Unit 1: How do I...
Select a unit
- 1How do I...
- 2Unit 2
- 3Unit 3
- 4Unit 4
- 5Unit 5
- 6Unit 6
- 7Unit 7
- 8Unit 8
- 9Unit 9
- 10Unit 10
- 11Unit 11
- 12Unit 12
- 13Unit 13
- 14Unit 14
- 15Unit 15
- 16Unit 16
- 17Unit 17
- 18Unit 18
- 19Unit 19
- 20Unit 20
- 21Unit 21
- 22Unit 22
- 23Unit 23
- 24Unit 24
- 25Unit 25
- 26Unit 26
- 27Unit 27
- 28Unit 28
- 29Unit 29
- 30Unit 30
- 31Unit 31
- 32Unit 32
- 33Unit 33
- 34Unit 34
- 35Unit 35
- 36Unit 36
- 37Unit 37
- 38Unit 38
- 39Unit 39
- 40Unit 40
Session 2
Listen to find out how to ask for information in English.
ከመይ ጌይርና ብእንግሊዝ ሓበሬታ ከም እንሓትት ንምፍላጥ ጽን ኢልና ንስማዕ።
Activity 1
How do I ask for information politely?
ነዞም ዝስዕቡ ካብ ዝተሓተ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ትሕትና ስርዕዎም።
Where’s the nearest supermarket, please?
Tell me where the nearest supermarket is.
Can you tell me where the nearest supermarket is, please?
መልስኹም ንምርግጋጽ ስምዑ። ቀጺልኩም ከኣ ምስዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ጽሑፍ ኣወዳድርዎ።

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሰላም፣ እንቋዕ ናብ መደብ How do I… ብድሓን መጻእኩም። ኣነ ተኽልማርያም በኪት ኢየ፡ ምሳና’ውን ሳም ኣላ።
Sam
Welcome, everybody.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኣብ ናይ ሎሚ ትምህርትና፡ ከመይ ጌርና ሓበሬታ ከም እንሓትት ክንርኢ ኢና። ኣብ መንጎ ኣዳምን ካልኦት ሰለስተ ሰባትን ዝተገብረ ዝርርብ ብምስማዕ ንጀምሮ።
እንተዘይተረዲእኩም ኣይትሸገሩ: ድሓር ክንሕግዘኩም ኢና። ንሕጂ፡ ንኣዳም ብምስማዕ፡ ነቶም ዝዛረቦም ዘሎ ሰባት ዝፈልጦም እንተ ኾይኑ ንወስን።
ገለ ዝሕግዘኩም ቃል 'the nearest supermarket' ‘እታ ዝቐረበት ዓባይ ድንኳን’ ማለት ኢዩ፡
Adam
Excuse me! Where's the nearest supermarket, please?
Woman 1
Oh, yes. Turn down here on the left, then…
Adam
Hello! Sorry to bother you. Do you know where the nearest supermarket is, please?
Man
Yes, I do. Go straight down here, then…
Adam
Hello! Can you tell me where the nearest supermarket is, please?
Woman 2
Yes, of course I can. It's just down here on the…
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
እንታይ ይመስለኩም? ሳም፡ ኣዳም ነቶም ዝዛረቦም ዝነበረ ሰባት ይፈልጦም ኢልኪ’ዶ ትሓስቢ?
Sam
No, I think he was talking to strangers, people he didn't know. So he was being very polite.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
እወ፡ ንሱ ብጣዕሚ ትሑት 'polite' ነይሩ ። ሳም፣ ኣዳም ንሰባት ብትሕትና ክሓትት እንታይ ዓይነት ቃላትን ሓረጋትን ተጠቒሙ?
Sam
Well, he used 'please' a lot! And also 'excuse me' and 'sorry to bother you' in a polite voice or intonation.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
እወ፣ ንሱ ብትሕትንኡ ንኣቓልቦ ሰባት ንምስሓብ ነዘን ዝስዕባ ሓረጋት ተጠቒሙ፡ ኣይኮነን ድዩ?
Sam
Absolutely! And then he asked for the same thing, but in three different ways.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ስለዚ ደጊምና ነታ ቀዳመይቲ ሕቶ ንስምዓያ። ንሱ ነታ ሕቶ ብኸመይ ይጅምራ?
