'ጉግል ትራንስሌት' ትግርኛ ዝርከቦም 24 ሓደሽቲ ቋንቋታት ወሲኹ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu Agency via Getty Images
ዓለምለኻዊ ኩባኒያ ቴክኖሎጂ ጉግል ልዕሊ 300 ሚሊዮን ሰባት ተዛረብቲ ዘለዎም 24 ሓደሽቲ ቋንቋታት ናብ ናይ ትርጉም መድረኽ ዝኾነ 'ጉግል ትራንስሌት' ክኣትው ገይሩ።
ዓሰርተ ካብዞም ሓደሽቲ ቋንቋታት ኣብ ኣፍሪቃ ዝዝረቡ ቋንቋታት ሊንጋላ፣ ቲዊን ኦሮምኛን ትግርኛን ይርከቡዎም።
"ጉግል ትራንስሌት ንዓመታት፡ ናይ ቋንቋ ዕንቅፋታት ብምፍታሕ ኣብ ዙርያ ዓለም ዘለው ሕብረተሰባት ክቀራረቡ ገይሩ'ዩ" ይብል እቲ ኩባኒያ።
ሕጂ ድማ ነቶም ቋንቋታቶም "ኣብ መብዛሕትኡ ቴክኖሎጂ ዘይተወከሉ" ክሕግዝ ከም ዝደሊ ሓቢሩ።
እዞም ቋንቋታት ካብቲ ኣብ ሰሜን ህንዲ፣ ኔፓልን ፊጂን ኣስታት 50 ሚሊዮን ተዛረብቲ ዘለውዎ ቦጅፑሪ ክሳዕ እቲ ኣብ ማልድቪስ ኣስታት 300 ሽሕ ተዛረብቲ ዘለዎ ዲቬሪን ዝርከቡዎም እዮም።
መርበብ መተርጎሚ ጉግል፡ ነዞም ሕጂ ዝተወሰኹ 24 ቋንቋታት ሓዊሱ ካብን ናብን 133 ቋንቋታት ናይ ምትርጓም ኣገልግሎት ይህብ።
ኣገልግሎት ምትርጓም እቶም ሓደስቲ ቋንቋታት 'ማሽን ለርኒን' ብዝበሃል ሓድሽ ቴክኖሎጂ ከምዝትግበር ጉግል ኣፍሊጡ። ይኹን'ምበር፡ እቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ዝህቦ ትርጉም ፍጹም ከም ዘይኮነ ተኣሚኑ።
ስለዚ በዚ መጠቀሚ ዝስራሕ ትርጉም ቅኑዕ ድዩ?
ገለ ተዛረብቲ ብዙሕ-ቋንቋ ዝኾኑ ሰባት ድሮ ኣብቶም ኣብ 'ጉግል ትራንስሌት' ዘለው ቋንቋታት ናይ ትርጉም ጸገም ምህላው ኣስተብሂሎም ኣለው።
"ንብዙሓት ቋንቋታት፡ ዋላ'ውን እቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበዩ ከም ዮሩባን ኢግቦን ዝበሉ ቋንቋታት እቲ ትርጉም ጽቡቕ ኣይኮነን። ነቲ እትደልዮ ኣይነት ትርጉም ዝመሳሰል ትርጉም'ዩ ዝህበካ፤ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ሕመረት ናይቲ ቋንቋ ኣይረኽቦን" ክብል ተመራማሪ ጉግል ትራንስሌት ኢሳቅ ካስዌል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እዚ፡ ኣብቶም ሓደሽቲ ዝተወሰኹ ቋንቋታት'ውን ተመሳሳሊ ከም ዝኾነ ገሊጹ። እቶም ኣብዚ መጽናዕቲ ዝሓገዙ ሰባት ግን ንመጀመሪ ጽቡቕ ምዃኑ ሓቢሮም።
ኣብ 2020 ጉግል ትራንስሌት ሓሙሽተ ሓደሽቲ ቋንቋታት ወሲኹ ምንባሩ ይዝከር።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







