บทเรียน 1: How do I...
เลือกบทเรียน
- 1How do I...
- 2Unit 2
- 3Unit 3
- 4Unit 4
- 5Unit 5
- 6Unit 6
- 7Unit 7
- 8Unit 8
- 9Unit 9
- 10Unit 10
- 11Unit 11
- 12Unit 12
- 13Unit 13
- 14Unit 14
- 15Unit 15
- 16Unit 16
- 17Unit 17
- 18Unit 18
- 19Unit 19
- 20Unit 20
- 21Unit 21
- 22Unit 22
- 23Unit 23
- 24Unit 24
- 25Unit 25
- 26Unit 26
- 27Unit 27
- 28Unit 28
- 29Unit 29
- 30Unit 30
- 31Unit 31
- 32Unit 32
- 33Unit 33
- 34Unit 34
- 35Unit 35
- 36Unit 36
- 37Unit 37
- 38Unit 38
- 39Unit 39
- 40Unit 40
บทเรียนย่อย 7
Listen to find out how to talk about someone’s appearance in English.
ንምስሊ ናይ ሓደ ሰብ ብእንግሊዘኛ ንምግላጽ ጽን ኢልኩም ስምዑ።
แบบฝึกหัด 1
How do I talk about someone's appearance?
ንመልከዕ እንፈልጦም ሰባት ከመይ ገይና ብዝርዝራዊ ሐበሬታ ንገልጾም።
ጽን ኢልኩም ብምስማዕ፡ መልስታትኩም ገምግሙ። ካብኡ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ምስ ዘሎ ጽሑፍ ኣወዳድርዎ።

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሰላም፣ እንቋዕ ናብ መደብ How do I… ብድሓን መጻእኩም። ኣነ ተኽልማርያም በኪት ኢየ፤ ምሳና’ውን ቶም ኣሎ።
Tom
And, hi everybody! I’m Tom, welcome to today’s episode of How do I...!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኣብዚ ክፋል እዚ፡ ሓደ ሰብ ብዝተፈላለዩ መንገድታት እንታይ ከምዝመስል ዝገልጹ መግለጺታት ክንመሃር ኢና። ክልተ ተዛረብቲ ሰባት ኣደን ‘mother’ ከምኡ’ውን መጻምድቲ (ዓርኪ) ‘boyfriend’ እንታይ ከም ዝመስሉ ይገልጹ ኣለዉ።
ጽን ኢልኩም ብምስማዕ ሕቶ መልሱ: ወርቃዊ ጸጉሪ ‘blonde hair’ ዘለዎ መን’ዩ?
What does your boyfriend look like?
He's tall and has short, blonde hair.
What does your mother look like?
She's quite short and has long, dark hair.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ተረዲእኩም’ዶ? ነታ ቀዳመይቲ ተዛራቢት መጻምድታ (ዓርካ) ‘short, blonde hair’ ኣሎዎ።
Tom
So, let’s begin today’s lesson on appearance!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም፡ ‘look like’ ዝብላ ክልተ ቃላት ኣዝየን ኣገደስቲ እየን። ብዛዕባ መልክዕ ናይ ሓደ ሰብ ንዛረብ ከምዘለና ድማ የረድኣና። እቶም ተዛረብቲ ብኸመይ ኣገባብ፡ ብዛዕባ መልክዕ ሰብ ይሓቱ? ‘Do’ ወይ ‘does’ ይጥቀሙ?
Tom
Let’s listen again to find out!
What does your boyfriend look like?
What does your mother look like?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሰሚዕኩምዎ’ዶ? ናይ ሳልሳይ ኣካል መግለጺናይ ‘do’ ዝኾነ ‘does’ ተጠቂሞም:: ኣብ ኣሰራርዓ ሕቶ፤ ብዛዕባ ክንድ ስም ‘he’, ‘she’ ወይ ‘it’ ክንዛረብ እንከሎና ኩሉ ጊዜ ‘does’ ክንጥቀም ኣሎና።
Tom፤ በጃኻ ኣደማምጻ ናይ’ዚ ሕቶታት ኣቕርበልና?
Tom
Of course!
