ኮሮናቫይረስ፡ ክታበት ፒፋይዘር ኣብ ፍርጅ ንነዊሕ ክዕቀብ ከምዝኽእል ክኢላታት ሓቢሮም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ክኢላታት ምቁጽጻር መድሃኒት ሓብረት ኣውሮጳ፡ ክታበት ፒፋይዘር ኣብ ፍርጅ ንነዊሕ እዋን ክዕቐብ ከምዝኽእል ገይሩ ተሰሪሑ ከምዘሎ ገሊጾም።
ኣጄንሲ ምቁጽጻር መድሃኒት ኣውሮጳ፡ እቲ ክታበት ሓንሳብ ምስ መኸኸ፡ እቲ ዘይተኸፈተ ክታበት ዝሓዘ ጠራሙዝ ኣብ ፍርጅ ክሳብ ሓደ ወርሒ ክጸንሕ ከምዝኽእል ገሊጹ ኣሎ።
ቅድሚ ሕጂ ግን እቲ ክታበት ሓንሳብ ምስ መኸኸ ልዕሊ ሓሙሽተ መዓልታት ክጸንሕ ከምዘይብሉ እዩ ክሕበር ጸኒሑ።
ክታበት ፒፋይዘር ምስ መኸኸ ክሳብ ሓደ ወርሒ ኣብ ኣፍርጅ ክጸንሕ ምኽኣሉ፡ ነቲ ኣብ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ምክፍፋል እቲ ክታበት ኣጋጢምወን ዘሎ ዝሕታለ ፍታሕ ከምጽኣለን ከምዝኽእል እዩ ተገሚቱ ዘሎ።
ክታበት ፒፋይዘር ካብን ናብን ንኽንቀሳቐስ ኣዝዩ ዝሑል መጽንሒ ስለዘድልዮ ኣብ ምክፍፋሉ ሓደ ካብ ማሕለኻታት ኮይኑ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ብሰንኪ እቲ ዘድልዮ ኣዝዩ በረዳዊ ዝኾነ መኸዘኒ፡ ክታበት ፒፋይዘር ኣብ ኩሉ ንኽባጻሕ ኣጸጋሚ'ዩ ኮይኑ ጸኒሑ።
ክታበት ፒፋይዘር ካብን ናብን ንክንቀሳቐስ ኣብ ኣሉታ 60 ክሳብ ኣሉታ 80 ዛሕሊ ኣብ ዘለዎ መኸዘኒ ክዕቀብ ከምዘለዎ እዩ ዝግለጽ።
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ግን ኣብ ወርሒ ለካቲት እቲ ክታበት ኣብ ኣሉታ 15 ክሳብ ኣሉታ 25 መጠነ ዛሕሊ ክንቀሳቐስ ከምዝክል ኣጽዲቓ።
ሃገረ ካናዳ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ክታበት ፒፋይዘር ካብ 12 ክሳብ 15 ንዝዕድሚኦም ህጻናት ክውሃብ ከምዝኽእል ዘጽደቀት ናይ መጀመርታ ሃገር ኮይና ኣላ።
ከም ብዓል ኣመሪካ፤ስዊዘርላንድን ካልኦትን'ውን ነቲ ናይ ካናዳ ሓሳብ ይኽተለኦ ኣለዋ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







