ፎከስ ኦን ኣፍሪካ: 60 ዓመት ኣቑጺሩ ኣሎ! ነዚ በዓል ኣብ ንጽምብለሉ ዘሎና እዋን፡ ነቶም ብድሕረ መጋረጃ ዘለው ጋዜጠኛታት ተላለይዎም።
ቅኑዕ ኣለኻ
ጽቡቕ ፈተነ። እቲ ቅኑዕ መልሲ
ቢልኪሱ ላባራን፡ ናይጀርያዊት ኮይና፡ ኣብ ፎከስ ኦን ኣፍሪካ ናይ ዜና ኤዲተር እያ። ንሳ ኣብ ፎከስ ንነዊሕ ዓመታት እያ ሰሪሓ። "ኣብ 2010 ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ጋና ንዝነበረ ፕሮፌሰር ጆን ኣታ ሚልስ ቃለመሕትት ክገብረሉ ከለኹ፡ ብዛዕባ እቲ ተነቃፊ ዝነበረ ጥዕንኡ ዝምልከት ሕቶ ከየልዕል፡ መሳርሕቱ ብጽኑዕ ኣጠንቂቖምኒ። ስለዚ ኣየልዓልኩሉን። እንተኾነ ግና ከም ፍሉጥ ስፖርተኛ ስለምንታይ ንርእሱ ካብ ስፖርት ከም ዘግለለ ሓቲተዮ። ምላሹ ምቕሉል እዩ ነይሩ፤ እቲ ካብ መሳርሕቱ ዝረኸብክዎ ግብረ መልሲ ግና ኣዘራራቢ ኮይኑ ነይሩ።"
ካትሪን ፌሎውስ ኣብ በቢሲ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ኣብ ሰነዳውን ናይ ስነጥበብን መደባት ንብዙሕ ዓመታት ኣዳላዊት ኮይና ሰሪሓ። ንሳ ኣብዚ እዋን ኣብቲ ብዲጄ ኤዱ ዝቐርብ "ዚስ ኢዝ ኣፍሪካ" ኤዲተር መደብ ሙዚቃ እያ።
ቦላ ሞሱሮ፡ ንፎከስ ኣብ 1992 እያ ተጸምቢራ፤ ኣብዚ እዋን ሓንቲ ካብቶም ቀንዲ ኣቕረብቲ መደብ እያ። "ደጊም ሓንቲ ቃለመሕትት ናይ ምግባር ዕድል እንተዝረክብ፡ ንፌላ ኩቲ ምገበርኩሉ። ንሱ ኣብ 90ታት ኣብ ብሪጣንያ ዑደት ኣብ ዝገብረሉ ዝነበረ፡ ድሕሪ ናይ በርሚንግሃም ሙዚቃዊ ምርኢት ከዘራርበና ምዃኑ ነጊሩና። ኣዝየ'የ ዘድንቖ ነይረ። ከምቲ ልሙድ የትክኽ ስለዝነበረ ኣብ ካልእ ዓለም እዩ ነይሩ። ኣብ ውሽጠይ ዝነበረት ንእሽቶ ተሓላቒት መሰላት ደቂ ኣንስትዮ፡ ነቲ ዝጥቀመሎም ዝነበረ ቃላት ንምእራም ትፍትን ነይራ። በዚ ድማ ብዙሕ ከየዕለልና ተፈላሊና። ግዜ ንድሕሪት ዝምለስ እንተዝኸውን ከም "ሻፈሪንግን ሽማይሊንግን" ዝኣመሰሉ ቃላት ክሰምዕ ምበሃግኩ።
ኣውድሪ ብራውን ደቡብ ኣፍሪቃዊት ኮይና፡ ዓኼላዊትን ሕውስትን እየ። ንሳ ካብ 2005 ጀሚራ ፎከስ ከምኡውን ዘ ኮንቨርዜሽን ተቕርብ። "ምስ ሓንቲ ንመሰላት ዘይተመርዓዋን ዘይወለዳን ደቂኣንስትዮ እትጣበቕ ኡጋንዳዊት ቃለመሕትት ገይረ ነይረ። ኣብ ዝነበረኒ ሓጺር ምድላው፡ ተዋዛዪት ምዃናን ከምዚ ዝስዕብ መእተዊ ክጽሕፍን ጌራትኒ። "ሰብኣይ ዘይብለን ደቂ ኣንስትዮ ምስ ሰብኡት እተራኽብ ጓልኣንስተይቲ ምሳይ ኣላ።" ብቐጥታ ኣብ ፈነወ ተኣሪመላ።
