ባህሊ ኢትዮጵያውያን ዘላሊ ‘ኩኩሉ’

ምንጪ ስእሊ, Qene Games
ኣብ ግዜ ኣውድኣመት ዝዓደግካያ ደርሆ እንተምለጥትካ ኸ? ብመንጽር ናይታ ደርሆ ሓሲብካዮ’ዶ ትፈልጥ? እታ ደርሆ ንድመቀት እቲ ኣውድኣመት ስለተድልየካ ተጓይኻ ክትሕዛ ኢኻ። እታ ደርሆ ብግዲኣ ህይወታ ክተድሕን ክትብል ክትመላጠጥ እያ።
ቅኔ ጌምስ ዝተብሃለ ሓደ ኢትዮጵያዊ ኩባንያ ‘ኩኩሉ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጸወታ ዘማዕበለ ኮይኑ ንዓኻ ናይታ ደርሆ ገጸ ባህሪ ከላብሰካ እዩ። እቲ ጌም ንስኻ ከም ደርሆ ኮይንካ በዓል ዋና ድማ ንዓኻ ንምሓዝ ከጓይየካ እንከሎ ዝገጥሙኻ ጸገማት ሓሊፍካ ክንደይ ዝኣክል ርሕቐት ትጉዓዝ እዩ ብሓጺሩ።
መዓበይ ኢትዮጵያ
ኣብቲ ኩኩሉ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ሞባይል ጸወታ፡ ደርሆን በዓል ዋናን ኣብ ዝጓየይሉ መገዲ ኢትዮጵያውያን ዝፈልጥዎም ኣነባብራ መይላ ኢሉ’ውን ባህልን ሓድግታትን ይረኣዩ።
ናይቲ ጌም ዘማዕበለን ዋና ኣካያዲ ስራሕ ቅኔ ጌምስን ኣቶ ዳዊት ኣብርሃም፡ ኣብ ሕድሕድ ምምዕባል እቲ ጌም፡ ሓሳባት ኢትዮጵያ ከምኡ’ውን ኣፍሪቃ ኣጥዮሙ እዮም። ኣብ መንጎ እቲ ጸወታ ጎጆ ቤት፣ ዝተሰጥሑ ክዳዉንቲ፣ ጀበናን ሓድግታት ከምዝርኣዩ ዝሓበረ ኣቶ ዳዊት ኣልባሳትን ሙዚቃን ኢትዮጵያ ዝሓዘ ምዃኑ ኣብሪሁ።
ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ጌም ከኣ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ባህልን ጥበባትን ንዓለም ንምልላይ ከምዝኾነ ተዛሪቡ። እቲ ጌም ብቋንቋታት ኣምሓርኛ፣ ትግርኛ፣ ኣፋን ኦሮሞን ኢንግሊዘኛን ንምጥቃም ዘኽእል ኣማራጽታት ዘለዎ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Kene Games
ፀዋታ ኩኩሉ ኣብ 2018 ኣቆጻጽራ ኣውሮፓውያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተኻየደ ናይ መዛነይ መተግበርታት ተዓዊቱ'ዩ። ባዕሉ ዘማዕበሎ መተግበሪ ሞባይል ክዕወት እዩ ዝብል ግምት ከምዘይነበሮ ዝገልጽ ኣቶ ዳዊት “ኣብቲ ውድድር ዓበይቲ ኩባንያታት ይሳተፉ ስለዝነበሩ ክንዕወት ኢና ኢለ ኣይተጸበኹን ነይረ፣ እንተኾነ ግን ተዓዊትና” ይብል።
ገበጣ እቲ ካልእ ጌም
ዳዊት ካብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ብ’ኤሌትሪካል ኤንድ ኮምፒዉተር ኢንጅነሪንግ’ ዝተመረቐ ኮይኑ ኩኩሉ ጌም ናይ ምምዕባል ሓሳብ ዝተጀመረ ተመራቒ ተምሃራይ እንከሎ እዩ ነይሩ።
