ጀርመን፡ ዝኽሪ ክልተ ግዳያት ዘስካሕክሕ ቅትለት ዝዀኑ ኤርትራውያን

ዮሴፍ

ምንጪ ስእሊ, Police NRW

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ጀርመን ዝተፈጸመ ክልተ ቅትለታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ንብዙሓት ዘሰንበደ ዘሕዝን ፍጻመ ኰይኑ ይርከብ።

እታ ሓንቲ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝተቐትለት ኣደ ክትከውን እንከላ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ ወዲ 14 ኮተቴ ህይወቱ ሓሊፉ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ክልተ ዝተፈላለየ ናይ ዝኽሪ ስነስርዓት እቶም ግዳያት ተኻይዶም ነይሮም።

ምስጢራት ናይቲ ገበናት ዛጊት'ኳ ብንጹር እንተዘይተረጋገጸ፡ መርመርቲ ብዛዕባ'ቲ ቅትለታት ዝበጽሕዎ ደረጃ ክገልጹ ጀሚሮም ከም ዘለዉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ይሕብሩ ኣለዉ።

መጠንቀቕታ፡ እዚ ዛንታ ዘሕዝን ሓበሬታ ዘለዎ'ዩ!

ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ሓንቲ ጓል 32 ዓመት ኤርትራዊት ነባሪት ከተማ ቦን ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ተቐቲላ ተረኺባ።

ኣካላት እታ ግዳይ ተቘራሪጹ ኣብ ዝተፈላለየ እዋንን ቦታታትን'ዩ ብሓለፍቲ መንገዲን ነበርቲን ተረኺቡ።

ፈለማ ኣብ ሕዳር ዝተቖርጸ ኣእዳዋ ብሓለፍቲ መንገዲ ከምዝተረኽበ'ዩ መርመራ ተጀሚሩ።

ኣብ መጀመርታ መዓልታት ታሕሳስ ከኣ ርእሲ ዘይብሉ ሬሳ ኣብ ሓደ ኣግራብ ዝበዝሖ ከባቢ ራይንላንድ-ፓላቲና ተረኺቡ። ብዝተገብረ መርመራ ክልቲኡ ኣካላት ናይታ ኤርትራዊት ምዃኑ ተረጋጊጹ።

ዛጊት ግን ርእሲ ናይታ ግዳይ ከምዘይተረኸበ'ዮም ማዕከናት ዜና ዝሕብሩ ዘለዉ።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት ብዙሓት ኤርትራውያንን ጀርመናውያንን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ናይ ስንብታ ስነስርዓት ዝኽሪ ከም ዝተኻየደላ ዳብሊው-ዲ-ኣር ዝተባህለ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ዘውጽኦ ጸብጻብ የመልክት።

ናይ ሰለስተ ወርሒ ዕሸል ውላድ እታ ግዳይ ኣብ ፊት ሓደ ደብሪ ኦርቶክሳዊት ቤተክርስትያን ኮፕቲክ ከም ዝጸንሐ ይዝከር።

ብቕትለት ናይታ ኣደ ዝጥርጠር መጻምድታ ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ ናብ ጀርመን ንምስግጋሩ ጻዕርታት ይግበር ከምዘሎ ንኣኽበርቲ ሕጊ ብምጥቃስ እቲ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

እቲ ወዲ 41 ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ ተታሒዙ ከምዘሎ'ዩ ዝእመን።

"ምስቶም ናይ ወጻኢ ሰብመዚ ንራኸብ ኣለና፡ ብዝቐልጠፈ ንምስግጋሩ ድማ ንሰርሕ ኣለና . . መዓስ ክፍጸም'ዩ ግን ንጹር ኣይኰነን፡" ክብል ማርቲን ክሪቢሽ ዝተባህለ ኣኽባር ሕጊ ከም ዝተዛረበ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

ሞት ናይታ ኤርትራዊት ኣደ ዕሸል ንኤርትራውያንን ጀርመናውያንን ዓቢ ስንባደ ዝፈጠረን ኣብታ ሃገርን ወጻኢን ብዙሕ ሸፈነ ማዕከናት ዜና ዝረኸበ ዘሕዝን ፍጻመ ኰይኑ ይርከብ።

ምስጢሩ ዘይተፈልጠ ካልእ ሞት ወዲ 14 ዓመት

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ሞት ሓደ ኤርትራዊ መንእሰይ'ውን ንጀርመናዊት ከተማ ዶርማኸን ኣሰንቢዱዋ ይርከብ።

ብተመሳሳሊ ኣገባብ ሬሳ ናይቲ ወዲ 14 ዓመት እውን ኣብ ከባቢ ሓደ ቀላይ እዩ ተረኺቡ።

ኣብ ኣካላቱ ምልክታት ማህረምቲ ከም ዝጸንሖ ዝጠቐሱ ፖሊስ፡ ብጭካነ ተቐቲሉ ክኸውን ከምዝኽእል ብምእማን መርመራ የካይዱ ከም ዘለዉ'ዮም ዝገልጹ ዘለዉ።

ብዛዕባ'ቲ ቅትለት ሓበሬታ ንዝሃቡ 10,000 ዩሮ ጉንዖ ክህቡ ምዃኖም'ውን ቃል ኣትዮም ኣለዉ።

ኣኽበርቲ ሕጊ ከም ዝብልዎ፡ እቲ 'ዮሴፍ' ዝተባህለ ኮተቴ፡ ዝዀነ ገበናዊ ድሕረ ባይታ ከም ዘይነበሮን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ስፖርት ክለባት ዝሳተፍ ዝነበረን'ዩ።