Where's the nearest supermarket, please?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ነቲ ሕቶ ብ 'Where's…', ይጅምሮ፣ ማለት ብ 'Where' ‘ኣበይ’ ከምኡ’ውን 'is' ብሓባር ኮይኖም፡ በቲ ዝሓቶ ሕቶ ኣስዒቡ። ከምኡ’ውን ጎኒ ጎኒ ‘where’ ዝተፈላለዩ ቃላት ክትጥቀሙ ትኽእሉ።
Sam
Yeah, you can say 'What's the nearest supermarket?' or 'Which is the nearest supermarket?'
Shall we practise the pronunciation? Repeat after me:
Where's the nearest supermarket, please?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
Thank you, Sam! ስለዚ ናይ ኣዳም ሕቶ ትሑት እኳ እንተነበረ፡ ቀጥታዊ ኢዩ ነይሩ። ኣብ እንግሊዝ ዘይቀጥታዊ ሕቶታት እውን ኣለዉና። ንኣዳም ደጊምና ንስምዓዮ- እቲ ካልኣይ ክፋል ናይቲ ሕቶ ሓደ ዓይነት ኢዮም። እንተኾነ ግን ነፍሲ ወከፍ ሕቶ ከመይ ከም ዝጀመሮ ኣስተውዒልኩምዎ’ዶ?
Do you know where the nearest supermarket is, please?
Can you tell me where the nearest supermarket is, please?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሕራይ፡ ስለዚ እቲ ቀዳማይ ብ 'Do you know where…?’ ጀሚሩ። ኣበይ ምዃኑ ትፈልጡ’ዶ ማለት ኢዩ?
Sam
And the second question started with 'Can you tell me where…?'
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
'ኣበይ ከም ዝኾነ ክትነግረኒ'ዶ ምኸኣልካ፧ ማለት ኢዩ። ንኽልቲኦም ሕቶታት’ከ ብኸመይ ዛዚምዎም?
ንናይ ሳም ኣደማምጻ እናተለማመድኩም፡ እዚ ግሲ 'is' ኣበይ ከም ዝኣቱ ኣስተውዕሉ።
Sam
Ready? Repeat after me:
Do you know where the nearest supermarket is, please?
Can you tell me where the nearest supermarket is, please?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ተዓዚብኩምዎ’ዶ? ኣብ ዘይቀጥታዊ ሕቶታት እቲ ግሲ ማለት ኣብዚ ጉዳይ 'is', ድሕሪ እቲ እንሓቶ ዛዕባ ይኸይድ።
ሕጂ ልምምድ እትገብሩሉ እዋን ኢዩ።
ዓይኒ ምድሪ 'the toilet' ኣበይ ከም ዘሎ ክትፈልጡ ምስእትደልዩ፡ ንሓደ ጋሻ ትሓቱ። ንሕቶኹም ብ 'where' ጀሚርኩም 'please', ምባል ኣይትረስዑ፡ ድሕሪኡ ድማ ምስ ናይ ሳም ኣወዳድርዎ።
Sam
Where's the toilet, please?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም! ሕጂ ድማ ብዛዕባ እቲ ዓይኒ ምድሪ ሕተቱ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ግን ን 'is' ድሕሪ 'the toilet' ኣእትውዋ።
Sam
Do you know where the toilet is, please?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
Good! ከምዚ ዝስዕብ ክትብሉ እውን ትኽእሉ፣ 'Can you tell me where the toilet is, please?'
ስለዚ ሕጂ ሓበሬታ ብትሕትና ከመይ ጌርኩም ከም እትሓቱ ፈሊጥኩም ኣለኹም!
Sam
Yes, well done, everyone!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኣብ ዝቕጽል How do I… ብሰላም የራኽበና። ሰላም ቀንዩ። Bye!
Sam
Until next time, bye!
Learn more
1. ንሓደ ሰብ ሓበሬታ ክንሓትት ምስ እንደሊ ከመይ ጌይርና ኣቓልቦኡ ክንስሕብ ንኽእል?
እቶም ናይ ሓባር ሓረጋት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፡
Excuse me!