ኑር ኣቢዳ ኣዳላዊት መደባት ፎከስ ራድዮ ከምኡውን መደብ "ኣፍሪካ ቱዴይ" እያ።
ኪም ቻካኔሳ ዚምባብዌያዊት ጋዜጠኛ ኮይና ካብ 2013 ጀሚራ ምስ ፎከስ ትሰርሕ ኣላ። ኪም ኣብ ፎከሰ ኣቕራቢት መደብ "ዘ ኮምብ" እያ።
ቬሮኒክ ኤድዋርድስ ምኩርቲ ኣዳላዊት ኮይና በቲ ዘስሕቕ ቃለመሕትታታን ናይ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን መራሕቲ ቁጽሪ ቴለፎን ብዘለዎ መዘክራን ትልለይ። ንሳ ምክሻን፡ ምዝናይ፡ ኣትኽልቲ ምክንኻንን ናይ ኣፍሪቃ ፋሽን ትፈትው።
ኒሻ ላድሃ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ቢቢሲ ዎርልድ 'ስፖርትስዎርለድ' ከተቕርብ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብዚ እዋን ስፖርት ኦፍ ፎከስ ተቕርብ። ከም ኣፍቃሪት ስፖርት ከዋኽብቲ ኣፍሪቃውያን ስፖርተኛታት ዝተጓዓዝዎ ናይ ዓወት ጎደና ምስማዕ ባህታ ይፈጥረላ። ኣዝያ ትፈትዎ ቃለመጠይቕ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ምስታ ክልተ ግዜ ተዓዋቲት ትሪፕል-ጃምፕ ዝኸነት ካሜሩናዊት ፍራንስዋ ምባንጎ ዝገበረቶ እዩ። "ከም ኣደ ካብ ወሊድ ተመሊሳ ናይ 2008 ናይ ቤይጂን ኦሎምፒክ ተዓዋቲት ክትኸውን ምኽኣላ ዘደንቕ እዩ።"
ሂወቴ ሃይለስላሴ ኣብ 2008 ከም ናጻ ሞያተኛ ኮይና እያ ናብ ፎከስ ተጸምቢራ። ኣብዚ እዋን ኣብ ምድላው ውጥናት ትሰርሕ ኣል።
ስታንሊ ክዌንዳ ዚምባብዌያዊ ጋዜጠኛ እዩ። ኣብ ፎከስ ኣዳላዊ መደባት ኮይኑ፤ ኣብዚ ቀረባ ድማ ንቢቢሲ ኣፍሪካ ፐሬምየር ሊግ እንግሊዝ ጸብጺቡ እዩ።
ኣብ ፎከስ ድምጺ ፖል ባቺቢንጋ ካብ 2004 ጀሚሩ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ፍሉጥ እዩ። ንሱ ኣብ ሰሙን ዝተወሰነ መዓልትታት ንዝፍኖ መደባት ናይ ምርታዕ ሓላፍነት'ውን ኣለዎ። "ሓደ ካብቶም ኣዝየ ዝዝክሮም ቃለ መሕትት፡ ኬቺ ኦክዉቺ ምስ ዝተባህለት ሓንቲ ካብቶም ክልተ ኣብ ሓደጋ ነፋሪት ናይጀርያ 2005 ብህይወት ዝተረፈት ጓል ኣንስተይቲ እዩ። ብዙሕ መቑሰልቲ ነይሩዋ፡ ብህይወት ናይ ምጽናሕ ዕድላ ትሑት ምዃኑ ተነጊርዋ ነይሩ። ግና ሰጊራቶስ ደራፊትን ንብዙሓት እተተባብዕን ክትኸውን በቒዓ።"
