ናዕቢ ቱኒዛውያውያን እንትቕጽል፡ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰባት ተኣሲሮም

ቱኒዝያ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ፖሊስ ቱንዝያ ኣብቲ ራብዓይ መዓልቲ ኣቑፂሩ ዘሎ ናዕቢ፡ 600 ሰባት ከምዝአሰረ ኣፍሊጡ።

ትማሊ ሰኑይ ድማ፡ ብዙሓት ቱኒዛውያን መናእሰይ ብምትእኽኻብ ኣብ ጎደናታት ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ቱኒዝ፡ ናብ ፖሊስ እምኒን ተባራዕቲ ነገራትን ክድርብዩ ተራእዮም።

ኣካላት ፀጥታ ብወገኖም፡ ነዞም ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ትክን ሓያል ድፍኢት ዘለዎ ማይን ተጠቒሞም።

ብቁጠባዊ ፀገም ትሕቆን ዘላ ቱኒዝያ፡ ሲሶ መናእሰይ እታ ሃገር ሸቕሊ ኣልቦ እዮም፤ እዚ ዝወለዶ ሕርቃን ከኣ፡ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት መናእሰይ ናብ ኣደባባይ ወጺኦም ክቃወሙ ጠንቂ ከምዝኾነ ይግለፅ።

ብፍላይ ድማ፡ ኣብዚ ግዘ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ እቲ ዝነበረ ቁጠባዊ ቅልውላው ዓሪጉ እዩ።

እዚ ናይ ሕዚ ናዕቢ፡ ድሕሪ እቲ ከም ቀንዲል ቀውዒ ዓረብ ዝረአይን ኣብታ ሃገር ዲሞክራሲ ዝወለደን ሰውራ ቱኒዛውያን፡ ድሕሪ 10 ዓመታት እዩ ዝካየድ ዘሎ።

ትማሊ ሰኑይ ካብ ርእሰ ከተማ ቱኒዝ ብተወሳኺ፡ ኣብ ከተማታት ካሰሪን፣ ጋፍሳ፣ ሳውስን ሞናስትሪን ጎንፅታት ከምዝነበሩ ተገሊፁ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር፡ እቶም ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚሩ ዝተኣሰሩ መናእሰይ፡ ኣብ ምዕናውን ምዝማትን ዝተዋፈሩ ከምዝኾኑ ገሊፁ።

ወሃቢ ቃል ካህሊድ ሓዮኒ፡ ኣብዚ ናዕቢ ክልተ ፖሊስ ከምዝተጎድኡን እዚ ምስ ሰልፊ ተቓውሞ ዘራኽብ ከምዘይብሉን ከኣ ተዛሪቡ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብወገኑ፡ ሰብመዚ ግዱብ ሓይሊ ክጥቀሙን፡ ሰብኣዊ መሰል እቶም ዝተኣሰሩ ተቓወምቲ ከኽብሩን ፀዊዑ ኣሎ።

ቅድሚ 10 ዓመታት ውልቀ መላኺ ዘይን ኣል ኣበዲን ቤን ዓሊ ብሰውራ ቱኒዛውያን ካብ ወንበሩ ተገሊፉ ናብ ስዑድ ዓረብ ምስ ሃደመ፡ ቁፅሪ ብሸቕሊ ኣልቦነትን ትሑት ህዝባዊ ኣገልግሎትን ዝሓርቁ ኣእላፍ ቱኒዛውያን እናወሰኸ መፂኡ ኣሎ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 2020 ቁጠባ ቱኒዝያ ብ 9 ሚእታዊት ዘንቆልቆለ እንትኸውን፡ ዋጋ ሸቐጣት እውን ኣዝዩ ተወንጪፉ።

ቀንዲ ዓንዲ ሑቐ ቁጠባ እታ ሃገር ዝኾነ ኢንዳስትሪ ቱሪዝም’ውን እንተኾነ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ለሚሱ እዩ።