ትግራይ፡ ተወሰኽቲ ከተማታት ኣገልግሎት ስልኪ ረኺበን

ምንጪ ስእሊ, ETHIOTELECOM
ኢትዮ-ቴሌኮም፡ ኣብቲ ትሕተ ቕርጺ ዝበጽሐ ጉድኣት ናይ ጽገና ስራሓት ብምክያድ ገለ ከተማታት ትግራይ ኣገልግሎት ስልኪ ክረኽባ ክረኽባ ከምዝጀመራ ገሊጹ።
እቲ ኩባንያ ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ክሳብ ሕዚ 363 ጣብያታት ግቡእ ናይ ጽገና ተገይሩለን ክሰርሓ ከምዝጀመራ ሓቢሩ።
በዚ መሰረት ገለ ተወሰኽቲ ከተማታት ማእከላይ ዞባ ትግራይ ናይቲ ኣገልግሎት ተረባሕቲ ከምዝኾና ቢቢሲ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
ኣብ መንጎ ሓይልታት ፌዴራል መንግስትን ህወሓትን ድሕሪ ዝተወለዐ ጎንጺ፡ ኣገልግሎት ቴሌፎን ሓዊሱ፡ ንዝሓለፉ ልዕሊ 90 መዓልታት ኣብ ዝበዝሕ ክፋላት ትግራይ ዝኾነ ዓይነት ኣገልግሎት ርክባት ተቛሪጹ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ። ብዙሓት ድማ ኩነታት ስድረኦምን ፈተውቶምን ከሻቕሎም ጸኒሑ።
ብፍላይ ድማ ማእከላይ ዞባ ትግራይ ካብ ኩሉ ዓይነት ርክባት ተቛሪጹ ስለዝጸንሐ ብዙሓት ክጭነቑ ጸኒሖም እዮም።
መንግስቲ ፌዴራል፡ ጠንቂ እቲ ዘጋጠመ ምቁራጽ ኣገልግሎታት፡ ኣብቲ ክልል ኣብ ስልጣን ዝነበረ ሓይሊ ህወሓት ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት ዘብጽሖ ጉድኣት ከም ዝኾነ ይኸስስ።
ህወሓት'ውን ተመሳሳሊ ክስታት የቕርብ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብዚ እዋን፡ ኣብቲ ዞባ ዝርከባ፡ ከም በዓል ዓድዋ፣ ኣክሱም፣ ሽረ እንዳስላሰ፣ ቤተመራ፣ ውቕሮማራይን ሰለኽለኻን ዝኣመሰላ ከተማታት ናይቲ ኣገልግሎት ተረባሕቲ ከምዝኾና እቲ ትካል ሓቢሩ።
ብዘይካ'ዚ ኣብቲ ክልል ዝተቋረጸ ኣገልግሎት ባንኪ ንምጅማር፡ ኣብ ከባቢ ከተማታት ሽረ እንዳስላሰ፡ ኣክሱምን ዓድዋን ዝርከቡ ባንክታት ናይ ብሮድባንድ ኢንተርነት ኣገልግሎት ምርካቦም እቲ ትካል ሓቢሩ ኣሎ። ድሮ ከተማታት ዓዲ-ግራትን መቐለን ናይቲ ኣገልግሎት ተጠቀምቲ ኮይነን ጸኒሐን እየን።
እንተኾነ እቲ ስራሕቲ ጽገና መሊኡ ከምዘይተዛዘመ ዝገለጸ እቲ ኩባንያ፡ እቲ ኣገልግሎት ናይ ጽሬት ጸገምን ምቁርራጽን ከጓንፍ ከምዝኽእልን ሓቢሩ ኣሎ።