What does your mother look like?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ብጣዕሚ ጽቡቕ፡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ከም ወዲ ዓዲ ክትዛረቡ ክትክእሉ ኢኹም። ነቲ ሕቶ ንምምላስ እቶም ተዛረብቲ ‘be’ ከምኡ’ውን ‘have’ ተጠቒሞም። እስከ ደጊምኩም ስምዕዎ። እንታይ ዓይነት ቅዲ ‘be’ ይጥቀሙ?
He's tall and has short, blonde hair.
She's quite short and has long, dark hair.
Tom
They say ‘he’s’ or ‘she’s’. The speakers are using the short form of ‘is’.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ብድሕሪ ምጥቃም ቅዲ ‘be’ ኣብዛ ጉዳይ ግን ‘is’ እቶም ተዛረብቲ ብዛዕባ ናይ ሓደ ሰብ ግዝፊ ይገልጹ ኣሎዉ። ከምኡ’ውን ብዛዕባ ናይ ሓደ ሰብ ዕድመን፡ ሰብነትን፡ ርእይቶ ክንህበሉ ንኽእል።
Tom
The first speaker says ‘he’s tall’. The second speaker says ‘she’s quite short’.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ብልክዕ፤ ‘tall’ ኣንጻር ‘short’ዩ:: ‘Quite’ ማለት ከኣ ‘not very’ ማለት’ዩ። ‘Quite short’ ክንብል እንከሎና ነቲ መግለጺ ቃል ማለት ‘short’ ነፍኩሶ ኣሎና ማለት’ዩ። That is not all! ንውሓትን ሕብርን ጸጕሪ፡ መልክዕ ገጽ ከም ሕብሪ ዓይኒ ንምግላጽ ‘have’ ክንጥቀም ንኽእል።
እቶም ተዛረብቲ፡ ኣዲኦምን ዓርኮምን እንታይ ኣለዎም ‘have’ ኢሎም? ሃየ ንስማዕ።
He's tall and has short, blonde hair.
She's quite short and has long, dark hair.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
‘Have’ ንጸጕሪ፡ ተጠቒሞሙሉ። 'Has’ ቅዲ ናይ ‘have’ ክኸውን እንከሎ ምስ ‘he’, ‘she’ ወይ’ውን ምስ ‘it’ ንጥቀመሉ። ግን ‘a’ ምስ ‘hair’ ክንጥቀመሉ የብልናን፡ ምኽንያቱ ንጽል ጸጕሪ፡ ስለ ዘስምዕ።
Tom
OK! Now, time to practise!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
መጀመርታ ነዚ ተገሪሙ ዘሎ ሰብ ንስማዕ። ብዛዕባ መን'ዮም ዝዛረቡ ዘለዉ?
Hey! I’m so happy! I have a new boyfriend!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ዋው፤ ዓርኪ። ‘ዓርክኺ እንታይ ይመስል?’ ንዝብል ብእንግሊዘኛ ብኸመይ ትሓቱ?
Tom
What does your boyfriend look like? You could also say ‘what does he look like’?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ተመሳሳሊ’ዶ ኢልኩም?
Tom
Great! So, now you know how to describe appearance, practise with some of your friends!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ብኻልእ ትሕዝቶ How do I… ክንራኸብና። Bye!
Tom
Bye, everyone! See you next time.
Learn more!
1. ብዛዕባ መልክዕ ናይ ሓደ ሰብ ብኸመይ ክንሓትት ንኽእል?
ብዛዕባ መልክዕ ናይ ዝኾነ ሰብ ክንሓትት እንከለና እቲ ቀንዲ ግሲ ኣብቲ ሕቶ ‘look’ ኢዩ። ‘ምስሊ’ ምስ ካልእ ቃል ተወሲኹ፡ ነቲ ቅርጺ ‘look like’ ይገብሮ።
‘Do’ ሕቶ ክንሓትት ዝሕግዘና ተወሳኺ ግሲ ኢዩ። ብዛዕባ ‘he’ ወይ ከኣ ‘she’ ክንሓትት እንከለና ነዚ ሳልሳይ ኣካል ‘does’ ንጥቀም።
What does he/ she look like?
2. መልክዕ ናይ ሓደ ሰብ ብኸመይ ክገልጾ ይኽእል?
