ባንኪ ዓለም ብጎንጽን ኲናትን ንዝተጎድኡ ኢትዮጵያውያን 300 ሚልዮን ዶላር ድጋፍ ኣጽዲቑ

ባንኪ ዓለም

ምንጪ ስእሊ, World Bank

ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ብኲናትን ጎንጽን ንዝተጎድኡ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ኢትዮጵያውያን መሐገዝን መጣየሽን ዝውዕል ልዕሊ 300 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዝመደበ ኣፍሊጡ፡፡

ባንኪ ዓለም፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኲናትን ጎንጽታትን ህይወት ክጠፍእ፣ ሰብኣዊ ቅልውላው ክፍጠር ከምኡ ድማ ናይ ውልቀን ህዝብን ትካላት ክዓንዉ ገይሮም ዝበለ ኮይኑ እቲ ኩነታት ብዙሓት ሓገዝ ክደልዩ ከምዝገበረ ሓቢሩ፡፡

ብተወሳኺ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ክፈናቐሉን ጾታዊ መጥቃዕቲ ክጋደድን ምኽንያት ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ኣካላውን ጾታውን መጥቃዕቲታት ከምዝተፈጸሙ ዝገልጹ ብዙሓት ጸብጻባት ከምዝወጹ ኣዘኻኺሩ፡፡

እቲ ሓገዝ ዓለምለኻዊ ማሕበር ልምዓት(ኣይዲኤ) ብዝበሃል መደብ ዝቐረበ ኮይኑ በቲ ጎንጺ ንዝተጎድኡ ክፋላት ማሕበረሰብ መሐገዝን መጣየሽን ዝውዕል ፕሮጀክት እዩ፡፡

ዕላማታት እቲ መደብ ህጹጽ ጠለባት ማሕበረሰብ ብቕልጡፍ ምፍታሕ፣ ብጎንጺ ዝዓነዉ ትሕቲ ቅርጺታት ዳግም ምጥያሽን እቲ ማህበረሰብ ብኲናት ከይጉዳእ ብዘላቕነት ንምጥያሽ ዝግበሩ ጻዕርታት ምሕጋዝን ከምዝኾነ ካብ ዓለም ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ብፍላይ ነቲ ማሕበረሰብ ብህጹጽ ዘድልይዎ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ከቕርብን ጸቕጢ ክሊማዊ ለውጢ ክጻወሩ ዝኽእሉ ትሕቲ ቅርጺታት መሊሱ ክሃንጽን እዩ ኢሉ፡፡

በዚ መሰረት ድሌት ናይቶም ብኲናት ዝተሃሰዩ ማሕበረሰባት ንምምላእ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ማይን ጽርየትን ዝህቡ ተንቀሳቐስቲ ትካላት ክህነጹ እዮም፡፡

ብተወሳኺ ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመን ኣካላት ካብ ዝበጸሐን ኣካላውን ስነልቦናውን ጉድኣት ክሓውያ ዝሓሸ ኣገልግሎትን ሓፈሻዊ ክንክንን ክረኽባን ከምዝግበር ባንኪ ዓለም ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ፕሮጀክት ሃገራዊ እኳ እንተኾነ ኣብ ፈለማ ግና ነቶም ኣብ ቀረባ ከቢድ ኲናትን ጎንጽን ዘተኣናገዱ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ዓፋር፣ ቤንሻንጉልን ኦሮምያን ቀዳምነት ክህብ እዩ፡፡

ትልምታት እቲ ፕሮጀክት ብቕልጡፍ ንምፍጻም ብፌደራል፣ ክልልን ማሕበረሰብ ተኮር ትካላትን ከምዝትግበር ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ኲናት ይካየደሎም ኣብ ዘሎ ከባቢታት ድማ ብዘይሻራዊ ሳልሳይ ወገን ክስራሕ እዩ፡፡

ኣብ 1960 ዝተጣየሸ ዓለምለኻዊ ማሕበር ልምዓት ባንኪ ዓለም(ኣይዲኤ)፡ ኣብ ድኻ ሃገራት ቁጠባ ዘመሓይሽ፣ ድኽነት ዝቕንስን ህይወት ማሕበረሰብ ንዘመሓይሹ ኣናእሽቱ ፕሮጀክትታት ብቁሩብ ወለድ ዝሕግዝን ከምዝኾነ ኣብ ድህረ ገጹ ይገልጽ፡፡

እቲ ማሕበር ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከባ 74 ድኻ ሃገራት ሓገዝ ዝገብር ኮይኑ፡ እተን 39 ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት ከምዝኾና ይሕብር፡፡