How do I... :1واحد
انتخاب واحد
- 1How do I...
- 2Unit 2
- 3Unit 3
- 4Unit 4
- 5Unit 5
- 6Unit 6
- 7Unit 7
- 8Unit 8
- 9Unit 9
- 10Unit 10
- 11Unit 11
- 12Unit 12
- 13Unit 13
- 14Unit 14
- 15Unit 15
- 16Unit 16
- 17Unit 17
- 18Unit 18
- 19Unit 19
- 20Unit 20
- 21Unit 21
- 22Unit 22
- 23Unit 23
- 24Unit 24
- 25Unit 25
- 26Unit 26
- 27Unit 27
- 28Unit 28
- 29Unit 29
- 30Unit 30
- 31Unit 31
- 32Unit 32
- 33Unit 33
- 34Unit 34
- 35Unit 35
- 36Unit 36
- 37Unit 37
- 38Unit 38
- 39Unit 39
- 40Unit 40
جلسه 8
Listen to find out how to talk about someone’s personality in English.
ጽን ኢልኩም ብምሰማዕ ከመይ ጌርኩም ብእንግሊዝኛ ብዛዕባ ናይ ሓደ ሰብ ባህሪ ምዝራብ ክትክእሉ ተኸታተሉ።
تمرین 1
How do I talk about someone’s personality?
ቅድሚ ምስማዕኩም፡ ነዞም ዝስዕቡ ቃላት ካብዚ ሳጹን ክፍሊ መዝገበ ቃላት ከምዝተረድኣኩም ኣረጋግጹ።
1. lazy
2. shy
3. quiet
ናይ ሎሚ መድብ ብምስማዕ፣ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት መልሱ።
• Who in the family is lazy?
• Who in the family is quiet?
• Who in the family is shy?
ጽን ኢልኩም ብምስማዕ፡ መልስታትኩም ገምግሙ። ካብኡ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ምስ ዘሎ ጽሑፍ ኣወዳድርዎ።

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሰላም፣ እንቋዕ ናብ መደብ How do I… ብድሓን መጻእኩም። ኣነ ተኽልማርያም በኪት ኢየ፤ ምሳና’ውን ፊል ኣሎ።
Phil
Hello, everybody. Welcome!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኣብዚ ክፋል እዚ፡ ዝተፈላለየ ኣገላልጻ ባህርያት ደቂ ሰባት ክንምሃር ኢና። በዞም ብዛዕባ ባህርያት ሰባት ዝገልጹ ዘሎዉ ንጀምር። ነዞም ባህርያት ኣባላት ስድራ ቤቶም ዝገልጹ ዘሎዉ ንስማዕ።
What's your brother like?
He’s so friendly, but he’s a little lazy.
What’s your mother like?
She’s funny, but a little shy.
What’s your father like?
He’s too serious and so quiet.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
እንታይ ይመስለኩም? ብዙሕ ባህርያት ሰብ ዝገልጹ ቃላት ኣለዉ። መጀመርታ ክንፈልጦ ዘሎና፡ ነፍስ ወከፍ ዝርርብ ‘what is he or she like?’ ብዝብል ሕቶ ይጅምር። ‘is like’ ዝብል ቃል ባህርያት ደቂ ሰባት ንምግላጽ ንጥቀመሉ። ንፊል ብምስማዕ ነዘን ዝስዕባ ሕቶታት ንለማመድ።
Phil
Listen carefully to the pronunciation of ‘what’s’. Listen and repeat.
What’s he like?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ብጣዕሚ ጽቡቕ፡ እቲ ቀዳማይ ሰብ፡ ብከመይ ከም እተገልጸ ትዝክሩዶ? ደጊምና ንስማዕ።
He’s so friendly, but he’s a little lazy.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ባህርያት ናይቲ ሰብኣይ ንምግላጽ ክልተ ቃላት ኣብ ጥቕሚ ውዒለን። ቀዳመይቲ ዝሰማዕናያ ቃል ሕዉስ ‘friendly’ ትብል እያ። ቅድሚ ‘friendly’ ዝነበረት ቃል ሰሚዕኩማ’ዶ? እወ ‘so’ እያ ነራ። እዛ ቃል እዚኣ ንገለ ክፋል ባህርያት ናይ ሰብ ከነጉልሕ ምስ እንደሊ ንጥቀመላ። እታ ካልኣይቲ ገላጺት ቃል እንታይ እያ ነይራ?