ቪክተር ሲልቨር ኣብ 1991 ኣብ ሴራሊዮን ሪፖርተር ኮይኑ እዩ ጀሚሩ። ኣብ 1997 ካብታ ሃገር ክሃድም ነይርዎ፤ ኣብዚ እዋን ድማ ኣብ ፎከስ ኣደላዊ እዩ።
ዴቪድ ኣማኖር ካብ 2012 ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት ኣብ ፎከስ ከም ኣቕራቢ ሰሪሑ እዩ። "ከም ዝመስለኒ ናተይ ብሉጽ ቃለ መሕትት እቶም ምስ ተራ ሰባት ዝገብሮም እዮም። ንኣብነት ኣብ ምርጫ ማላዊ 2019፡ ምስታ ንርእሳ ዋይን ሩኒ ኢላ እትጽውዕ ተጻዋቲት ኩዕሶ እግሪ፤ ኣብ ምርጫ ኣይቮሪ ኮስት 2015 ዘዘራረብክዋ ሸቃጢት፤ ኣብ ኬንያ ኣብ ኣውቶቡስ፤ ከምኡ'ውን ሓደ ካብቶም ኣዝየ ዝፈትዎም ኣብ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2008 ኣብ ጋና ሰባት ንወደብ ታኮራዲ ክሰግሩ ከለው ዘዘራረብክዎም ኩነት እዩ።"
ክሪስ ቢከርተን ካብ 1970 ጀሚሩ ን 30 ዓመታት ንፎከስ ኦን ኣፍሪካ ብምቕራቡ፡ ድምጺ ኣፍሪቃ ዝብል ስም ተዋሂብዎ እዩ። ሕጂ'ውን ብተኸታተልቲ ፎከስ ፍትው እዩ። እቲ ዘሕዝን ግና ኣብ 2002 ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።
ፒርስ ሊንች ናብ ፎከስ ኦን ኣፍሪካ ዝተጸምበረ ቅድሚ ክልተ ዓመት እዩ። ሕጂ ኤዲተር ፎከስ፡ ዘ ኮምብ ከምኡውን ኣፍሪካ ቱዴይ እዩ።
ኣሊስ ሙቴንጊ ሪፖርተር፡ ኣዳላዊ ሰነዳዊ ትሕዝቶን ኣዳላውን ኮይኑ ንብዙሕ ዓመታት ምስ ቢቢሲ ኣፍሪካ ዝሰርሐ ኬንያዊ ጋዜጠኛ እዩ።
ኤሳው ዊልያምስ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣፍሪካ ኮይኑ ኣብ ፎከስ ኦን ኣፍሪካ'ውን የቕርብ እዩ። ቸዝን ክላሲካል ሙዚቃን ይፈቱ።
ሓሰን ኣሩኒ ካብ 1990ታት ጀሚሩ ንፎከስ ኦን ኣፍሪካ ኣቕሪቡ። "ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ናይጀርያዊ ደራፋይ ዲ'ባንጅ ቃለ መሕትት ጌረ። ኣብ መወዳእታ ክልቴና ከይተረድኣና ኣብቲ ደርፊ ጥሒልና። እዚ ነቲ ዘሎኒ፡ ናብ ልቢ እቲ ተሓታቲ ናይ ምእታው፡ ምውቕ ናይ ቃለ መሕትት ቅዲ ዝገልጽ ይመስለኒ።"
ኣዳላውቲ - ፔኒ ደል፤ ምምዕባል - ፒዩሪቲ ቢሪር፤ ንድፊ - ሚሊ ዋቺራ፤ ኣወሃሃዲ - ሙቶኒ ሙቺሪ
ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ መተግበሪኻ ኣመሓይሽ