ኣይኤስ-ኬ መን እዩ? ስለምንታይ ከ ንሩስያ ዒላማ ገይሩ?

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣይኤስ-ኬ (IS-K) ኣሕጽሮተ ቃል 'እስላማዊ መንግስቲ-ኮራሳን' ኰይኑ፡ ምስቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ኢራን ከምኡ’ውን ፓኪስታን ዓሪዱ ዘሎ ብዓለም ደረጃ ከም ግብረሽበራዊ እስላማዊ መንግስቲ ዝፍለጥ ምትእስሳር ዘለዎ ጕጅለ እዩ።
እቲ ጕጅለ ንነብሱ ኮራሳን ዝብል ስም ሂብዋ ኣሎ፤ ምኽንያት፡ እዚ ስም እዚ ኣካል ናይተን ሃገራት ዝሽፍን ታሪኻዊ እስላማዊ ካሊፈይት ስለዝነበረ፡ ከምኡ’ውን ንሰሜን ገጹ ናብ ማእከላይ ኤስያ ስለዝበጽሕ እዩ።
ኣይኤስ-ኬ ካብ ዝምስረት 9 ዓመታት ዝገበረ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ግን ሓደገኛ ጨንፈር ጕጅለ እስላማዊ መንግስቲ ኰይኑ ተቐልቂሉን፡ ነዊሕ ዝርገሐ ዘለዎን ብዝለዓለ ጭካነን ሕሰምን ዝና ዘትረፈን ኰይኑ'ሎ።
ምስቶም ኣብ ሶርያን ዒራቕን ዘለው መሪሕነት ተጸንቢሩ ድማ፡ ኣዝዩ ጽኑዕ እስላማዊ ግዝኣት ሕጊ ንምምሰራት ዝምነ ጕጅለ እዩ።
ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ምስ ገዛእቲ እታ ሃገር ዝዀኑ ጣሊባን ብስነ-ሓሳብ ስለዝፈላለ፡ ሓሓሊፉ ሓደገኛ መጥቃዕቲ የካይድ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ቅድሚ ሕጂ ኣይኤስ-ኬ መጥቃዕቲ ኣካይዱ ድዩ?
ኣብ 2021 ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ነብሰ ቅትለታዊ ቦምባ ብምጽዋድ 170 ኣፍጋኒስታናውያንን 13 ኣባላት ሰራዊት ኣመሪካን ቀቲሉ።
ኣብ ዝቐጸለ ዓመት ኣብ ካቡል ዝርከብ ኤምባሲ ሩስያ ዒላማ ብምግባር፡ ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ክቐትል እንከሎ ካልኦት ብዙሓት ድማ ቆሲሎም።
እቲ ጕጅለ ኣብ ልዕሊ ሆስፒታላት፡ መደበራት ኣውቶቡሳትን ፖሊስን ብዘይ ንሕስያ መጥቃዕቲ ፈጺሙ’ዩ።
ኣብ ጥሪ ናይዚ ዓመት፡ ኣይኤስ-ኬ ኣብ ከርማን ኢራን ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ቦታ ድርብ ቦምባታት ብምፍጻም ኣስታት 100 ኢራናውያን ቀቲሉ።
ኣብ ሩስያ ብርክት ዝበሉ ንኣሽቱ መጥቃዕትታት ኣካይዱ እዩ። እቲ ናይ ቀረባ እዋን ድማ ኣብ 2020 እዩ ነይሩ። ድሮ ድማ ኣብዚ ዓመት እዚ ኤፍኤስቢ፡ ኣገልግሎት ውሽጣዊ ጸጥታ ሩስያ፡ ሓያሎ ግብረሽበራዊ ውዲታት ደው ከምዘበለ ይገልጽ።
እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ መን እዮም ነይሮም?