Phil
It was ‘lazy’. Did you hear the word in front of this word?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
እታ ካልኣይቲ ገላጺት ቃል ከኣ ‘a little’ እያ። እዛ ቃል እዚኣ ብዛዕባ ሓደ ሰብ ኣሉታዊ መግለጺ ንምሃብ ትጠቕመና።
Phil
That’s right, so we can say ‘a little lazy’ and ‘a little silly’. Let’s practise saying that whole sentence. Listen and repeat.
He’s so friendly, but he’s a little lazy.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ብጣዕሚ ጽቡቕ፡ እዚ ዝስዕብ ዝርርብ ብሓደ ዓይነት ሕቶ ይጅምር። ንከታተል።
What’s your mother like?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሕጂ እታ ሰበይቲ ብኸመይ ኣገባብ ከምዝተገልጸት ንስማዕ።
She’s funny, but a little shy.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኣብዚ ክልተ ቃላት ‘funny’ ከምኡ’ውን ‘shy’ ኣለዋ። እዘን ቃላት እዚኣተን ኣሉታዉን ኣዎንታዉን ባህርያት ብሓደ ክንገልጽ ምስ እንደሊ ንጥቀመለን።
Phil
Yes, so I could say that you are a little lazy, but so friendly.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
የቐንየለይ. . . ከም ዝመስለኒ።
Phil
Let’s practise saying whole sentence. Repeat after me.
She’s funny, but a little shy.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኣብ ናይ መወዳእታ ዝርርብ ሓደ ዓይነት ሕቶ ሓቲታ። መልሲ ኣብዚ ኣሎኩም።
He’s too serious and so quiet.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
‘Too’ ዝብል ቃል፡ ሓደ ነገር ዝዛየደ ወይ ዝበዝሐ ምዃኑ ንምሕባር ንጥቀመሉ። ስለዚ ኣሉታዊ ባህርያት ንምግላጽ ይጠቕመና።
Phil
So, I can say somebody is ‘too loud’, or ‘too old’.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኣብ መወዳእታ ‘too serious’ ከምኡ’ውን ‘so quiet’ ዝብላ ቃላት ኣለዋና። ክልቲአን ኣሉታዊ ባህርያት ንምግላጽ ይሕግዛና። ‘and’ ብምጥቃም ድማ ከነተኣሳስረን ንኽእል።
Phil
That’s right. So we can say somebody is ‘too quiet and a little lazy’.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ብጣዕሚ ጽቡቕ፡ ሎሚ ከመይ ጌርኩም ብዛዕባ ባህርያት ደቂ ሰባት ከምትዛረቡ ተማሂርኩም ኣለኹም። ተሪፉ ዘሎ ልምምድ ምግባር እዩ። ሓደ ሰብ ሓውኹም እንታይ ከም ዝመስል ከም ዝሓተተኩም ጌርኩም ሕሰቡ። ንከታተል።
What’s your brother like?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሓውኹም ብሩኽን ጥዑምን ምዃኑን ንኻልእ ሰብ ንገሩ። መልስታትኩም ምስ ናይ ፊል ኣወዳድርዎ።
Phil
He’s friendly.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ተመሳሳሊ’ዶ ኢልኩም? ካልእ ከኣ ንፈትን፡ ሓውኹም መስሓቕ ምዃኑ ንገሩ።
Phil
He’s funny.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
መልስኹም ከም ናይ ፊል እንተኾይኑ፡ እንቋዕ ሓጎሰኩም። ግዜና ኣብ ምእኻሉ ስለዝኾነ ክንፋነወኩም። እንተኾነ ግን ‘too’, ‘so’, ‘a little’ ዝብላ ቃላት እንዳ ተጠቐምኩም ልምምድ ቀጽሉ።
Phil
Good idea! Goodbye everyone!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
Goodbye!
