ኣሜሪካ ንዘይሕጋዊ መቕተልትታት ኣመልኪታ ንሃገራት ሳሕል ኣጠንቂቓ

ክስታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክቐርብ ጸኒሑ እዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣሜሪካ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት ሳሕል ሰብኣዊ መሰላት ምጥሓስ እንተቐጺለን ሓገዛ ከም እተቋርጽ ኣጠንቂቓ።

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ በቲ ብጉጅለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ዝወጸ ጸብጻብ ከም ዝተሻቐለ ሓቢሩ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ጸብጻቡ፡ ኣብ ቡርኪና ፋሶ፡ ብውሕዱ 180 ኣስከሬናት ኣብ ጋህዚ ከም ዝተረኽበን፡ ብሓይልታት መንግስቲ ከም ዝተፈጸመ ዝእምት ጭብጥታት ከም ዘሎን ገሊጹ ነይሩ።

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ፡ ነቲ ብልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ማላዊ ዝወጸ ጸብጻብ'ውን ጠቒሱ ኣሎ።

ወሃቢት ቃል ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሞርጋን ኦርታገስ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ኣሜሪካ፡ እቲ ነቲ ዞባ እትህቦ ሓገዝ፡ ብዝኾነ ይኹን መገዲ፡ ኣብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከይውዕል ብንጹር ሓቢራ እያ፤ በዚ ድማ ጸጥታዊ ሓገዛት ኣሜሪካ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ክህልው ይኽእል እዩ" ኢላ።

እቲ መግለጺ ኣብ ጂ5 ሳሕል ንዝርከቡ መራሕቲ- ቡርኪና ፋሶ፡ ጫድ፡ ማሊ፡ ማውሪታንያን ኒጀርን ነቲ ክስታት ክምርምሩን "ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ገበነኛታት ኮይኖም ንዝተረኽቡ" ተሓተትቲ ክገብሩን ጸዊዑ ኣሎ።