Unit 2: Essential English Conversation
Select a unit
- 1Essential English Conversation
- 2Essential English Conversation
- 3Unit 3
- 4Unit 4
- 5Unit 5
- 6Unit 6
- 7Unit 7
- 8Unit 8
- 9Unit 9
- 10Unit 10
- 11Unit 11
- 12Unit 12
- 13Unit 13
- 14Unit 14
- 15Unit 15
- 16Unit 16
- 17Unit 17
- 18Unit 18
- 19Unit 19
- 20Unit 20
- 21Unit 21
- 22Unit 22
- 23Unit 23
- 24Unit 24
- 25Unit 25
- 26Unit 26
- 27Unit 27
- 28Unit 28
- 29Unit 29
- 30Unit 30
- 31Unit 31
- 32Unit 32
- 33Unit 33
- 34Unit 34
- 35Unit 35
- 36Unit 36
- 37Unit 37
- 38Unit 38
- 39Unit 39
- 40Unit 40
Session 48
Listen to find out how to decide where to meet someone.
ከመይ ጌርኩም ንሓደ ሰብ ክትረኽብዎ ከም ትውስኑ ንምፍላጥ ጽን ኢልኩም ስምዑ።
Activity 1
Where should we meet?
Listen to find out how to decide where to meet someone.
ከመይ ጌርኩም ንሓደ ሰብ ክትረኽብዎ ከም ትውስኑ ንምፍላጥ ጽን ኢልኩም ስምዑ።
Listen to the audio and take the quiz. ጽን ኢልኩም ብምስማዕ፡ ነዚ ተቐሪቡ ዘሎ ፈተና ስርሕዎ።

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሰላም: እንቋዕ ናብ መደብ Essential English Conversation ብድሓን መጻእኩም። እዚ መደብ'ዚ ኣገደስቲ ናይ አንግሊዘኛ ዝርርብ ሒዙልኩም ዝቐርብ መደብ እዩ። ኣነ ተኽልማሪያም በኪት እየ።
ኣብዚ መደብ እዚ ብዛዕባ ኣመዳድባን ኣሰራርዓን ምዝራብ ክንመሃር ኢና። ምሳኹም ዘለኹ ተኽልማሪያም በኪት እየ።
ሎሚ ክሪስን ፐኒን ክራኸቡ መዲቦም። ኣበይ ክራኸቡ መዲቦም፧ ኣብይ ከም ዝራኸቡ ንምፍላጥ ንዝርርቦም ጽን ኢልና ንስማዕ።
Chris
Where should we meet?
Penny
Let's meet at the station!
Chris
OK! Should I meet you outside?
Penny
Yes, see you there.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ክብድ ዝበለ እንተመሲሉ ኣይትሻቀሉ። ነዚ ዝርርብ ከፋፊልና ብምቕራብ፡ ንኽትለማመዱ ክንሕግዘኩም ኢና።
ክሪስ ንፐኒ ኣበይ ከም ዝኸዱ ይሓታ። ጽን ኢልኩም ብምስማዕ ድገምዎ።
Where should we meet?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ፐኒ ኣብ መደበር ክራኸቡ ሓሳብ ተቕርብ። ናታ ሓሳብ 'let's' ትጅምሮ፣ ድሕሪኡ ድማ ነቲ ስራሕ ተስዕብ። ንሳ ኣብቲ መደበር 'the station' “ክትራኸብ” 'meet at' ትደሊ። ጽን ኢልኩም ብምስማዕ ድገምዎ።
Let's meet at the station!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
'Let's meet at' ተጠቂምኩም ካልእ ቦታ ክትእምሙ ትኽእሉ። 'The park' ወይ እውን ኣብ እንዳ ሻሂ 'the café' ምባል ይከኣል።
Let's meet at the park!
Let's meet at the café!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ክሪስ ሕራይ 'ok' ኢሉ፣ እዚ ከኣ ከም ዝተሰማምዐ የርእየና። ንሱ ኣስዒቡ ንፐኒ ኣብ ደገ ናይቲ መደበር 'outside' ክረኽባ 'meet' ዝከኣል እንተ ኾይኑ ይሓታ።
OK! Should I meet you outside?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
'Inside' ናይ እቲ መደበር ወይ ከኣ 'near to' ጥቃ ናይቲ መደበር ኢልኩም እውን እማመ ከተቕርቡ ትኽእሉ።
Should I meet you inside the station?
Should I meet you near to the station?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ፐኒ ንፖውል ክትረኽቦ ብምስምማዕ ኣብኡ ክንራኸብ ኢና ትብሎ። 'There' ነቲ ዝዛረቡሉ ዝነበሩ ቦታ ዘመልክት ቃል ኢዩ። 'See you there' ማለት ከኣ “ኣብቲ ቦታ ንራኸብ” ማለት ኢዩ።
Yes, see you there!