ውጽኢት ኩኩሉ ርእዩ ምስ ካልእ መሓዝኡ ብምዃን ዘጣየሾ ትካል ድማ ዛጊድ ኣርባዕተ ዓመታት ኮይኑዎ’ሎ። እቲ ኩባንያ 8.6 ሚልዮን ኢንቨስትመንት ከምዝተገበረሉ’ውን ዳዊት ሓቢሩ።
እቲ በኩኩሉ ዝተጀመረ ሓሳብ ናብ ካልእ ገበጣ ዝተብሃለ ጌም ተሰጋጊሩ። “ቀንዲ ሓሳብ ገበጣ ወሲድና እቶም ደቂ ሎሚ ክጥምዎ ናብ ዝኽእልሉ ኢና ቀይርናዮ” ዝብል ኣቶ ዳዊት ሓደሽቲ ሕግታትን መምርሕታትን ከምዝተወሰኾ ኣብሪሁ።
እዚ ናይ ገበጣ ጌም ካብ ብዓንተውኡ ውጽኢታዊ ከምዝነበረን ውጽኢታዉነቱ ዝተዓዘቡ ናይ ጌም ኣማዕበልቲ ትካላት ብሓባር ናይ ንስራሕ ሕቶ ከምዘቕረብሎም ሓቢሩ። ከም ሓበሬታ ኣቶ ዳዊት እንተድኣኾይኑ “ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ዝመደብሩ ‘ኬሪፈረስት’ ውዕሊ ኣሲርና ኣለና። ነቲ ጌም ወሲዱ ብደረጃ ዓለም ኣሐቲሙ መሸጥኡን መላለይን ንኽሰርሕ ኢና ተሰማሚዕና”።
ዋና ስራሕ ኣፈጻሚ ኣሕታሚ ጌማት ‘ኬሪፈረስት’ ኮርዴል ሮቢን ኮኮር “ገበጣ ኣብ ኣፍሪቃ ጥራይ እንተይኮነስ ኣብ ምሉእ ዓለም ተፈታዊ ከምዝኸውን እምነት ኣለኒ” ክብል ንኣሰሽየትድ ፕረስ ምግላጹ ዝዝከር እዩ። ብተወሳኺ እቲ ኩባንያ ኣብ ናይ ኢትዮጵያውያን ባህልን መግብታትን ዘተኮረ ‘ፈታ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ጌም ኣማዕቢሉ’ዩ።
ናይ ሞባይል ጸወታ፣ ባህልን ዝፈጥሮ ዕድል ስራሕን
ጌም ዘበናዊ ጥበብ ከምዝኾነ ዝኣምን ኣቶ ዳዊት፡ መንነትካ እትገልጸሉ መይላ ክኸውን ከምዝኽእል የረድእ። “ዕሸላት ብቋንቁኦም እናውግዑ ብቋንቁኦም ዘሕጉሶም ነገር እናረኣዩን ታሪኾም እናፈለጡን እንተዓብዮም ንገዛእ ርእሶም ዘለዎም ክብሪ ሓፍ ይብል” ክብል ድማ ከም ማሕበረሰብ ዘለዎ ረብሓታ የብርህ።

ምንጪ ስእሊ, Dawit
በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ናይ ጌም ዓውዲ ብዓለም ለኸ ደረጃ ብብልዮናት ዝግመት ገንዘብ ዝንቀሳቐሰሉ ከምዝኾነ ዝዛረብ ዳዊት፡ ሸርፊ ወጻኢ’ውን ክርከቦ ከምዝኽእል እዩ ዝኣምን። እዚ ንምግባር ዘድልዩ ነገራት ድማ ኮምፒዉተርን ኢንተርኔትን ጥራይ እዩ ዝሓትት።
ቅኔ ጌምስ ናይ ኢትዮጵያውያን ባህላዊ ጸወታታት ብዓለም ለኸ ደረጃ ተፈተውቲ ጌርካ ናይ ምቕራብ ዕላማ እዩ ዘለዎ። እንተኾነ ግን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሞባይል መተግበሪ ኣማዒብልካ ዝፍጸም ክፍሊት ንምርካብ ዘኽእል ስርዓት ብዘይምህላዉ እቲ ስራሕ ፈታኒ ከምዝገበሮ ኣቶ ዳዊት ገሊጹ።
ርሑስ በዓል ትንሳኤ ይግበረልኩም!




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