Learn more!
1. ‘Be like’ እንታይ ማለት ኢዩ፧
ነዚ ቅጺ እዚ ንናይ ዝኾነ ሰብ ባህሪ ንምሕታት ንጥቀመሉ። እቲ ሕቶ ከኣ ከምዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ኢዩ።
• What’s he like?
• What’s she like?
2. ‘So’, ‘too’ ከምኡ እውን ‘a little’ ብኸመይ ክጥቀመሎም ይኽእል፧
‘So’ ንዝተወሰነ ዓይነት ምትኳር ንጥቀመሉ። ምስ ‘very’ ከኣ ተመሳሳሊ ትርጉም ኣለዎ።
• He is so kind.
ናይ ሓደ ሰብ ፍሉይን ዝያዳን ብቕዓትን ንምንጋር ‘too’ ንጥቀም። ‘too’ ምስ እንጥቀም መብዛሕትኡ ግዜ ነቐፌታን ኣሉታዊ ፍርድን የስምዕ።
• She is too lazy.
ሓደ ሰብ ናይ ሓደ ፍሉይ ዓይነት ብልጫ ንእስ ዝበለ እንተኾነ ‘a little’ ንጥቀም።
• He is a little shy.
3. ‘But’ ከምኡ’ውን‘and’ ኣብ ምሉእ ሓሳባት ብኸመይ ንጥቀመሎም፧
‘But’ ንኽልተ ዝተፈላለዩ ወይ ከኣ ተገራጨውቲ ሓሳባት ንምትእስሳር ንጥቀመሉ፣ ‘and’ ግን ተመሳሰልቲ ሓሳባት ንምትእስሳር ንጥቀመሉ።
• He’s so friendly, but a little quiet.
• She’s so kind and funny.
ብዛዕባ ባህርያት ሓደ ሰብ ብኸመይ ከንዛረብ ይኽእል?
3 Questions
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
Help
تمرین
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
Hint
እዚ ሕቶ እዚ ብዛዕባ ባህሪ ውልቀ ሰብ ኢዩ።Question 1 of 3
Help
تمرین
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
Hint
‘And’ እንታይ ዓይነት ሓሳባት ንምትእስሳር ንጥቀመሉ?Question 2 of 3
Help
تمرین
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
Hint
‘But’ ብምጥቃም እንታይ ዓይነት ሓሳባት ከነተኣሳስር ንኽእል?Question 3 of 3
Excellent!آفرین! نمره شماBad luck!:
Can you describe the personality of somebody you know in English? Tell us on our Facebook group page!
ንባህርያት ትፈልጥዎ ሰብ ከመይ ጌይርኩም ብእንግሊዘኛ ክትገልጽዎ ትኽእሉ? ኣብ ፈይስቡክና ኣካፍሉና!
Join us for our next episode of How do I… when we will learn more useful language and practise your listening skills.
ኣብ ዝቕጽል መደብ How do I…, ኣገደስቲ ናይ ኢንግሊዝኛ ዝርርብ ሒዝናልኩም ክንቀርብ ኢና’ሞ ብሰላም የራኽበና።
واژه های تازه این جلسه
What’s he/ she like?
ንሱ/ ንሳ እንታይ ኢዩ ትመስል/ይመስል?
too
ኣዝዩ/ ምሒር/ኣመና
so
ስለዚ
a little
ቁሩብ
but
ግን
and
ከምኡ’ ውን
friendly
ሕዉስ
lazy
ሃካይ
funny
መስሓቅ
shy
ሓፋር
serious
ዕቱብ/ከቢድ
quiet
ህዱእ/ርጉእ/ስቕተኛ/ ስቅተኛ
talkative
ለፍላፊ
hardworking
ጻዕራም