Unit 1: Essential English Conversation
Select a unit
- 1Essential English Conversation
- 2Essential English Conversation
- 3Unit 3
- 4Unit 4
- 5Unit 5
- 6Unit 6
- 7Unit 7
- 8Unit 8
- 9Unit 9
- 10Unit 10
- 11Unit 11
- 12Unit 12
- 13Unit 13
- 14Unit 14
- 15Unit 15
- 16Unit 16
- 17Unit 17
- 18Unit 18
- 19Unit 19
- 20Unit 20
- 21Unit 21
- 22Unit 22
- 23Unit 23
- 24Unit 24
- 25Unit 25
- 26Unit 26
- 27Unit 27
- 28Unit 28
- 29Unit 29
- 30Unit 30
- 31Unit 31
- 32Unit 32
- 33Unit 33
- 34Unit 34
- 35Unit 35
- 36Unit 36
- 37Unit 37
- 38Unit 38
- 39Unit 39
- 40Unit 40
Session 13
Listen to find out how to ask people when they got married and about their partners.
ሰባት ምርዑዋት ምዃኖምን ብዛዕባ መጻምድቶም ከኣ ከመይ ኢልኩም ከም እትውከስዎምን ንምፍላጥ ስምዑ።
Session 13 score
0 / 3
- 0 / 3Activity 1
Activity 1
Marriage
Listen to find out how to ask people when they got married and about their partners.
ሰባት ምርዑዋት ምዃኖምን ብዛዕባ መጻምድቶም ከኣ ከመይ ኢልኩም ከም እትውከስዎምን ንምፍላጥ ስምዑ።
Listen to the audio and take the quiz. ነዚ ኦድዮ ብምስማዕ ፈተና ዉሰዱ።

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሰላም፡ እንቋዕ ብድሓን ናብ መደብ Essential English Conversation መጻእኩም። እዚ ንተምሃሮ ቋንቋ እንግሊዘኛ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ መደብ’ዩ። ኣነ ተመስገን እበሃል፡ ኣብ ናይ ሎሚ ክፋል፡ ብዛዕባ መዓስ ሓዳር ከምዝመስረትኩም ከመይ ጌርኩም ከምእተዕልሉ ክትመሃሩ ኢኹም።
ሕጂ ንዕላል ክልተ ሰባት፡ ብዛዕባ ዝተመርዓውሉ እዋን ክንሰምዕ ኢና።
Emily
When did you get married?
Gary
I got married in 2002.
Emily
What’s your wife’s name?
Gary
Her name’s Sarah.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
እዚ ምይይጥ ከፋፊልና ብምቕራብ ንኽትለማመዱሉ ክንሕግዘኩም ስለዝኾንና፡ ዝኸብድ እንተመሲሉ ኣይትሻቐሉ።
ብመጀመርታ ኤሚሊ ን ጋሪ ‘መዓስ ኢኻ ተመርዒኻ?’ ኢላ ሓቲታቶ። ‘When did you get married?’ ነዚ ሓረግ ሰሚዕኩም ድገሙ።
When did you get married?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ጋሪ ‘ኣነ ብ2002 እየ ተመርዕየ’ ኢሉ መሊሱ ‘I got married in 2002.’ መዓስ ከም እተመርዓኹም ንምንጋር ‘I got married in…’ ኢልኩም ብምጅማር እቲ ዓመተ-ምሕረት ትዉስኹሉ። ዓመተ-ምሕረት ክንነግር ከሎና ንቕድም እቶም ክልተ ቀዳሞት ኣሃዛት ድሓር እቶም ዝተረፉ ክልተ ብምሃብ ኢና ነቕርቦም። ነዞም ዝስዕቡ ኣብነታት ስምዑ።
1998
2012
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ካብ 2000 ክሳብ 2009 ንዘሎዉ ዓመታት ግን ከይከፋፈልና እቲ ቍጽሪ ብምልኡ ኢና ነቕርቦ። ነዘን ዝስዕባ ኣብነታት ንስማዕ።
2004
2008
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሕጂ ነዚ ሓረግ ሰሚዕኩም ድገሙ።
I got married in 2002.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኤሚሊ ን ጋሪ ‘መን’ዩ ስም በዓልቲ-ቤትካ?’ ‘What’s your wife’s name?’ ኢላ ሓቲታቶ. ‘Wife’ ‘በዓልቲ-ቤት’ ማለት’ዩ፣ ንበዓል-ቤት ድማ ‘husband’ ኢልና ንሰምዮ። ሰሚዕኩም ድገሙ።
What’s your wife’s name?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
‘ስማ ሳራ እዩ’ ብምባል፡ ጋሪ ንኤሚሊ ስም በዓልቲ-ቤቱ ነጊሩዋ። ‘Her name’s Sarah.’ ሰሚዕኩም ድገሙ።
Her name’s Sarah.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም! ሕጂ ነቲ ዝበልኩምዎ ምስ ናይ ካልኦት ሰባት ንምንጽጻር ክጥዕመኩም ጽን ኢልኩም ስምዑ።
When did you get married?