ነቲ ኣብ ንኡስ ዕድመኡ ዝተወስደ ዮሴፍ ንምዝካር ከንቲባ እታ ከተማ ዝርከቦም ነበርቲ ናይ ዝኽሪ ጕዕዞ ኣካይዶም ነይሮም።

ምስቲ ዮሴፍ ዝመሃረሉ ዝነበረ ቤት ትምህርቲን ዝሳተፈሎም ዝነበረ ስፖርታዊ ክለባትን ብምትሕብባር እቲ ናይ ዝኽሪ መደብ ከም ዝተኻየደ'ዩ ከንቲባ ኤሪክ ሌረንፈልድ ዘረድእ።

"ዮሴፍ፡ ጥዑም ወዲ" ከምዝነበረ ካብ ዝተፈላለዩ ዝፈልጥዎ ሰባት ክርዳእ ከምዝኽኣለ ድማ ሌረንፈልድ ይዛረብ።

"ንከተማና ክሳብ ክንደይን ከቢድ ቁስሊ ምዃኑ እፈልጥ እየ" ብምባል'ውን ሓዘኑ ገሊጹ።

ጻዕዳን ጸሊምን ሕብሪዝተወልዐ ሽምዓ መግለጺ ሓዘን ከተማ ዶርማኸን

ምንጪ ስእሊ, Dormagen city

መግለጺ ስእሊ, ጻዕዳን ጸሊምን ሕብሪ ዝተወልዐ ሽምዓ መግለጺ ሓዘን ከተማ ዶርማኸን
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ብዙሓት ዝተሳተፍዎ ጕዕዞ ካብቲ ሬሳኡ ዝተረኽበሉ ከባቢ ቀላይ ኣትሒዙ ክሳብ መንበሪ ገዛኡ 3.2 ኪሜ ዝሸፈነ'ዩ ነይሩ።

"ክርድኣኒ ኣይክእልን'ዩ፣ ጨካን ኰይኑ'የ ረኺበዮ። ስለምንታይ ዝኾነ ሰብ ኣብ ልዕሊ ወዲ 14 ዓመት ቈልዓ ከምዚ ይፍጽም፡" ክትብል ሓንቲ ብርሑቕ ትፈልጦ ሰብ ነቲ ማዕከን ዜና ስምዒታ ኣካፊላ።

ኣብ ትምህርቲ ዝፈልጦ ኣሲል ዝተባህለ መንእሰይ ብወገኑ "ጥዑም፡ ተዋዛዪ፡ ስፖርተኛን ደጋፊ ሰብን" ከም ዝነበረ ብምግላጽ፡ "ካብቶም ብዙሓት መሓዙት ዝነበርዎም እዩ፡" ይብል።

ወላዲቱ፡ ቀተልቱ ተታሒዞም ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ ዘለዋ ጽኑዕ እምነት ከም ዝገለጸት'ውን ከንቲባ እታ ከተማ ኣረዲኡ።

ዮሴፍ ኣብ 2018 ምስ ስድራቤቱ ናብ ጀርመን ድሕሪ ምእታዉ፡ ምስ ወላዲቱን ምንኣስ ሓፍቱን ኣብ ከተማ ዶርማኸን ኣብ ዝርከብ ግዝያዊ መጽለሊ ስደተኛታት ክነብር ጸኒሑ።

ኣብ ከም ናይ ኩዕሶ እግሪ ዝበላ ዝተፈላለያ ስፖርታዊ ክለባት ኣባል ዝነበረ እቲ መንእሰይ፡ ኣብ ቤት ትምህርቱ'ውን ወኪል ክፍሉ ምንባሩ ይግለጽ።

"ዘንጸባርቕ ፍሽኽታኡን ዝነበሮ ፍሉይ መንፈስ ጋንታን ክቡር ኣባል ክለብና ክኸውን ኣብቂዕዎ'ዩ፡" ዝበለ መግለጺ ክለብ ደልሆቨን ኤፍሲ፡ ብሞቱ ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ'ሎ።

ስፒግል ዝተባህለ ፍሉጥ ጀርመናዊ ማዕከን ዜና ብወገኑ፡ እቲ ዓርቢ ዝተኻየደ ስነስርዓት ዝኽሪ ኣስታት 3000 ሰባት ከምዝተሳተፍዎ ሓቢሩ።

"ዘይጽወር" ጓሂኣ ንማዕከናት ዜና ዝገለጸት ወላዲቱ፡ መርመርቲ ቀተልቱ ክረኽቡላ ከም እትደሊ'ውን ተማሕጺና።

ንወላዲቱ ከም ዝተዛረበ ዝገልጽ ማዕከን ዜና ቢልድ'ውን፡ ብረቡዕ 28 ጥሪ ናብ ናይ ተዅሲ ክለብ ምስ ከደ ከም ዘይተመልሰ የመልክት።

"ትማሊ ለይቲ፡ ዩኒፎርሙ ክዕቅን ናብ ክለብ ተዅሲ ክኸይድ ከም ዝነበሮ ነጊሩኒ። ድሕሪ ገለ ሰዓታት ስለ ዘይተመልሰ፡ ክሻቐል ስለ ዝጀመርኩ፡ ክረኽቦ ፈቲነ፡ ግና ኣይክኣልኩን፡" ክትብል እታ ኣደ ንቢልድ ተዛሪባ።

ስግኣታ ዝበረኸ እታ ብስም ተጠቒሳ ዘላ ወላዲት፡ ናብቲ ክለብ ብምድዋል ድሃይ ክትሓትት ምስ ፈተነት፡ ሓላፊ ናይቲ ቦታ፡ ዝዀነ መደብ ከም ዘይነበሮም'ዩ ሓቢሩዋ።