ኮሮናቫይረስ: ኣብ ኢትዮጵያ ዋጋ ከኽፍል ዝኽእል ሸለልትነት

ኮሮናቫይረስ

ካብ ቻይናዊት ከተማ ዉሃን ዝተበገሰ ኮቪድ- 19፡ ናብ መላእ ዓለም ንምግፋሕ እዙይ ዝበሃል ግዘ ኣይወሰደሉን። ብተነጻጻሪ ደንጉዩ ተኸሲቱ ኣብ ዝተብሃለለን ሃገራት ኣፍሪቃ እውን ፈኸም ክብል ዳርጋ ኣብ ኩለን ሃገራት ተዘርጊሑ'ዩ።

ምስ ምህላው ድኹም ስርዓት ሓለዋ ጥዕናን ውሱን ዓቕሚ መመርመሪ መሳርሕን እቲ ቫይረስ ኣብተን ሃገራት ከይተፈልጠ ይጋፋሕ ከይህሉ ውድብ ጥዕና ዓለምን ሰብ ሞያን ስክፍተኦም ይገልጹ።

ኣብ መፈለምታ ወርሒ መጋቢት ረኽሲ ኮሮናቫይረስ ዘመዝገበት ኢትዮጵያ፡ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ህጹጽ ግዘ ብምእዋጅ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸዉ: ስፖርታዊ ውድድራት ክስረዙን ኣኼባታታት ከይካየዱን ከልኪላ እያ።

ብፍላይ ኣቐዲማ ህጹጽ እዋን ብምእዋጅ ሓይሊ ዕማም ኣጣይሻ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ዝጀመረት ክልል ትግራይ ብኣጋ ብዙሓት ሰብ ሞያ ዝተሳተፍሉ ዳህሳስ ብምክያድ ግንዛበ ናይ ምፍጣር ስራሕቲ ኣካይዳ እያ። ናብታ ክልል ዝኣትዉ ሰባት ን14 መዓልቲታት ክውሸቡ ዝገበረት እያ።

እቲ ቫይረስ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተወ ኣብ ዝተገለጸሎም ናይ መጀመርታ ሰሙናት ተራእዩ ዝነበረ ስግኣትን ጥንቃቐን ካብ እዋን ናብ እዋን እናተዘሓሓለን ዕሽሽ እናተብሃለን ከምዝመጸ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘዘራረብናዮም ሰባት ይገልጹ።

"ኣብ መጀመርታ ከባቢ እቲ ናይ ሰብ ጥንቃቐ ጽቡቕ ነይሩ፡ ምስቲ ድንጋጸ ገለ፡፡ ሰላምታ (ናይ ኢድ) ኣይነበረን፡፡ እንዳ ቡናት ተዓጽዩ ነይሩ፡ ብዙሕ ሰብ ዝእከበሉ ኣይነበረን፡ ኣብ ናይ ታክሲ ሰልፊ 'ውን ጽቡቕ ነይሩ፡፡ ሕዚ ግን እንዳ ቡናት ተኸፊቱ፡ ሰላምታ በዚሑ። መናእሰይ ከምቲ ናይ መጀመርያ ተኣኪብካ ቡን ምስታይ ተጀሚሩ፡፡ ሰብ ልቡ ኣውዲቑ" ይብል ኣብ ከተማ መቐለ ዘዘራረብናዮ መንእሰይ፡፡

እቲ ቫይረስ ኣብ ትግራይ ምስተረኸበ "ናይ ተስፋ ምቑራጽ ዝመስል ነገር ኣሎ" ዝብል እቲ መንእሰይ፡ "ደጊምዶ ተኸላኺልናዮ" ዝብል ኣመለኻኽታ ከምዝዕዘብ ይገልጽ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ልዕሊ 800 ኣብ ዝበጸሐሉ ኣብዚ ሰሙን፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምግባር ግዴታ ክኸውን ከምዝተወሰን ዝገለጸ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ኢትዮጵያ፡ " ኣብ ዝበዝሕ ክፋል ሕብረተሰብ ዕሽሽ ምባል፥ ሸለልትነትን እቲ ሕማም ንምክልኻል ንዝወሃቡ ትእዛዛት ትኹረት ዘይምሃብ ይረአ ኣሎ" ኢሉ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓይሊ ዕማም ዘውጸኦም ሕጊታት ኣየኽበሩን ዝበሎም ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝኣሰረን ብገንዘብ ከምዝቐጸዐን ገሊጹ እዩ፡፡

