Unit 1: Essential English Conversation
Select a unit
- 1Essential English Conversation
- 2Essential English Conversation
- 3Unit 3
- 4Unit 4
- 5Unit 5
- 6Unit 6
- 7Unit 7
- 8Unit 8
- 9Unit 9
- 10Unit 10
- 11Unit 11
- 12Unit 12
- 13Unit 13
- 14Unit 14
- 15Unit 15
- 16Unit 16
- 17Unit 17
- 18Unit 18
- 19Unit 19
- 20Unit 20
- 21Unit 21
- 22Unit 22
- 23Unit 23
- 24Unit 24
- 25Unit 25
- 26Unit 26
- 27Unit 27
- 28Unit 28
- 29Unit 29
- 30Unit 30
- 31Unit 31
- 32Unit 32
- 33Unit 33
- 34Unit 34
- 35Unit 35
- 36Unit 36
- 37Unit 37
- 38Unit 38
- 39Unit 39
- 40Unit 40
Session 16
Listen to find out how to ask someone where they live.
ካልኦት ሰባት ኣበይ ከም ዝነብሩ ንምፍላጥ ብኸመይ ከምእትሓቱ ስምዑ።
Session 16 score
0 / 3
- 0 / 3Activity 1
Activity 1
Where do you live?’
Listen to find out how to ask someone where they live.
ካልኦት ሰባት ኣበይ ከም ዝነብሩ ንምፍላጥ ብኸመይ ከምእትሓቱ ስምዑ።
Listen to the audio and take the quiz. ነዚ ድምጺ ብምስማዕ ንርእስኹም ፈትንዋ።

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
መርሓባ፡ እንቋዕ ናብ መደብ Essential English Conversation ብድሓን መጻእኩም። ንተማሃሮ ቋንቋ እንግሊዝኛ ጠቓሚ ዝኾነ ትሑዝቶ ሒዝናሉኩም ቀሪብና ኣለና። ኣነ ተመስገን እበሃል። ኣብ ናይ ሎሚ ክፋል፡ ንሰባተ ኣበይ ከምዝነብሩ ብኸመይ ከምትዉከስዎም ክንመሃር ኢና።
እዞም ክልተ ሰባት ንሓድሕዶም ክትሓታተቱ እንከለዉ ሓቢርና ንስማዓዮም።
Sian
Hi Phil, where do you live?
Phil
I live near the market. How about you?
Sian
I live in London.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ክብድ ዝብል እንተመሲሉ፡ እዚ ምይይጥ ከፋፊልና ብምቕራብ ንኽትለማመዱሉ ክንሕግዘኩም ኢና።
እታ ቀዳመይቲ ተዛራቢት ‘ኣበይ ኢኻ ትነብር?’ ‘Where do you live?’ ኢላ ሓቲታ። ሰሚዕኩም ነቲ ሓረግ ድገምዎ።
Where do you live?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
እቲ ካልኣይ ተዛራቢ ድማ ኣብ ጥቓ ሹቕ ‘the market’ ኢሉ መሊሱ። ‘ኣነ ኣብ ጥቓ...’ ‘I live near…’ ብምባል ሽም ናይ ጥቓ ገዛኹም ዝርከብ ቦታ ክትጠቕሱ ትኽእሉ።
ነዚ ሓረግ ሰሚዕኩም ድገምዎ።
I live near the market.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኣስዒቡ ነታ ቀዳመይቲ ተዛራቢት ተመሳሳሊ ሕቶ ኣቕሪቡላ። ንሓደ ሰብ ተመሳሳሊ ሕቶ ከትቕርበሉ ንስኻ’ኸ ወይ ንስኺ’ኸ ንኽትብል ‘How about you?’ እዩ ዝባሃል። ነዚ ሓረግ ሰሚዕኩም ድገምዎ።
How about you?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
እታ ቀዳመይቲ ተዛራቢት ኣብ ለንደን’ያ ትነብር፡ ስለዚ ኣብ ለንደን ይነብር ክትብል ‘I live in…’ ኢላ ጀሚራ፡ ለንደን ወሲኻትላ። ‘I live in…’ ዝብል ሓረግ ብምጥቃም ስም ናይ ከተማታት፡ ከባቢታትን ዓዲታትን ከተእትዉሉ ትክእሉ። ነዚ ሓረግ ሰሚዕኩም ድገምዎ።
I live in London.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ጽቡቕ! ሕጂ ካልኦት ሰባት ብዛዕባ ዝነብርሉ ቦታ ከዕልሉ እንከለዉ ብምስማዕ ምስቲ ዝሃብኩሞ መልሲታት ኣነጻጽሩ።
ማርክ ኣብ ጥቓ ባሕሪ’ዩ ዝነብር።
Hi Mark, where do you live?
I live near the sea. How about you?
I live in Manchester.
ክሌር ኣብ ጥቓ ሆስፒታል’ያ ትነብር።
Hi Claire, where do you live?
I live near the hospital. How about you?
I live in Birmingham.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
እምበኣር ደጊምና ንለማመድ። ነዘን ዝስዕባ ናይ እንግሊዝኛ ምሉኣት ሓሳባት ሰሚዕና ንድገመን። ነፍሰወከፈን ከክልተ ግዜ ክትሰምዕወን ኢኹም።
Hi Phil, where do you live?
