ንኣይኤስ ናይ ፕሮፓጋንዳ ቪዲዮታት ዝተረኸ ካናዳዊ ኣብ ኣመሪካ ተኸሲሱ

ምንጪ ስእሊ, ISD
ንእስላማዊ ጉጅለ ፕሮፖጋንዳ ዝውዕል ናይ ቪድዮ ድምጺ ዝተረኸ ካናዳዊ ብኣመሪካ ተኸሲሱ።
ትውልዲ ዓዱ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝኾነ መሃመድ ከሊፋ: ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ውሽጢ ሶርያ ብኩርዳውያን ብዝምራሕ ሚሊሻ ምስ ተትሓዘ እዩ ንኤፍ.ቢ.ኣይ ተመሓላሊፉ ተዋሂቡ።
ዓቀብቲ ሕጊ፡ እዚ ወዲ 38 ዓመት ውልቀሰብ ብድሕሪ ዓመጽ ዘሎ ሰብ እዩ ክብሉ ኣረዲኦም።
እቲ ውልቀሰብ፡ ቪድዮታት ምትርጓምን ምትራኽን ስራሕቲ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ተዋጋኣይ እዩ ነይሩ።
“ንኣሸባሪ ጉጅለ ንዋታዊ ድጋፍ ብምግባር” ብዝብል ክሲ ኣብ መጻኢ ሰሙን ኣብ ቤት ፍርዲ አመሪካ ክቐርብ እዩ።
መሓመድ ካሊፋ ኣብ ቀይዲ ምስ ወዓለ ምስ ሓደ ጋዜጣ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሓትት፡ “ንሱ ተራ ተዋጋኢን ድምጺ ኣይኤስን” ከምዝነበረ ኣሚኑ ኣሎ።
ኣብቲ ቪድዮ ብዝረተኾም ኣዝዮም ዘስካሕኽሑ ተርእዮታት ድማ፡ “ኣነ ዝኾነ ተራ ኣይነበረንን” ክብል ተኸራኺሩ።
መሓመድ ከሊፋ፡ ብ2013 እዩ ካናዳ ገዲፉ ናብ ሶርያ ብምኻድ ናብ ኣይኤስ ተሓዊሱ።
ኣብኡ ድማ፡ ናይቲ ጉጅለ ዋና ናይ ፕሮፖጋንዳ ኣባል ኮይኑ፡ ነዚ ድማ ቋንቋ ዓረብኛን እንግሊዝኛን ስለዝኽእል ከምዝኾነ መምርሒ ፍትሒ ኣመሪካ ገሊጹ።
መሓመድ ገበነኛ ኮይኑ እንድሕር ተረኺቡ ዕድመ ይፍታሕ ማእሰርቲ ክብየኖ ይኽእል እዩ ተባሂሉ።
እቲ ጉጅለ ኣብ ዒራቕን ሶርያን መሰረቱ እንተስፍሕ፡ ርእሲ እንትቑረጽ ሓዊሱ ዘርእዩ ኣዝዮም መስካሕኻሕቲ ቪድዮታት ከም ፕሮፖጋንዳ ይጥቀመሎም ነይሩ።
እንተኾነ ካብ 2017 ጀሚሩ እቲ ጉጅለ እቶም ተቖጀጻጺርዎም ዝነበሩ ግዝኣታት ምስ ሰኣነ፡ ናይቲ ፕሮጋንዳ ጻዕሪ ነክዩ ነይሩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