ቢቢሲ፡ ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ዘዘራረቦ በዓል ሞያ ጥዕና ድማ "እቲ ምንቅስቓስ ህዝቢ ኩሉ ናብቲ ዝነበሮ እዩ ተመሊሱ፡፡ሚድያታት'ውን፡ ማሕበራዊ ሚድያ ይኹን ናይ ውልቀን መንግስትን ሚድያታት ኣብ መጀመርታ ጻዕቒ ነይሩ፡ ወግሐ ጸብሐ ብዛዕባ እቲ ሕማም ኢኻ ትሰምዕ፡ ብወፍሪ ኣትዮምዎ ነይሮም፡፡ ኣብ መንግስቲ እውን እቲ ሓይሊ ዕማም ንቑሕ ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ፡፡ህዝቢ እውን ነቒሑ ንባዕሉ ይሕሉ ነይሩ፡፡ ሐዚ ኣብ ሰለስቲኡ ምዝሕሓል ዘሎ መሲሉ ይረኣየኒ" ይብል፡፡

ብተወሳኺ ሚድያታት ትኹረተን ናብ ካልኦት ጉዳያት ከምዘዘራ እቲ በዓል ሞያ ይገልጽ፡፡

ኣብ ክልል ትግራይ በዝሒ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት ልዕሊ ኣርባዓ በጺሑ ኣሎ።

ዝበዝሑ ካብ ጎረቤት ሃገራት ሱዳንን ጅቡቲን ዝመጹን ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዝጸንሑን ከምዝኾኑ እዩ ሚኒስትሪ ጥዕና ዝገልጽ፡፡

ኣብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ከተማ ማካድራ፡ ብዛዕባ ዘሎ ምንቃቓስ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ዝተዓዘበ ኣይተ ዳኒኤል ነጋሽ፡ እቲ ከባቢ ምስ ክልላት ኣምሓራን ሱዳንን ዝዋሰነሉ ሰፊሕ ከባቢ ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ ኣብ መወሸቢ ማእከላት በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ይርከቡ ከምዘለዉ ይገልጽ፡፡

"ናይቲ ህዝቢ ስግኣት እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ።እቶም ክልተ ሰብሞያ ሕክምና(ቫይረስ ዝተረኸቦም) ዝተብሃሉ እውን ካሊእ ተወሳኺ ስግኣት ፈጢሮም እዮም። ኣብቲ ከይዲ ምውሻብ እውን እቶም ተወሸብቲ ነንርእሶም ዘለዎም ርክብ ጥንቃቐ ዝተመለኦ ዘይምዃኑ ተተሓሒዙ፡ እቲ መወሸቢ ማእከል ምቹእነት ዘይብሉ ምዃኑ፥ ተኣኪብካ ኩዕሶ ምጽዋት ከምዘሎ እቲ ማሕበረሰብ ገሊጹልና እዩ" ይብል፡፡

ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላዩ ገጠራትን ሓውሲ ከተማታትን ትግራይ፡ ህዝቢ ጥንቃቐ ብዝጎዶሎ ኩነታት ተኣኪቡ ከምዝረአ ኣይተ ዳኒኤል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብ ቅድሚት መስመር ኮይኖም ኮሮናቫይረስ ንዝተትሓዙ ሰባት ሕክምናዊ ሓገዝ ዝገብሩ ሰብሞያ ጥዕና እኹል ናይ መከላኸሊ ቐረብ ከምዘይቀርበሎም እዮም ዝገልጹ።

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከል በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ክልተ ሰብ ሞያ ብምኽንያት ጸግም ቀረብ መሳርሒ ከምዝኾነ ንቢቢሲ ገሊጾም እዮም፡፡

ኮሮና
Banner