I got married in 1980.
What’s your wife’s name?
Her name’s Maria.
When did you get married?
I got married in 1995.
What’s your husband’s name?
His name’s Sam.
When did you get married?
I got married in 2004.
What’s your husband’s name?
His name’s Frank.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሕጂ ደጊምና ክንፍትነን ኢና። ነቶም ናይ እንግሊዘኛ ምሉኣት ሓሳባት ሰሚዕኩም ድገምዎም። ነፍስወከፍ ምሉእ-ሓሳባት ሓንሳእ ክትሰምዕዋ ኢኹም።
When did you get married?
I got married in 2002.
What’s your wife’s name?
Her name’s Sarah.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ዝተማሃርኩምዎ ክሳብ ክንደይ ከም እትዝክሩ ንርአ ሕጂ። ነቶም ሓረጋት ብቋንቋኹም ምስ ሰማዕኩም ናብ እንግሊዘኛ ተርጕምኩም ኣቕርቡዎም።
መዓስ ኢኻ ተመርዒኻ?
When did you get married?
ኣነ ብ2002 እየ ተመርዕየ።
I got married in 2002.
እንታይ’ዩ ስም ብዓልቲ-ቤትካ?
What’s your wife’s name?
ስማ ሳራ እዩ።
Her name’s Sarah.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ብጣዕሚ ጽቡቕ! ሕጂ ብዛዕባ መዓስ ከም እተመርዓኹም ምስ ሰባት ከተዕልሉ ትኽእሉ። ንሕቶታት ኤሚሊ መልሲ ብምሃብ ተለማማዱ። ብ2008 ከም እተመርዓኹም፡ ስም በዓልቲ ቤትኩም ከኣ ዝዀነ ስም መሪጽኩም ንገሩ።
When did you get married?
What’s your wife’s name?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም! ሕጂ ነቲ ዝነበረ ዕላል ብምልኡ ብምስማዕ ዘቕረብኩምዎም መልስታት ንምክትታል ደጊምኩም ስምዑዎም።
Emily
When did you get married?
Gary
I got married in 2002.
Emily
What’s your wife’s name?
Gary
Her name’s Sarah.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሕጂ’ምበኣር ብዛዕባ መዓስ ከም እትመርዓኹም ምስ ሰባት በዚ ኣገባብ ከተዕልሉ ትኽእሉ። ዝተማሃርኩምዎ ደጋጊምኩም ምልምማድ ኣይትረስዑ።
ኣብ ዝቕጽል መደብ Essential English Conversation ክሳብ ንራኽብ ሰሰናዩ። Bye!
Check what you’ve learned by choosing the correct answer to the question.
ነቲ ቅኑዕ መልሲ ብምምራጽ ንዝተመሃርኩምዎ ገምግሙ።
Marriage
3 Questions
Choose the correct answer.
እቲ ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
Help
Activity
Choose the correct answer.
እቲ ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
Hint
ሕቶታት ምስ እነቕርብ እዞም ፍሉያት ቃላት ክንጥቀም ይግባእ።Question 1 of 3
Help
Activity
Choose the correct answer.
እቲ ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
Hint
ዓመተ-ምሕረት ንምግላጽ እዚ ዚስዕብ ቃል ንጥቀም . . .Question 2 of 3
Help
Activity
Choose the correct answer.
እቲ ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
Hint
እዚ ፊደል’ዚ ነቲ ቅድሚ’ዚ ፊደል ዝጥቀስ ሰብ ዝገልጽ’ዩ።Question 3 of 3
Excellent!Great job!Bad luck!You scored:
Join us for our next episode of Essential English, when we will learn more useful language and practise your listening skills.
ኣብ ዝስዕብ መደብ Essential English ኣጠቓቕማ ቋንቋን ናይ ምስማዕ ክእለትኩም እተማዕብሉሉን ትምህርቲ ሒዝና ክንቀርብ ኢና።
ንዝያዳ ልምምድ ኣብቲ ናይ ፌይስቡክ ገጻትና ተጸንበሩና
Session Vocabulary
When did you get married?
መዓስ ኢኹም ተመርዒኻ/ኺ?
I got married in ______.
ኣን ብ ______ እየ ተመርዕየ።
What’s your wife’s name?
ስም በዓልቲ-ቤትካ መን’ዩ?
What’s your husband’s name?
ስም በዓል-ቤትኪ መን’ዩ?
Her name’s ______.
ስማ ______ እዩ።
His name’s ______.
ስሙ ______ እዩ።