Hi Phil, where do you live?
I live near the market.
I live near the market.
How about you?
How about you?
I live in London.
I live in London.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም! ካብዚ ሕጂ ዝተማሃርኩምዎ ክንደይ ክትዝክሩ ከም ትኽእሉ ንርአ። ነቶም ሓረጋት ብቋንቋኹም ምስ ሰማዕኩም ናብ እንግሊዘኛ ተርጕምኩም ኣቕርቡዎም።
ሰላም ፊል፡ ኣበይ ኢኻ ትነብር?
Hi Phil, where do you live?
ኣብ ጥቓ ሹቕ’የ ዝነብር።
I live near the market.
ንስኺ’ኸ?
How about you?
ኣነ ኣብ ለንደን’የ ዝቕመጥ
I live in London.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ብጣዕሚ ጽቡቕ – ሕጂ’ምበኣር፡ ንሰባት ኣበይ ከምእትነብሩ፡ ብእንግሊዝኛ በዚ ኣገባብ ክትሕብርዎም ትኽእሉ። ንሽያን መልሲ ብምሃብ ተለማመዱ። ኣበይ ከምእትነብሩ ድማ ሓብሩ።
Hi, where do you live?
I live in London.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ጽቡቕ! ሕጂ ነቲ ዝነበረ ዕላል ብምልኡ ብምስማዕ፡ ዘቕረብኩምዎም መልስታት ንምክትታል ደጊምኩም ስምዑዎም።
Sian
Hi Phil, where do you live?
Phil
I live near the market. How about you?
Sian
I live in London.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ብጣዕሚ ጽቡቕ! ሕጂ ብእንግሊዝኛ፡ ንሰባት ኣበይ ከምትነብሩ ክትነግርዎምን፡ ንሶም ኣበይ ከምዝነብሩ ክትዉከስዎምን ትኽእሉ። ምስ መሓዙትኩም ብምዃን ብዛዕባ ትነብሩሉ ቦታ ምሕባርን መሓዙትኩም ዝነብሩሉ ምዉካስን ኣይትረስዑ።
ኣብ ዝቕጽል መደብ Essential English Conversation ክሳብ ንራኸብ ሰሰናዩ። Bye!
Check what you’ve learned by putting the words in the correct order.
ነቶም ቃላት ብቕኑዕ ኣገባብ ብምስራዕ እንታይ ከም ዝተማሃርኩም ረኣዩ።
Where do you live?
3 Questions
Put the words in the correct order.
እዞም ቃላት ብቕደም ተኸተል ስርዕዎም።ኣብዚ እዋን’ዚ ኣበይ ከምዘለዉ ዘይኮነስ፡ ኣበይ ከም ዝነብሩ ኢኹም ትሓትዎም ዘለኹም።
Help
Activity
Put the words in the correct order.
እዞም ቃላት ብቕደም ተኸተል ስርዕዎም።ኣብዚ እዋን’ዚ ኣበይ ከምዘለዉ ዘይኮነስ፡ ኣበይ ከም ዝነብሩ ኢኹም ትሓትዎም ዘለኹም።
Hint
ኣብዚ እዋን’ዚ ኣበይ ከምዘለዉ ዘይኮነስ፡ ኣበይ ከም ዝነብሩ ኢኹም ትሓትዎም ዘለኹም።Question 1 of 3
Help
Activity
Put the words in the correct order.
እዞም ቃላት ብቕደም ተኸተል ስርዕዎም።ኣብዚ እዋን’ዚ ኣበይ ከምዘለዉ ዘይኮነስ፡ ኣበይ ከም ዝነብሩ ኢኹም ትሓትዎም ዘለኹም።
Hint
ፈለማ ኣበይ ከምእትነብሩ ተዛረቡ። ድሕሪኡ ንካልኦት ኣበይ ከምዝነብሩ ሕተትዎም።Question 2 of 3
Help
Activity
Put the words in the correct order.
እዞም ቃላት ብቕደም ተኸተል ስርዕዎም።ኣብዚ እዋን’ዚ ኣበይ ከምዘለዉ ዘይኮነስ፡ ኣበይ ከም ዝነብሩ ኢኹም ትሓትዎም ዘለኹም።
Hint
ንከተማታነን ሃገራትን 'in' ንጥቀም።Question 3 of 3
Excellent!Great job!Bad luck!You scored:
Join us for our next episode of Essential English, when we will learn more useful language and practise your listening skills.
ኣብ ዝስዕብ መደብ Essential English ኣጠቓቕማ ቋንቋን ናይ ምስማዕ ክእለትኩም እተማዕብሉሉን ትምህርቲ ሒዝና ክንቀርብ ኢና።
ንዝያዳ ልምምድ ኣብቲ ናይ ፌይስቡክ ገጻትና ተጸንበሩና
Session Vocabulary
Where do you live?
ኣበይ ኢኻ/ኺ ትነብር/ሪ?
I live near ______.
ኣብ ጥቓ ______።
How about you?
ንስኻ/ኺ’ኸ?
I live in ______.
ኣብ ______ .እየ ዝነብር።
the market
ዕዳጋ
the bus station
መዋፈሪ ኣውቶቡስ
the hospital
ሆስፒታል
the city centre
ማእከል ከተማ