ን16 ዓመታት ምስ ርያል ማድሪድ ዝተጻወተ ሰርጆ ራሞስ ካብታ ጋንታ ተፋንዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምስ ርያል ማድሪድ ን16 ዓመታት ዝተጻወተ ስጳኛዊ ተኸላኻላይ ሰርጆ ራሞስ ካብታ ጋንታ ከምዝተፋነወን እታ ጋንታ ንሓሙስ ናይ መፋነዊ ስነስርዓት ሰሪዓ ከምዘላን ተገሊጹ።
ሓለቃ ሃገራዊት ጋንታ ስጳኛን ርያል ማድሪድን፡ ራሞስ ኣብዚ ሕጂ እዋን ወዲ 35 ዓመት እዩ።
ኣብ 2005 ወዲ 16 ዓመት እንከሎ ካብ ጋንታ ሰቪላ ናብ ርያል ማድሪድ ምስ ተጸንበረ ኣብ ዘሓለፈ 16 ዓመታት ምስ ርያል ማድሪድ ብምዃን 5 ዋንጫ ላሊጋ፡ 4 ዋንጫ ጎባልል ክለባት ኣውⶂፓ [ቻምፕዮንስ ሊግ] ዝርከብዎም 22 ዋናጫ ተዓዊቱ።
ሰርጆ ራሞስ ምስ ርያል ማድሪድ ኣብ 671 ጸወታታት ክስለፍ እንከሎ 101 ሸቶታት ከኣ ኣመዝጊቡ።
ራሞስ ምስ ርያል ማድሪድ ዝነበሮ ውዕል ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ እዩ ዘብቅዕ።
ሓደ ዓለምና ካብ ዝርኣየቶም ዝበለጹ ተኸላኸልቲ ዝኸነ ራሞስ፡ ኣብቲ ዝጻወተሉ ምክልኻል ከይተዓግተ ናብ ማእከል ሜዳ ተርጊኡ ብምእታውን ብርእሱ ብሉጻት ሽቶታት ኣብ ምምዝጋብን'ውን ንርያል ማድሪት ብዓል ውዕለታ እዩ ነይሩ።
ራሞስ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ስጳኛ ብምኳን'ውን 180 ዋንጨታት ተዓዊቱ'ዩ።
ኣብ 2008 ከምኡ'ውን 2012 ምስ ሃገራዊት ጋንትኡ ብምኳን ዋንጫ ሃገራት ኣውሮፓ ክዕወት እንከሎ፡ ኣብ 2010 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተካየደ ዋንጫ ዓለም'ውን ምስ ሃገራዊት ጋንትኡ ብምዃን ተዓዋቲ ዋንጫ ዓለም ክኸውን ክኢሉ እዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







