ኢሰማኮ፡ ብሰንኪ ዝቕጽሉ ዘለው ግጭታት 'ሸቃሎ ኣብ ቅልውላው ወዲቘም' ኢሉ

ዕጡቓት ኣምሓራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኢትዮጵያ ንመበል 49 ግዜ ዝኽበር መዓልቲ ሸቃሎ፡ ብምኽንያት “ጸገም ጸጥታ” ካብ ከተማታት ባህርዳርን ኮምቦልቻን ወጻኢ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት እታ ሃገር “ኣብ ኣዳራሽ” ክኽበር እዩ።

ኮንፈደሬሽን ማሕበራት ሰራሕተኛ ኢትዮጵያ (ኢሰማኮ)፡ መሰረታዊ ሕቶታት ከልዕለሉ’የ ኣብ ዝበሎ መዓልቲ ሸቃሎ፡ ጸገም ጸጥታ እታ ሃገርን ምኽባር ዋጋታትን ዝምልከቱ ሕቶታት ከም ዘልዕል ኣፍሊጡ።

እቲ በዓል “ንሰላምን ምኽባር ናብራን ፍታሕ ንደሊ” ብዝብል መሪሕ ቃል ከም ዝኽበር ኣማኻሪ ፕረዚደንት እቲ ኮንፈደሬሽን ኣቶ ዳዊ ኢብራሂም፡ “ሸቃሎ ኣብ ቅልውላው ወዲቘም’ዮም” ኢሉ።

ብፍላይ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ዝቕጽሉ ዘለው ግጭታት፡ ሰራሕተኛታት ተንቀሳቒሶም ክሰርሑ ከም ዘሰናኸሉዎምን ቅትለትን ጭውያን ይፍጸም ከም ዘሎን ተዛሪቡ።

“ኣብዘን ክልላት፡ ብሰፊሑ እቲ ሰራሕተኛ ሰሪሑ ክኣቱ፡ ሰሪሑ ብሰላም ናይ ምንባር መሰሉ ብዝኸፍአ ደረጃ ኣብ መጻብብ እዩ ኣትዩ ዘሎ” ብምባል ምግዳብ ምንቅስቓስ፡ ቅትለትን ጭውያን ሸቃሎ ኣልዒሉ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ኣብ ዘለውሎም ከተማታት ባህርዳር፡ ኮምፖልቻ፡ ደብረ ብርሃን፡ ቡሬ፡ ጎንደር ዝኣመሰላ ከባቢታት ዝርከቡ ሸቃሎ ኣብ ውሽጢ “ዘተሓሳስብ ጸገም” ከም ዝርከቡ ኣቶ ዳዊ ይገልጽ።

“ዝሞቱ ሰራሕተኛታት ኣለው፤ እቲ ግዳይ ምስኣን ሰላም ዝዀነ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ክፋል ሕብረተሰብ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ሰራሕተኛ ናይዚ ኣካል እዩ። ስለዚ ክዝረብ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ኣብ ጸገም ኣለው” ኢሉ።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ፡ ሙገር፡ መተሃራ፡ ወንጂ ዝበሉ ከተማታት ሰራሕተኛታት ከም ዝተቐትሉ ዝጠቅስ እቲ ኣማኻሪ፡ “እቲ ሸቃላይ ሰሪሑ ባኒ ክገዝእ ክኸይድ እንከሎ ኣብ መገዲ ይቕተል፡ ይዝመት ወይ ይጭወ። እቲ ነቶም ሰራሕተኛታት ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሕብረተሰብ፡ ወለዲ፡ ቈልዑ ልዑል ብድሆ’ዩ ዘስዕብ።”

ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት 2016[ግ]፡ ንሰሙናት ተዓጊቶም ዝጸንሑ ሰራሕተኛታት ፋብሪካ ሽኮር ወንጂ ተቐቲሎም ከም ዝተረኽቡ ዝዝከር እዩ።

ኢሰማኮ፡ ኣብታ ሃገር ዘለው ግጭታት ብሰላማዊ መገዲ ክፍትሑ ከም ዘለዎም ብምግላጽ፡ ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ ምኽባር ዋጋታት’ውን ትዂረት ክግበረሉ ሓቲቱ።

እቲ ዝቕባበ ዋጋ፡ “ህይወት ሚልዮናት የናውጽ’ዩ ዘሎ” ኣቶ ዳዊ፡ መንግስቲ ነዚ ምላሽ ክህበሉ ተማሕጺኑ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ እቲ ኮንፈደሬሽን ዝቕባበ ዋጋታት ክፈትሕ እዩ ዝበሎ ምንካይ ግብሪ እቶት ዝሓትት ሰላማዊ ሰልፊ ንምግባር ዝሓሰቦ መደብ መንግስቲ ከም ዝሰረዞ ይዝከር።

ድሕሪ ኣዋርሕ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስትን ክዛተ ክኢሉ ነይሩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር፡ ደረት ትሑት ደሞዝ ክውሰንን ግብሪ እቶት ክንኪ ኣለዎ ዝብሉን ክልተ ሕቶታት መልሲ ንምሃብ “ኣንፈት” ከም ዝሃበ’ኳ እንተተገልጸ፡ ክሳብ ሕጂ መልሲ ከም ዘይተረኽበ’ዩ ኣቶ ዳዊ ዝዛረብ።

“ . . . ናብራ እቲ ሰራሕተኛ ዝሃሲ ዘሎ ኣከፋፍላ ግብሪ ክመሓየሽ ንደሊ ኢና፤ ንኣብነት እቲ 35 ሚእታዊት ናብ 30፡ 28 ወይ 25 ሚእታዊት ክጐድል ከም ዝኽእል መረዳእታ ቀሪቡ ክዝተየሉ ይግባእ” ኢሉ።

እዚ ክኸውን እንከሎ ግን፡ ኣብ ልዕሊ ባጀት መንግስትን ትካላትን ነውጺ ከየስዕብ ጥንቃቐ ክግበር ከም ዘለዎ ገሊጹ።