ብመሰረት መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሩስያ እቶም ዝተማረኹን ዝተኸሰሱን ኣርባዕተ ሰባት ኵሎም ካብታ ቅድሚ ሕጂ ኣካል ሕብረት ሶቭየት ዝነበረት ሪፓብሊክ ማእከላይ ኤስያ ታጃኪስታን ዝመጹ ታጂካውያን እዮም።
ሓደ ካብቶም ሰባት ኣብ መጀመርታ መጋቢት ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተኻየደሉ ቦታ ብምኻድ መጽናዕቲ ከምዘካየደ ዝገልጹ ስለያዊ ጸብጻባት ኣለው።
እዚ ድማ ኣብ ከባቢ እቲ ኣመሪካ ንሩስያ ኣብ ልዕሊ ህዝባዊ ቦታታት ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ክፍጸም ምዃኑ ኣብ ዘጠንቀቐትሉ እዋን እዩ ነይሩ። ሩስያ ግን ኣብቲ እዋን ነቲ መጠንቀቕታ "ፕሮፖጋንዳ" ብምባል ነጺጋቶ።
ካልእ ጸብጻብ፡ ብውሕዱ ክልተ ካብቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሩስያ ከምዝኣተዉን፡ እዚ ድማ ብኣይኤስ-ኬ ዝተላእኩ ‘’ቀተልቲ’’ ምዃኖምን ዘመልክት እምበር፡ ካብቶም ኣብ ሩስያ ዝነበሩ ዋህዮታት እቲ ጕጅለ ከምዘይኰኑ ይሕብር።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ስለምንታይ ንሩስያ ዒላማ ገይሮምዋ?
ብርክት ዝበሉ ምኽንያታት ኣለዉ።
ኣይኤስ-ኬ [IS-K] ንመብዛሕትኡ ክፋል ዓለም ከም ጸላእቶም ገይሮም እዮም ዝቘጽርዎ። ሩስያ ምስ ኣመሪካ፡ ኣውሮጳ፡ እስራኤል፡ ኣይሁድ፡ ክርስትያን፡ ሺዓ ኣስላም፡ ጣሊባንን ኵሎም ገዛእቲ ናይተን ዝበዝሑ ኣስላም ዝነብሩለን ሃገራትን፡ ከም "ከሓድቲ" ኢሎም ስለ ዝቘጽርዎም፡ ከም ጸላእቲ እዮም ዝቘጽርዎም።
ጽልኢ እስላማዊ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ካብቲ ኣብ 1990ታትን መጀመርታ 2000ታትን ዝነበረ ውግኣት ቸቺንያ እዩ ዝብገስ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ሩስያ ብወገን መሓዛኣ ፕረዚደንት በሻር ኣልኣሳድ ናብ ኲናት ሓድሕድ ሶርያ ኣትያ። ሓይሊ ኣየር ሩስያ ድማ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓትን ሲቪላውያንን ቦታታት ማእለያ ዘይብሉ ቦምባታት ብምድርባይ ብዙሓት ጕጅለ እስላማዊ መንግስቲን ኣልቓዒዳን ቀቲሉ።
ኣብ ኣፍጋኒስታን’ውን፡ ኣይኤስ-ኬ ንሩስያ ከም መሓዛ ጣሊባን ገይሮም ይርእይዋ፤ በዚ ምኽንያት ድማ እዮም ኣብ 2022 ኣብ ካቡል ዝርከብ ኤምባሲ ሩስያ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ።
ብተወሳኺ ኣብ 1979-89 ንሕብረት ሶቭየት ን10 ዓመታት ንኣፍጋኒስታን ብጭካነ ስለዝጐበጠታ ቂምታ ኣለዎም።
ሩስያ ብኣይኤስ-ኬ ኣዝያ ከም ክርስትያን ሃገር እያ ትረአ፤ ድሕሪ መጥቃዕቲ ሞስኮ ዝተለጠፈ ቪድዮኦም’ውን ብዛዕባ ምቕታል ክርስትያን ይዛረብ።
ታጂካውያንን ካልኦት ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ማእከላይ ኤስያን ሓደ ሓደ ግዜ ኤፍኤስቢ፡ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንምምካት ኣብ ዝጽዕረሉ እዋን፡ ብመጠኑ ምግፋዕን ጥርጣረን ይወርዶም እዩ።
ኣብ መወዳእታ፡ ሩስያ - ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ጐረቤታ ዩክረይን ኣብ ኲናት ተጸሚዳ ስለዘላ፡ ንኣይኤስ-ኬ ምቹእ ዒላማን ዕድልን ፈጢሩሎም ክበሃል ይከኣል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







