ካብ ክልተ ሓደጋታት ጃልባ ብተኣምር ዝተረፈ ስደተኛ እንታይ ይብል?

ሓለዋ ባሕሪ ኣሜሪካ ኣብ መጻብቦ ፍሎሪዳ ንዝርከብ ስደተኛ ከድሕን እንከሎ

ምንጪ ስእሊ, US COAST GUARD

16 ሕዳር 2022 ሰዓት 03፡00 ካብ ሃቫና ናብ ኣመሪካ ዝወስድ መንገዲ ሒዞም ጕዕዞኦም ኣብ ዝጀመረሉ ብዘስሕቕ ዛንታታት እናተዋዘዩ ወጋሕታ ካብ ገማግም ባሕሪ ኩባ 30 ማይልስ ርሒቘም ተጓዒዞም።

እታ ሸሞንተ እትሕዝ ጃልባ ገፈፍቲ ዓሳ፡ ልዕሊ ዓቐን ጽዕነት ነይርዋ፡ 20 ሰባት ኣሳፊራ ነይ።

ካብዚኦም ኣርባዕተ ትሕቲ ሸውዓተ ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናትን ክልተ መንእሰያትን እዮም።

ልዕሊ ዓቐን ክብደት እኳ እንተተጸዓነት፡ እታ ጃልባ ግን ትንህር ነይራ። ንፋስ እናተላዕለ ምስ ከደ ግን ማይ ክኣትዋ ጀሚሩ።

"ናይ ካልኢታት ጉዳይ'ዩ ነይሩ። ኣብ ምጥዋይ ዝተፈጠረ ጌጋ፡ ካብ ቅድሚት ዝመጽእ ማዕበል፡ ኣብ ልዕሊ ቀስቲ እታ ጃልባ ወቒዑ፡ ብቕጽበት ኣጥሒልዋ" ይብል ሓደ ካብቶም ክልተ ጥራይ ዝደሓኑ ኣሌክሳንደር።

"ብናይ ሚሳይል ፍጥነት ጥሒላ። ንዝኾነ ነገር ግዜ ኣይነበረን።"

ኣሌክሳንደር ኣብ ድሕሪት እታ ጀልባ ኮፍ ኢሉ ስለ ዝነበረ፡ ቅድሚ ምጥሓላ ዘሊሉ ክወርድ ክኢሉ።

እታ ጃልባ ኣብ ጸልማት ውቅያኖስ ተኸዊላ ክትጠፍእ ረኣየ። ማያት መጻብቦ ፍሎሪዳ ልዕሊ ሓደ ማይል ዕምቈት ኣለዎም።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቶም ዓበይቲ ሰባት ናብ ላዕሊ ኣንሳፊፎም፡ እቶም ኣብ ቅድሚት እታ ጃልባ ተሳፊሮም ዝነበሩ ንኣሽቱ ቈልዑ ግን ፈጺሞም ኣይተራእዩን።

ኣዴታቶም ግን የአውያ ነይረን።

ንሓጺር እዋን ሓደ ሰብኣይ፡ ንሓደ ቆልዓ ኣብ መንኵቡ ኣቐሚጥዎ ነበረ።

"ግን ኣብ ልዕለኻ ሰብ ሓዚልካ ኣብ ውሽጢ ማይ ብዙሕ ክትጸንሕ ኣይከኣልን'ዩ" ክብል ኣሌክሳንደር ይዝክር።

ኣሌክሳንደር ኮምፓስ [ቦሶላ] ስለ ዝነበሮ ነቶም ዓበይቲ - ኵሎም ኣብ ባሕሪ ካሪብያን ዝንሳፈፉ ዝነበሩ፡ ናብ ኣንፈት መሬት ክሕንብሱ ከተባብዖም ፈተነ።

