ላይበርያ፡ ኣብያት ማእሰርቲ ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ እሱራት ምቕባል ኣብየን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ላይበርያ ዝርከባ ኩለን እተን 15 ኣብያተ ማእሰርቲ ኣብዚ ሰሙን ሕጽረት መግቢ ከምዘጋጠመን ተገሊጹ።
ብሰንኪ እዚ ክልተ ኣብ ርእሰ ከተማ ሞንሮቭያ ዝርከባ ኣብያተ ማእሰርቲ: ሓደሽቲ እሱራት ከምዘይቕበላ ሰብ መዚ እተን ኣብያተ ማእሰርቲ ብወግዒ ሓቢሮም ኣለዉ።
እቲ ምኽንያት ኮይኑ ዝቐርብ ዘሎ ብዙሕ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ግን ንኣብያት ማእሰርቲ ንመግቢ እሱራትን ንመሳለጥያን ዝውሃበን ዝነበረ ምወላ ደው ብምባሉ እዩ ተባሂሉ እዩ ተገሊጹ ዘሎ።
እንተኾነ ላዕለዋይ ዳይረክተር ኣብያት ማእሰርትታት ላይበርያ ሰይንለሰ ክዋይዳ ብሰኑይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ መንግስቲ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ኩሉ ዝክኣሎ ይገብር ምህላዉ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ሓላፊ፡ ደሕሪ ዝተገበረ ምዝርራብ እተን እሰራት ምቕባል ኣብየን ዝነበራ ኣብያት ማእሰርቲ እሱራት ክቕበላ ከምዝተሰማማዓን ንኹለን ኣብያት ማእሰርቲ መግቢ እሱራት ክዕደለን ከምዝጀመረን ኣብሪሁ።
ሓደ ሓላዊ እሱራት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ እሱራት ምቕባል ከምዝኣበዩ ብምሕባር፡ ብሰንኪ ጥምየት ሕርቓን ዘለዎም እሱራት ኣብያት ማእሰርቲ ሰይሮም ከይሃድሙ ስግኣት ከምዘለዎም'ውን ገሊጹ።
ሓደ ኣብ ሞንሮቭያ ንእሱራት ብወለንትኡ ወትሩ ስሩሕ መግቢ ብምቕራብ ዝፍለጥ ብዓል ጸጋ፡ ሕጂ'ውን ብዝተዓጸጻፈ ንእሱራት መግቢ ኣብ ምቕራብ ይነጥፍ ምህላዉ ይግለጽ።
ብዙሓት ሓለውቲ እሱራትን ምምሕዳር እተን ኣብያት ማእሰርትን፡ መንግስቲ ኣብ ኣተሓሕዛ እተን ኣብያተ ማእሰርቲ ሸለልትነት የርኢ ምህላዉ'ዮም ዝነቕፍዎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







