መረጻ 2021፡ ብርጭቕ ምልክት ተቓውሞ ዛምቢያ ዝኾነሉ ምኽንያት

ሃባብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኬንያ ኣራንሺ / ብርቱኳን ምልክት ብፖለቲከኛ ራይላ ኦዲንጋ ዝምራሕ ተቃዋሚ ሰልፊ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ኦሬንጅ ኮይኑ ብሓበን እዩ ዝቐርብ።

ሕጂ ከኣ ሃባብ ኣብ ፖለቲካ ዛምቢያ ዓብዪ ቦታ ይሕዝ ኣሎ።

እታ ሃገር 12 ነሓሰ 2021 ሃገራዊ መረጻ ክተካይድ ምድላው ትገብረሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ተቓወምቲ ጉጅለታት ነዚ ፍረ ሻማ ሻማ ዝብሉዎን ውክልንኦም ዝገልጽሉን ኮይኑ ኣሎ።

ስለ ንምንታይ? ኢልኩም ትሓቱ ትኾኑ።

እምበኣር እቲ ቀንዲ ምኽንያት ተቓወምቲ ውድባት እታ ሃገር ምስ ሕብሪ ዝተኣሳሰር ውክልና ስለ ዘለወን'ዩ።

ኣብዚ እዋን መንግስቲ እታ ሃገር ዘሎ ገዛኢ ሰልፊ ግንባር ሓርበኛታት [ፒኤፍ] ዝጥቀመሉ ሕብሪ ሓምለዋይ ኮይኑ፡ እቲ ዝዓበየ ተቓዋሚ ሰልፊ እታ ሃገር ዝኾነ ሕብረት ሰልፊ ንሃገራዊ ልምዓት [ዩፒኤንዲ] ከኣ ቀይሕ ሕብሪ ይጥቀም።

መማልኢ መረጻ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ተነሓናሕቲ ውድባት ናዕቢ ተላዒሉ ይፈልጥ'ዩ።

ካብዚ ብዝብገስ እቲ ተቓዋሚ ሰልፊ፡ ኣባላተይ ብሰንኪ እቲ ዝመረጽናዮ ሕብሪ ኣብ ዓይኒ ኣትዮም ግዳያት ይኾኑ ኣለው'ዮም ብምባል ኣባላቱ ካብ መጥቃዕቲ እቲ ገዛኢ ሰልፊ ንምድሓን ሓምለዋይ ሕብሪ ክጥቀሙ እሞ እቲ ትኽክለኛ መንነቶም ክሓብኡ የተባብዖም ኣሎ።

ብሓጺሩ ዝባንኩም ሰልፊ ግንባር ሓርበኛታት [ፒኤፍ] ዝጥቀመሉ ሓምላይ ሕብሪ ተኸዲንኩም ውሽጥኹም ግን ከም ብርጭቕ ቀይሕ ኩኑ ይብል።

ኣብ 2011 ሰልፊ ፒኤፍ'ውን ተመሳሳሊ ሜላ ተጠቒሙ ነይሩ።

ደገፍቱ ካብቲ ናይቲ ሽዑ እዋን ገዛኢ ሰልፊ ዝነበረ ምንቅስቓስ ንሕብረ ሰልፋዊ ዴሞክራሲ ገንዘብ ንክእክቡ ንዕኡ ክመስሉ፤ ግን ድማ ድምጾም ንፒኤፍ ክህቡ ይገብር ነይሩ።