እቶም ደቆም ዝሰኣኑ ግን ካብቲ እታ ጃልባ ዝጠሓለትሉ ቦታ ክርሕቑ ኣይደለዩን። ኣብ መወዳእታ እቲ ጕጅለ ፋሕ ጭንግራሕ ኢሉ።

ለይቲ ምስ ኰነ፡ ኣሌክሳንደር ነቶም ዝተረፉ'ውን ስኢንዎም። ምሕንባስ ኣብ ክንዲ ዝቕጽል፡ እቲ ማዕበል ባዕሉ ክስከሞ ወሰነ፡ እዚ ድማ ብመርከብ ናይ ምርካብ ዝሓሸ ዕድል ክህቦ ተስፋ ብምግባር እዩ።

ተስፋ ዝገብረላ መርከብ እውን ከምኡ ነቲ ማዕበል ውሑጅ እትኽተል ክትከውን ትኽእል እያ።

ንኽልተ መዓልትን ክልተ ለይትን ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብካልእ ጃልባ ተሰቒሎም ዝመጽኡ ኩባውያን ስደተኛታት ኣድሒኖምዎ።

ሕማቕ ዕድል ኰይኑ፡ እዛ ካልአይቲ ልዕሊ ዓቐን ዝተሰከመት ጃልባ እውን ድሕሪ ሰዓታት ጥራይ እያ ጥሒላ።

ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ኣሌክሳንደር ኣብ ውሽጢ ማይ ንኽጸንሕ ንኽሕግዞ፡ መንሳፈፊ ፕላስቲክ ክዳን ሒዙ ኣሎ።

"እቲ ማዕበል [ከም] ኣኽራን ልዑል እዩ ነይሩ" ክብል ይዝክር።

ለይቲ ግን ዓጀውጀው ክብል ጀሚሩ ነይሩ። ኣብ ሓንቲ ደሴት ከም ዝበጽሐ ብምሕሳብ፡ ነቲ ፕላስቲክ ደርብዩ፡ ዳርጋ ጥሒሉ ነይሩ።

ንጽባሒቱ ንግሆ ከባቢ ሰዓት 10፡00 ሓንቲ ንግዳዊት መርከብ ረኺባ፡ ናብ ሓለዋ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ዝደወለትሉ፡ ናይ ምድሓን ተስፋ ኣይነበሮን። ውንኡ ስሒቱ ነይሩ።

ንሱን ካልኦት ሸሞንተ ካብታ ካልአይቲ ዝጠሓለት ጃልባ ዝደሓኑን ብህይወት ካብ ባሕሪ ከም ዓሳ ተገፊፎም።

ወዲ ሰላሳታት ዕድመ ዝዀነ ኣሌክሳንደር ኣዝዩ ስለ ዝደኸመ ንመዓልታት ብእግሩ ክኸይድን ክበልዕን ኣይከኣለን።

ሞት ዝመልኣ ዓመት

ኣሌክሳንደር ኣብ እዋን ፈተነ ስደት ክልተ ግዜ ንሕንጢጣ [ንስክላ] ካብ ሞት ኣምሊጡ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ እንተኾነ ግን ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት (IOM) ዝኣከቦ መረዳእታ፡ ብዙሓት ካልኦት ክንድዚ ዕድለኛታት ከምዘይኮኑ ይሕብር።

ብመሰረት እቲ መረዳእታ፡ ዝሓለፈ ዓመት ብዓለም ደረጃ ካልኣይ ዝለዓለ ቍጽሪ ሞት ስደተኛታት ዝተመዝገበላ እያ።

ኣብ 2014 ምዝገባ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ እዚ ኣብ ባሕርታት ኣመሪካ ዝለዓለ ቍጽሪ ሞት ስደተኛታት እዩ።

ኣብ 2022 ኣብቲ ዞባ ብውሕዱ 1400 ሰባት ስደተኛታት ሞይቶም ኣለዉ።

እቲ ትካል፡ እዞም ኣሃዛት "ትሑት ግምት" ጥራይ ከም ዝውክሉ፡ እቲ ሓቀኛ ቍጽሪ ሞት ድማ ካብኡ ዝለዓለ ክኸውን ከም ዝኽእል የዘኻኽር።