Sorry!
Sorry to bother you.
2. Please’ ን ‘thank you’ እንተ ተጠቒመ፡ ትሑት ኣለኹ ማለት ድዩ?
ቀጥታዊ ሕቶ ይሐትት እንተ ደኣ ሃለኹ፡ 'Please' ተጠቒመ ምስ ቕኑዕ ኣደማምጻ ትሕትና ከስምዕ ይኽእል።
Where’s the nearest supermarket, please?
Where does bus number 10 leave from, please?
ሕቶ ቃል | ‘be’ ግሲ ወይ ሓጋዚግሲ | ነገር | ቀንዲ ግሲ |
Where What Which When How
|
is/ are |
the nearest supermarket? |
|
does/ do
| bus number 10 | leave from? |
3. ካልኦት ናይ እንግሊዝ ትሑት ኣገባባት ኣተሓታትታት ኣለዉ’ዶ?
እወ፡ ከም’ዚኦም ዘይቀጥታዊ ሕቶ ክንሓትት ንኽእል።
Do you know where the nearest supermarket is, please?
Can you tell me where the nearest supermarket is, please?
4. ኣብ ቅርጺ፡ ኣብ መንጎ ቀጥታውን ተዘዋዋርን ሕቶታት ዘሎ ፍልልይ እንታይ ኢዩ?
እቲ ቀንዲ ፍልልይ፡ ኣብ ቅርጺ፡ ናይ ቀጥታዊ ሕቶታት በቲ ናይ ሕቶ ቃል ኣይንጅምርን ከምኡ እውን ተሓጋጋዚ ግሲ ኣይንጥቀምን። ኣብ ክንድኡ ከም በዓል Do you know…ወይ ከኣ Can you tell me… ብዝብሉ ሓረጋት ንጅምር።
Do you know where the nearest supermarket is, please?
Can you tell me where bus number 10 leaves from, please?
ናይ ትሕትና ሓረግ | ናይ ሕቶ ቃላት | ነገር | ‘be’ ግሲ ወይ ቀንዲ ግሲ |
Do you know…
Can you tell me… |
where what which when wow
|
the nearest supermarket |
is/ are? |
bus number 10 | leaves from? |
ብኸመይ ሓበሬታታት ብትሕትና ንሓትት።
4 Questions
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
ሓገዝ
Activity
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
ኣመት
እዚ ቀጥታዊ ሕቶ ስለዝኾነ ድሕሪ ‘where’ ግሲ የድልየና።Question 1 of 4
ሓገዝ
Activity
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
ኣመት
ድሕሪ ናይ ትሕትና ሓረግ፣ ‘when’ ንዝብል ናይ ሕቶ ቃል ንጥቀም።Question 2 of 4
ሓገዝ
Activity
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
ኣመት
ኣስተውዕሉ! ቀጥታውያን ሕቶታት ድዮም ወይስ ዘይቀጥታውያን?Question 3 of 4
ሓገዝ
Activity
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
ኣመት
ናይ ዝኾነ ሰብ ኣቓልቦ እናረኸብካ፡ እቲ ኣመና ቀጥታዊ ኣየናይ ምኾነ?Question 4 of 4
Excellent!Great job!ሕማቕ ዕድል!ዘመዝገብኩምዎ ነጥቢ ...:
Come to our Facebook group, where you can ask us and the rest of the group for information!
ኣብ ፈይስቡክና ብምምጻእ፡ ንዓናን ንኣባላትናን ሓበሬታ ክትሓቱ ትኽእሉ?
Join us for our next episode of How do I…, when we will learn more useful language and practise your listening skills.
ኣብ ዝቕጽል How do I…, መደብና ማለት ብዙሕ ጠቓሚ ቋንቋ እንመሃረሉን ናይ ምስማዕ ብቕዓትኩም ትለማመዱሉን የራኽበና።
Session Vocabulary
the nearest supermarket
እታ ዝቐረበትን ዝዓበየት ድኳንthe toilet
እቲ ዓይኒ ምድሪExcuse me!
ይቕሬታSorry!
ይቕሬታ!Sorry to bother you.
ይቕሬታ! ረቢሸካ።