ፖሊስ ታንዛንያ፡ ናብ ቤት-ምኽሪ ንዘይምኻድ ዝኣደሙ ኣባላት ባይቶ ሓቲቱ

ታንዛንያዊ ደጋፊ ሰልፊ ቻዴማ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፖሊስ ታንዛንያ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብምፍራሕ ኣብ ስሩዕ ኣኼባ ቤት-ምኽሪ እታ ሃገር ንዘይተረኸቡ ተቓወምቲ ኣባላት ባይቶ፡ ንሕቶ ከምዝደልዮም ኣፍሊጡ።

እዞም ነዚ ኣድማ ዘካየዱን ንሕቶ ተደልዮም ዘለዉን፡ ኣባላት ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ውድብ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀንዲ ተነሓናሒ ፖለቲካዊ ውድብ ቻዴማ፡ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ዝኾኑ ኣባላቱ፡ ብውሑዱ ንርእሶም ን14 መዓልታት ክውሽቡን ናብ ህንፃ ባይቶ ታንዛንያ ወስ ከይብሉን ኣጠንቂቑ ነይሩ።

እቲ ውድብ ነዚ ውሳነ ዘሕለፈ ድማ፡ ሰለስተ ኣባላት ባይቶ ታንዛንያ ሙማቶም ስዒቡ እዩ። ይኹን'ምበር ሞት እቶም ኣባላት ብኮሮናቫይረስ ከምዘይኮነ እዩ ዝግለፅ።

ካብ 383 ወንበራት ባይቶ ታንዛንያ እቶም 62 ብኣባላት ውድብ ቻዴማ ዝተትሓዙ እንትኾኑ፡ ኣባላት እቲ ሰልፊ ግና ብስግኣት ኮቪድ-19፡ እታ ሃገር ናይ ቀፃሊ ዓመት በጀት ኣመልኪታ ንእትገብሮ ፋይናንሳዊ ክትዕ ኣቓልቦ ኣይሃብሉን።

ነዚ ስዒቡ ድማ ኣፈ-ጉባኤ እቲ ባይቶ፡ ኣብ ጉባኤ ንዘይርከቡ ኣባላት፡ 'ባይቶ ብምእዳም' ከምዝኸሶም ኣጠንቂቑ።

ኣብዚ ባይቶ ኮፍ ንዝብልሉ መዓልታዊ ኣበል፡ ልዕሊ 48 ሽሕ ዶላር ኣቐዲሙ ተኸፊልዎም እዩ ዝበለ እቲ ኣፈ-ጉባኤ፡ "ብቐሊል ኣገላልፃ እዚ ናይ ስርቂ ተግባር እዩ" ክብል ወንጂልዎም።

ቅድም ክብል፡ ኮሚሽንር ፖሊስ ዳሬሰላም ፖል ማካንዳ፡ እቶም ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ነታ ከተማ ለቒቖም እንተዘይወፅዮም፡ ከምዝእሰሩ ኣጠንቂቑ እዩ።

ንሱ ወሲኹ፡ ዕጫ ናይተን ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብንግዲ ወሲብ ህይወተን ይመርሓ ዝነበራ ደቂኣንስትዮ ከምዝፅበዮም ተሓንዩ።

ብዙሓት ኣባላት ፓርላማ ግና፡ ነዚ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ብምባል፡ ክኣስሮም ከይፍትን ኣጠንቂቖምዎ ኣለዉ።

ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ታንዛንያ፡ ዛጊድ 480 ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ዘመዝገበት እንትትኸውን፡ 167 ሰባት ካብዚ ቫይረስ ሓውዮም፡ 16 ድማ በዚ ቫይረስ ሞይቶም እዮም።

ኮሮና
ኮሮና