እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ሰባት
ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣፍንጫኩም ክንጸገልኩም ዶ ፍቓደኛታት ምኾንኩም? ንስነፍልጠታዊ ምርምር ፈተነ ክታበት ኮቪድ-19፡ ነዚ ተግባር ፍቃደኛታት ዝኾኑ ብዙሓት እዮም።
እቶም ወለንተኛታት መስርሕ ምምዕባል እቲ ክታበት ንምቅልጣፍ፡ “ፈተነ ብድሆ” ኣብ ዝተባህለ መስርሕ ክሳተፉ እዮም።
ግና ፈተነ ብድሆ ደቂሰብ እንታይ እዮም፡ እንታይ ሓደጋታት ከ ክሕልዎም ይኽእል? ካብ ዙርያ ዓለም ሽዱሽተ ወለንተኛታት ኣዘራሪብና ኣሎና።