነ ግን ክንድኡ ዝኣክል ኣይደኸምኩን። መንፈስ ብርቱዕ እንተዀይኑ ኣይትደክምን ኢኻ" በለት ናይትሮዝ ፋሌያ ነቲ ዝተሰነጠቐን ዝነቐጸን ከንፈራ እናለሓሰት።

"ንዝኾነ ነገር ናብ ጁባ ምምጻእ ኣይምሰኣንኩን። በረኸት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክንረክብ ኢና ኣብዚ ዘለና። ብበረኸቶም ነዛ ሃገር ከም ዝቕየሩ እምነት ኣለኒ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

እዘን ደቂ ኣንስትዮ ብእምነትን ሓርበኝነትን ተደሪኸን እየን ካብ ሩምቤክ - ካብ ከተማ ጁባ ንሰሜናዊ ምዕራብ ኣስታት 300 ኪ.ሜ (190 ማይልስ) ዝርሕቕ- ተልዒለን መጺአን።

ዕላመአን፡ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምጽንባር ነታ ኣብ 2011 ዓ.ም. ናጽነታ ዝኣወጀት ግን ድማ ብጥሜትን ጎንጽን ትሕመስ ዘላ ደቡብ ሱዳን ጸሎት ንምግባር እዩ።

"ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንሓደ ክልተ ሰዓታት ብእግርና ንኸይድ ኔርና፡ ድሕሪኡ ኣብ ሰበኻታት ንሓድር ኔርና። ኣድካሚ እዩ ነይሩ ግን ዋጋ ኣለዎዎ" ትብል ፌይዝ ቢል።

ንመወዳእታ ሒደት ማይላት ምስ ተጉዓዙ፡ መዝሙራት፣ ናይ ሓጎስ ደርፍታትን ስዕስዒትን ኣብ ኣየር መሊኡ ነበረ።

እቲ ትርኢት ብዙሓት ተዓዘብቲ ስሒቡ። እቲ ሳዕስዒት እናሓየለ ምስ ከደ ካልኦት ድማ ተጸንበርዎም።

ካልኦት ርግጸኛታት ዘይኮኑ ድማ ነተን ጻዕዳ ክዳን ዝለበሳን፡ ምስሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ዘለዎ መሸፈኒ ርእሲ ድርብ ዘበላን ጉጅለ ደቂ ኣንስትዮ መሕለፊ ንምኽፋት ኣብ ውሑስ ርሕቀት ደው ኢሎም።

እቲ ኣቦራ ዝቛሓመ ክዳውንቶም፡ ዝደኸመ ኣእጋሮምን ዝተሰንጠቐ ከንፈሮምን፡ ነቲ ናይ ትሽዓተ መዓልታት ጉዕዞ ዘጋጠሞም መከራ ዝምስክር እኳ እንተነበረ፡ ነቲ ዝረኸብዎ ዓወቶም ንምጽንባል ይስዕስዑን ይዘሉን ነበሩ።

ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ቅድስቲ ተረዛ ጁባ መስተ ይጽበዮም ነበረ፣ ኣብኡ እውን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ድግስ ተገይሩሎም።

ሓንቲ፡ ንብዓት እናፈሰሰት ዝነበረት ኣማኒት፡ ነቲ ናይ ዓመታት ቃልሲ ኣብዛ ሃገር ዝገደፎ በሰላ ትዝክር።

"ሞትን ተስፋ ምቕባጽን ምስ ረኣኻ፡ ሽዑ በቲ ዘለካ ኩሉ ሓይሊ ሰላም ክትደሊ ኢኻ" በለት እታ ስማ ክትገልጽ ዘይደለየት ሰበይቲ።

"ይኣክል! ከሲርና ኣለና፡ ኣብ መንገዲ ግን ፍቕሪ ርእየ፡ ኩላትና ሓደ ቋንቋ ተዛረብና -ሰላም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ተመልሱ እውን ከምኡ ክንከውን ብሓቂ እጽሊ" ብምባል ኣስዒባ።

"ነቢይ እዩ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት መዓልታት፡ ኣብ መሬትና እንከሎ ዝጽልየሉ ኩሉ ክፍጸም'ዩ። ነገራት ዝተፈላለየ ክኸውን'ዩ። ሓደ ህዝቢ ክንከውን ኢና።"

ነቲ 300 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ናይ እግሪ ጉዕዞ ዝሕብር ባነር ሒዙ ነቶም ኣመንቲ እንትቕበል

እታ ቤተ ክርስቲያን ንብዙሓት ኣብ ደቡብ ሱዳን ከም ምልክት ተስፋ ትረአ። ብዙሓት ብሰንኪ ግጭታት ዝተመዛበሉ ዕቝባ ዝደልዩላ ቦታ እያ።

ኣብ ማሕበራዊ ሃለዋት ህዝቢ መሪሕ ተራ ብምሓዝ እውን ንመብዛሕትኡ ናይ ምንባር ተስፋ ኮይና እያ።

ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ንሰለስተ መዓልታት ኣብታ ሃገር ዝጸንሑ ኮይኖም ሰንበት ድማ ቅዳሴ ክኣትዉ እዮም።

ምስ ካልኦት ክልተ መራሕቲ ክርስትያን - ሊቀ ጳጳስ ካንተርበርይ ጃስቲን ዌልቢን ኣካያዲ ፕረስቢተርያን ቤተክርስትያን ስኮትላንድን ቀሺ ኢያን ግሪንሺልድስን እዮም ተጓዒዞም።

ኣብ 2019 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ፡ መሪር ፖለቲካዊ ተቐናቐንቲ ደቡብ ሱዳን ፕረዚደንት ሳልቫኪርን ምክትሎም ሪክ ማቻርን ኣብ ቫቲካን ደኒኖም እግሮም ስዒሞምዎም ነይሮም።

እዚ ንብዙሓት ዘሰንበደ ተግባር እዩ ነይሩ፡ ዋላ እኳ ነቲ ውግእ ብኡንብኡ እንተዘየብቅዖ።

እቲ ግጭት ሕጂ ዋላ እንተሃደአ፡ ብዙሓት ናይቲ ከባቢ ክርክርታት ብቐጻሊ ይሞቱ ኣለዉ - ኣብ ዋዜማ ምምጻእ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ልዕሊ 20 ሰባት ተቐቲሎም።

ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ደቡብ ሱዳናውያን፡ ዑደት እቶም ሰለስተ መራሕቲ ሃይማኖት ነዛ ኣብ ጸበባ ዘላ ሃገር ሓድሽ ምዕራፍ ክኸውን ተስፋ ይገብሩን ይጽልዩን ኣለዉ።