ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ መኪና ብዝተጻወደ ፈንጂ 30 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣብ መኪና ብዝተወጻወደ ፈንጂ 30 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Killed Group

እቲ ኣብ መኪና ዝተጻወደ ነታጕ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ሓደ ጥቃ ናይ ኣጋይሽ መዕረፊ ከምዝተፈንጀረ ዝተገልጸ ኮይኑ፡ ተምሃሮ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣብ ዘዕረፍሉ ካባቢ እዩ ተፈጺሙ። ብሰንኪ እቲ ዝተፈንጀረ ነትጕ 30 ሰባት ሞይቶም ብዙሓት ድማ ተጎዲኦም።

ናሕሲ ገዛውቲ ወዲቖም ግዳያት እቲ ሓደጋ ድማ ኣብ ትሕቲ ስብርባር ናውቲ ከምዝተረኸቡ መሰኻኽር ዓይኒ ገሊጾም።

ኣብቲ ኣብ ወርሒ ጾመ ሮሞዳን ዝተፈጸመ ሓደጋ “ኣነ እየ ፈጺመዮ” ኢሉ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን። ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ህንጻታት እንኮላይ ከምዝዓነዉ ተፈሊጡ’ሎ።

ካብቶም ህይወቶም ዝስኣኑ ሰባት ተምሃሮ ከምዝርከብዎም ዝሓበረ ሓላፊ ቤት ምኽሪ ወረዳ ሎጋር፡ ሂዝቡላሕ ስታንካዛይ ናብ ዩኒቨርስቲ መእተዊ ፈተና ክፍትኑ ኣብ ምድላዋት ከምዝነበሩ ገሊጹ።

በቲ ሓደጋ 90 ሰባት ከምዝትጎድኡ ወሃቢ ቃል ድሕነት ውሽጢ ዓዲ ጣሪቕ ኣርያን ኣፍሊጡ። ኣብ ሆስፒታላትን መንበሪ ገዛውትን እውን ልዑል ጉድኣት ከመዝበጽሐ ተገሊጹ’ሎ።

ናይ ህይወት ኣድሕን ሰብ ሞያ ካብቲ መጥቃዕቲ ንዝተረፉ ሰባት ከድሕኑ ላዕልን ታሕትን ይብሉ ከምዘለዉ ይግለጽ።

ግዳያት ካብ ፍርስራስ ነገራት ተሳሒቦም ክወጽኡ እንከለዉ ዘርእይ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ብሰፊሑ ተራእዮም።

እቲ ኣብ መኪና ዝተጻወደ ፈንጂ ኣብ ጥቓ መንበሪ ገዛ ናይ ቀደም ኣማሓዳሪ እቲ ከባብን ሆስፒታል ዲዳር ላዋንግን ከምዝኾነ እቲ ወሃቢ ቃል ጠቒሱ።

ኣብ ካቡል ዝርከብ ኤምባሲ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ ደው ክብል ኣለዎ ብምባል ኮኒንዎ።

እቲ መጥቃዕቲ ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ንምውጻእ ሓደ መዓልቲ ምስተረፎም እዩ ተፈጺሙ ዘሎ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ኣብ መፈለምታ ናይዚ ወርሒ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝዓስከረ ኩሉ ወተሃደር ኣመሪካ ክሳብ ወርሒ መስከረም 11 መሊኦም ከምዝወጽኡ ምፍላጡ ዝዝከር እዩ።