Yes, see you at the station!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም- ሕጂ ንሶፊን ፖውልን ዝመርጽዎ ቦታ ብምስማዕ እንታይ ከም ተመሃርኩም ፈትሹ። ኣበይ ክራኸቡ ወሲኖም፧
Sophie
Where should we meet?
Paul
How about at the park?
Sophie
I think the café is better.
Paul
OK! Let's meet there!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ፖውል ኣብ መናፈሻ 'park' ክራኸቡ እማመ ኣቅሪቡ። ሶፊ ኣብ መናፈሻ ክትራኸብ ኣይትደልን። ከም ካልእ ኣማራጺ ኣብ ካፈ 'café' ክራኸቡ ጠሊባ፣ ምኽንያቱ ዝሓሸ 'better' ኢላ ስለ እትሓስብ።
I think the café is better.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ፖውል ሕራይ 'OK' ብምባል ይሰማማዕ። ኣስዒቡ ንሶፊ ኣብኡ ክትረኽቦ ይነግራ።
OK! Let's meet there!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሕራይ እምበኣር፡ ሕጂ ደጊምና ንፈትን። ነዚ ናይ እንግሊዝኛ ምሉእ ሓሳብ ብምስማዕ ድገምዎ።
Where should we meet?
Let's meet at the station!
OK! Should I meet you outside?
Yes, see you there!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ጽቡቕ እምበኣር፡ ሕጂ ማዕረ ክንደይ ነቲ ዝተማሃርኩሞ ቋንቋ ኢንግሊዝ ከም ትዝክርዎ ነብስኹም ገምግሙ። ነዚ ብትግርኛ እትሰምዕዎ ምሉእ ሓሳባት ብእንግሊዝኛ ድገምዎ።
ኣበይ ንራኸብ፧
Where should we meet?
ኣብቲ መደበር ንራኸብ።
Let's meet at the station!
ሕራይ! ኣብቲ ኣፍደገ'ዶ ክረኽበካ፧
OK! Should I meet you outside?
እወ፣ ኣብኡ ንራኸብ!
Yes, see you there!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም! ሕጂ ብእንግሊዝኛ ብዛዕባ ዘሎኩም መደባት ብኸመይ ከም እትዛረቡ ፈሊጥኩም ኣለኹም።
ንክሪስ ኣበይ ክትራኸቡ ከም እትደልዩ ብምንጋር ተለማመዱ። 'See you there' ንምባል ኣይትረስዑ።
Where should we meet?
OK! Should I meet you outside?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም! ሕጂ ብእንግሊዘኛ እትራኸቡሉ ቦታ ምምራጽ ኪኢልኩም መሓዛ ኣናዲኹም ልምምድኩም ቀጽሉ። ብተሳትፎኹም እናመስገንና ኣብ ዝመጽእ መደብ Essential English የራኽበና Bye!
Check what you’ve learned by choosing the correct answer to the question.
ቅኑዕ መልሲ ብምምራጽ፡ እንታይ ከምዝተማሃርኩም ርእስኹም ፈትሹ።
ኣበይ ክንራኸብ?
3 Questions
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
ሓገዝ
Activity
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
ኣመት
መስርዕ ናይ ቃላት ኣብ ሕቶ ኣገዳሲ ምኻኑ ኣይትረስዑ።Question 1 of 3
ሓገዝ
Activity
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
ኣመት
ድሕሪ 'meet' መስደዋድ እንታይ የድልየኹም።Question 2 of 3
ሓገዝ
Activity
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
ኣመት
ብኸመይ ኣብ 'ውሽቲ' ትብሉ?Question 3 of 3
Excellent!Great job!ሕማቕ ዕድል!ዘመዝገብኩምዎ ነጥቢ ...:
Join us for our next episode of Essential English, when we will learn more useful language and practise your listening skills.
ኣብ ዝቕጽል መደብ Essential English ኣገደስቲ ናይ ኢንግሊዘኛ ዝርርብ ሒዝናልኩም ክንቀርብ ኢና’ሞ ብሰላም የራኽበና።
ንዝያዳ ልምምድ ኣብቲ ናይ ፌይስቡክ ገጻትና ተጸንበሩና
Session Vocabulary
Where should we meet?
ኣበይ ክንራኸብ?
Let's meet at the station!
ኣብቲ መደብር ንራኸብ።
Should I meet you outside?
ኣብቲ ኣፍ ደገ’ዶ ክንራኸብ?
I think the café is better.
ኣብ ካፈ ይሓይሽ መስለኒ።
the park
መናፈሻ
the café
ካፈ
outside
ኣብ ደገ
inside
ኣብ ውሽጢ
near to
ኣብ ጥቃ