ሻቕሎታት ነበርቲ እቲ ክልል
ቢቢሲ ናብ ገለ ኣብተን ኣገልግሎት ስልኪ ተጀሚሩለን ዝተብሃለ ከተማታት ስልኪ ብምድዋልን ዝደወሉ ሰባት ብምዝራብን ከረጋግጽ ዝፈተነ ኾይኑ፡ ኣብ ገለ እተን ከተማታት እቲ ኣገልግሎት ናይ ተንቀሳቓሲ ቴሌፎን ከምዝጀመረ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
እንተኾነ ካብተን ዝተጠቕሳ ከተማታት ውጽእ ኢለን ኣብ ዝርከባ ከባብታት ገጠር እቲ መስመር ከምዘይሰርሕ ተረዲኡ።
ኣብ ደገ ዝርከቡን ካብ ከባቢኦም ርሒቖም ዝርከቡን ተወለድቲ እቲ ክልል፡ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ድምጺ ስድረኦምን ፈተውቶምን ምስማዕ ከምዝኸኣሉ ንቢቢሲ ገሊጾም።
መብዛሕተኦም፡ እቲ ጎንጺ ስዒቡ እቲ ኣገልግሎት ስልኪ ምሰተቛረጸ፡ ኣባላት ስድረኦምን ፈተውቶምን ዝርከብሉ ኩነታትን ድሕነቶምን ኣስጊኡዎም ከምዝጸንሑ፡ ብዝተፈላለዩ መገድታት ሻቕለቶም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
ብዙሓት፡ ምስቲ ዝኾነ ይኹን ርክባት፡ ኮነ ኣገልግሎት ባንኪ ምቁራጹ ስዒቡ፡ ስድረኦም ብጥሜት ከይሃልቁ ሰጊኦም ዝነበሩ እንትኸውን፡ ክሕግዝሉ ዝኽእሉ መገዲ’ውን ከምዘይነበረ ይዛረቡ።
ካብቶም ቢቢሲ ዘዘራሮቦም ኣብ ደገ ዝነብር፡ ተወላዲ ሽረ እንዳስለሰ፡ “ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ይስመዐኒ ነይሩ። ስድራይ ሞይቶም እዮም ዝኾኑ ዝብል ስግኣት’ውን ነይሩኒ” ኢሉ።
ምስቲ ጎንጺ ተኣሳሲሩ፡ ገለ ህይወቶም ናይ ዝሰኣኑ ኣባላት ስድረኦምን ኣዕርኽቶምን፡ ሞቶም ድሕሪ ኣዋርሕ ዝተረድኡ'ውን ኣለዉ።
ሓደ ናብ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳሰላሰ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ ደዊሉ፡ ገዝኡ ጉድኣት ዝበጽሖ ዝፈለጠ ኣብ ደገ ዝነብር ተወላዲ እቲ ከባቢ፡ ስድርኡ ኣብዝሓ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ከባብታት ገጠር ከምዘሕለፍዎ ይዛረብ።
“ከምኡ ኾይኑ’ውን ድምጺ ስድራቤተይ ምስመዐይ ቀሊል ኣይኮን” ኢሉ።
ኣብዚ እዋን፡ ውስን ምርግጋዕ ከምዘሎን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ከተማ ተመሊሶም ክነብሩ ጀሚሮም ከምዘለዉን ከምዝሓበርሉ ይዛረብ።

ቅድም ክብል፡ ምውላዕ እቲ ጎንጺ ስዒቡ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ ምስ ተቖጻጸረ፡ ኣብ ደቡብን ምዕራብን ትግራይ፡ ኢትዮ ቴሌኮም፡ እቲ ጽገና ኣካይዱ ኣገልግሎት ስልኪ ክጅማር ምግባሩ ዝዝከር እዩ።
ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ድማ፡ ካብ መቐለ ናብ ዓዲ ግራት ዝወስድ ኣብ ምብራቓዊ ዞባ ትግራይ ዝርከባ ሒደት ከተማታት፡ኣገልግሎት ስልኪ ምርካበን ዝዝከር እዩ።
ስለዝኾነ ድማ፡ ከም በዓል ከተማታት ውቕሮ፣ ኣጉላዕ፣ ነጋሽ፣ ስንቃጣ፣ ዕዳጋ ሓሙስን ዓዲግራትን ናይቲ ኣግልግሎት ተረባሕቲ ኮይነን ቀንየን እየን። ርግጽ እቲ ኣገልግሎት ጽሬት ከምዘይብሉን ከምዝቆራረጽን ተጠቀምቲ ይዛረቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