ናይ ሓደ ሰብ መልክዕ ክንገልጽ እንከለና, ‘be’ ክንጥቀም ንኽእል። እቲ ሳልሳይ ኣካል ናይ ‘be’ ‘ከኣ’ ‘is’ ኢዩ።
ብዛዕባ ናይ ሓደ ሰብ ቁመት ንምዝራብ ‘be’ ክንጥቀም ንኽእል። ‘Tall’ ከምኡ’ውን ‘short’ እቶም ንቁመት ንምግላጽ ብቐጻሊ እንጥቀመሎም ቅጽላት ኢዮም።
He is tall.
ብዛዕባ ናይ ሓደ ሰብ ዕድመ፡ ቅርጺ ኣካላቱ ንምዝራብን ርእይቶ ክንህብን ‘be’ ክንጥቀም ንኽእል። ‘Pretty’ (ምጭውቲ) ‘handsome’ (ምልኩዕ) ነዚ ንምግላጽ እንጥቀመሎም ቅጽላት ኢዮም። ‘Pretty’ ንደቂ ኣንስትዮ፣ ‘handsome’ ከኣ ንደቂ ተባዕትዮ ንጥቀመሎም።
She is 25 years old.
She is pretty.
He is tall and thin.
ሓደ ሓደ ግዜ ‘quite’ ዝብል ተወሳኺ ግሲ ንውስኽ። ‘Quite’ ንሓይሊ ናይ ቅጽል ንምንካይ እንጥቀመሉ ቃል ኢዩ። ምስቲ ‘ገለ ቁሩብ’ ዝብል ተመሳሳሊ ኢዩ።
She is quite short.
He is quite tall.
3. ንሰባት ንምግላጽ ‘have’ ክጥቀም ይኽእል’ዶ፧
‘Have’ ንንውሐት ጸጉርን ሕብርን ፡ ከምኡ ከኣ ንመልክዕ ገጽና ማለት ሕብሪ ዓይንና ንምግላጽን ክንጥቀመሉ ንኽእል። ‘Has’ ሳልሳይ ኣካል ናይ ‘have’ ኢዩ።
He has short, blonde hair.
She has big blue eyes.
ኣስተውዕሉ፡ ‘a’ ምስ ‘hair’ ኣይንጥቀምን ኢና፡ ምኽንያቱ ሓንቲ ፍረ ጸጒሪ በይና የስምዕ! ከምኡ እውን መብዛሕትኡ ግዜ ቅድሚ ሕብሪ ንውሓት ጸጉሪ ንገልጽ።
ብዛዕባ መልክዕ ናይ ሓደ ሰብ ብኸመይ ክንሓትት ንኽእል?
3 Questions
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
ช่วยเหลือ
แบบฝึกหัด
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
คำใบ้
ክልተ ቃላት ክንጥቀም የድሊ።Question 1 of 3
ช่วยเหลือ
แบบฝึกหัด
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
คำใบ้
ኣብዚ እቲ በዓል ቤት ‘she’ ኢዩ፡ ስለዚ እቲ ግሲ ካብ መሰረታዊ ቅርጹ ክቅይር ኢዩ።Question 2 of 3
ช่วยเหลือ
แบบฝึกหัด
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
คำใบ้
ኣስተውዕሉ፡ ቕድሚ ሕብሪ ጸጒሪ ብዛዕባ ንውሓት ንዛረብ።Question 3 of 3
Excellent!เยี่ยม!แย่หน่อย!คุณทำคะแนนได้:
Can you describe the appearance of somebody you know in English? Tell us on our Facebook group!
ንመልክዕ ሓደ እትፈልጥዎ ሰብ ብእንግሊዝ ክትገልጽዎ ትኽእሉ’ዶ፧ ኣብ ፈይስቡክና ኣካፍሉና!
Join us for our next episode of How do I…, when we will learn more useful language and practise your listening skills.
ኣብ ዝቕጽል መደብ How do I…, ኣገደስቲ ናይ ኢንግሊዝኛ ዝርርብ ሒዝናልኩም ክንቀርብ ኢና’ሞ ብሰላም የራኽበና።
Session Vocabulary
mother
ኣደ
boyfriend
መሓዛ
pretty
ምጭውቲ
handsome
ምልኩዕ
long
ነዊሕ
short
ሓጺር
blonde
ወርቃዊ ጸጒሪ ዘለዎ/ዘለዋ
dark
ጸሊም
blue
ሰማያዊ
tall
ነዊሕ