ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ፊሊፒንስ ሚልዮናት ዳግማይ ናብ ዕጽዋ ተመሊሶም

ኣጋር ተጉዓዝቲ

ምንጪ ስእሊ, EUROPEAN PHOTOPRESS AGENCY

ዓሰርታት ሚልዮን ኣብ ርእሰ ከተማ ማኒላን ከባቢኣን ዝነብሩ ፊሊፒናውያን ዳግማይ ናብ ምሉእ ዕጽዋ ተመሊሶም።

ኣብ ፊሊፕኒስ ደግሲ ለበዳ ኮሮናባቫይረስ ስለ ዘጋጠመ ሰብ ሞያ ጥዕና እታ ሃገር እዚ ከምዚ እንተቀጺሉ ትሕተ ቅርጺ ሕክምና እታ ሃገር ክጻወሮ ከም ዘይክእል ስለ ዝሓበሩ’ዩ እቲ ዳግማይ ምሉእ ዕጽዋ ተኣዊጁ።

እቲ ሓዲሽ ተኣዊጁ ዘሎ ምሉእ ዕጽዋ ኣብ ርእሰ ከታማ ማኒላን ከባቢኣን ዝርከባ ኣርባዕተ ዞባታትን ተግባራዊ ኮይኑ ኣሎ።

ሃገረ ፊሊፕኒስ ኣብ ምሉእ ዕጽዋ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ’ያ ናብ ንቡር ህይወት ተመሊሳ።

ድሕሪ ምኽፋት ዕጽዋ ኣብታ ሃገር ቁጽሪ ሓዲሽ መልከፍቲ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ወሲኹ እቲ ቁጽሪ ልዕሊ 100 ሽሕ ምስ በጽሐ፡ ሆስፒታላት ልዕሊ ዓቕመን ኮይኑወን ምሃላዉ’ዮም ሰብ ሞያ ጥዕና ዝገልጹ።

እቲ ተኣዊጁ ዘሎ ምሉእ ዕጽዋ ሰባት ዝብላዕ ክሽምቱን ኣብ ኣፍደገ ገዞኦም ኮይኖም ኣካላዊ ምንቅስቃስ ክገብሩ እንተዘይኮይኑ ካብ ገዛ ከይወጽኡ ዝኽልክል እዩ።

ኣብታ ሃገር ህዝባዊ መጓዓዝያን በረራታትን ምሉእ ንምሉእ ደው ኢሉ ኣሎ።

እቲ ኣዋጅ ድማ ካልእ ሓበሬታ ክሳብ ዝውሃብ ንዝምጽእ ክልተ ሰሙን ተግባራዊ ኮይኑ ክጸንሕ’ዩ።

ኮሮና