ሰሜን ኮርያ፡ ኣመሪካ ገጢምዋ ዘይፈልጥ ታሪኻዊ ማህሰይቲ ከጋጥማ ከምዝኽእል ገሊጻ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም፡ ሰሜን ኮርያ ከተካይዶ ብዝቐነየት ተደጋጋሚ ፈተነ ሚሳይላት ኣብ ልዕሊኣ ሓዲሽ ማዕቐብ ኣንቢሩ ኣሎ።
እቲ ማዕቀብ ፡ ሰሜን ኮርያ ካብ ቻይና እተእትዎ ዝነበረት መጠን ነዳዲ ክንክን ንወጻኢ እትሰዶ ዝነበረት ኣጭርቕትን ንምንቅስቓስ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ቪዛ ዝእግድን'ዩ።
ወኪል ሰሜን ኮርያ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሃን ተይ ሶንግ ''ኣመሪካ ኣብ ክንዲ ቅኑዕ ፍታሕ ምንዳይ ምስ ሰሜን ኮርያ ናብ ፖለቲካውን ማሕበረ-ቁጠባውን ወጥርታት ትኣቱ ኣላ'' ብምባል ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሃገሮም እትኽተሎ ዘላ መንገዲ ወቒሶም።
ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብወገኖም እቲ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮሪያ ተነቢሩ ዘሎ ማዕቀብ ብመንጽር ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊኣ ክትወስዶ እትኽእል ስጉምቲ እቲ ዝነኣሰ'ዩ ብምባል ሃገሮም ንኻልእ ተወሳኺ ስጉምቲ ትዳሎ ከምዘላ ኣፍሊጦም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣመሪካ ኣብ ታሪኻ ገጢምዋ ዘይፈልጥ ከቢድ ማህሰይቲ ክገጥማ ከምዝኽእል ዝተሓነዩ ኣምባሰደር ሰሜን ኮርያ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሃን ተይ ሶንግ ነቲ ውሳነ ርተዕዓውነት ዝጎደሎን ዘይቅብሉን'ዩ ብምባል ነጺጎሞ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮሪያ ተነቢሩ ዘሎ ማዕቀብ ፈለማ ብኣመሪካ ዝቐረበ ከቢድ እንተይኮነስ ደሓር ብእኒ ሩስያን ቻይናን ዝኣመሰላ ፈተውቲ ሰሜን ኮርያ ምምሕያሽ ምስተገበረሉ እዩ ጸዲቑ።
እምበር እቲ ፈለማ ኣሜሪካ ዘቕረበቶ ማዕቐብ ሰሜን ኮርያ፡ ሙሉእ ብሙሉእ ነዳዲ ከይተእቱን፡ ፕሬዚደንት እታ ሃገር ናብ ካሊእ ሃገር ንከይንቀሳቕስን ቪዛ ምኽልካል ዝሓወሰን'ዩ ነይሩ።
ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም፡ ኒኪ ሃለይ፡ ኣብ ዘስምዐኦ መደረ፡ ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ተወሳኺ ማዕቀብ እምበር ኲናት ከም ኣማራጺ ከምዘይትርእዮ ገሊጸን ኣለዋ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