ኣብ 2022 ምጥሓል፡ ቀንዲ ጠንቂ ሞት ስደተኛታት እዩ ነይሩ።

ኣብ ዓዶም ዘሎ ዘይተረጋግአ ኩነታት፡ ሰባት ነቲ ምስ ስደት ዝተኣሳሰር ሓደጋታት ክደፍሩ ይገብሮም።

"ፖለቲካን ግጭትን መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ቁጠባዊ ውሳነኦም ይተሓሓዝ" ይብል ፕረዚደንት ትካል ፖሊሲ ስደት፡ ኣንድሪው ሰሊ።

ኣብ 2022 ኣብ ኣሜሪካ ኣብ መስመራት ስደት ዝሞቱ መብዛሕትኦም ኩባውያን ክኾኑ እንከለዉ፡ ሜክሲካውያንን ቬንዙዌላውያንን ይስዕብዎም።

ብደረጃ ዓለም ኣፍጋኒስታን፣ ኣልጀርያን ሚያንማርን ቀንዲ መበቆል ሃገራት ናይቶም ዝሞቱ ስደተኛታት እየን።

እንተዀነ፡ ዳርጋ ፍርቂ ካብ'ቶም ግዳያት ዜግነቶም ኣይተፈልጠን።

ብደረጃ ዓለም ዝኾነ ለውጢ የለን

ካብ ምጅማር እዚ ዓመት 2023፡ ክሳብ 14 ሰነ ልዕሊ 2 ሽሕ ስደተኛታት ሞይቶም ኣለዉ።

"ኣብ ዓለም ዘይምዕሩይነት ክሳብ ዘሎ ሰባት ክስደዱ እዮም" ትብል ኣብ ኣይኦኤም ሓላፊት ፕሮጀክት ጁልያ ብላክ።

ዝበዝሑ ካብቶም ስደተኛታት ናብተን ዝዓበየ ምርግጋእን ቁጠባዊ ዕድልን ኣለወን ኢሎም ዝኣምኑለን ሃገራት እዮም ዝኸዱ።

እቲ ጉዕዞ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ሓደጋ ዝመልኦ እዩ።

"ኣብዚ ዓመት፡ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝያዳ ሞት ንስንድ ኣለና፡ እዚ ድማ ልዕሊ ኣብ 2016 ዘጋጠመ እዩ። ኣብ ክንድዚ ብዝሒ ሞት ዝኾነ ስጉምቲ እንተዘይተወሲዱ፡ እንታይ ስጉምቲ ከም ዝድርኽ ኣይፈልጥን" ትብል ሚስ ብላክ።

ኣንድሪው ሰሊ፡ "ዕዙዝ ውህደት ሕጋዊ መስመራት፡ ናብቲ ሰባት ዝነብሩሉ ቦታ ዝቐረበ ጻዕርታት ሰብኣዊ ሓለዋ ምግባር፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዶባት ሕጋዊ ስጉምትታት ምትግባር" ከምዘድሊ ይዛረብ።

"ሕጋዊ መንገዲታት እንተዘይፈጢርካ፡ ዶብ ብፖሊስ ምሕላው ኣዝዩ ከቢድ እዩ፡ ዘይስሩዕ ጉዕዞታት ድማ ኣዝዩ ሓደገኛ ይኸውን። እዚ ድማ ኣብ መላእ ዓለም እንርእዮ ዘለና ሓቂ'ዩ”።

ከም በዓል ኣሌክሳንደር፡ ኣብ ኩባ "ዋላ ሓንቲ ነገር የለን” ዝብሉ ስደተኛታት፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ ባሕሪ ን60 ሰዓታት ዘሕለፎ ጸበባ'ውን እንተኾነ፡ እቲ ንኽስደድ ዝደፍኦ ኩነታት፡ ካብቲ ዝበጽሖ ሓደጋታት ይዛይድ።