ፖርቱጋል፡ ሰነዳት ሕሳብ'ታ ዝሃብተመት ኣፍሪቃዊት ኢዛቤል ዶስ ሳንቶስ ደስኪላ

ኢዛቤል ዶስ ሳንቶስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኢዛቤል ዶስ ሳንቶስ

ፖረቱጋል ብርክት ዝበለ ሕሳባት ባንክ ናይ ዝሃብተመት ኣፍሪቃዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ኢዛቤል ዶስ ሳንቶስ ኣደስኪላ።

እቲ ናይ ባንክ ሕሳባት ክድስክል ሰብ መዚ ኣንጎላ ከም ዝሓተቱ፡ መራኸቢ ብዙሃን ፖርቱጋል ጸብጺበን።

ኢዛቤል ዶስ ሳንቶስ፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ሃብቲ ከም ዘኻዕበተት ዝገልጽ ክሲ ክትነጽጎ ጸኒሓ እያ።

ኣቡኣ ሆዜ ኤድዋርዶ ዶስ ሳንቶስ ፕረዚደንት ኣንጎላ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ዘይሕጋዊ ውዕላት ከም ዘካየደትን ገንዘባ ካብታ ሃገር ከም ዘግዓዘትን ኣኽበርቲ ሕጊ ይኸስሱ።

እታ ጓል 46 ዓመት ኣንጎላዊት፡ እቲ ክስታት ብፖለቲካዊ ኩነታት ከም ዝተደረኸ እያ ትገልጽ።

ንሳ ኣካያዲት ስራሕ ትካል ነዳዲ ኣንጎላ ሶናንጎን ኮይና ክተገልግ ብኣቦኣ እያ ተሸይማ።

ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ከም ዝርከቡ ዝገለጾም ኢዛቤል ዶስ ሳንቶስን ሓሙሽተ ተሓባበርታን ክሲ መስሪቱ ዘሎ ኣኽባሪ ሕጊ ኣንጎላ፡ ክሱሳት ብኣካል እንተዘይቀሪቦም፡ ዓለምለኻዊ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ክመሓላለፍ ከም ዝኽእል ቅድሚ ሒደት ሳምንታት ተዛሪቡ ነይሩ።

"ኢዛቤል ዶስ ሳንቶስ፡ ሓላፊት ትካል ነዳዲ ሶናንጎል ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ገንዘብ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ካብታ ሃገር ብምውጻእ፡ ምስናዕ ሰነዳትን ብካልእ ቁጠባዊ ገበናት እያ ተኸሲሳ" ኢሉ ኣኽባር ሕጊ ፒታ ግሮስ።

ንኢዛቤላ ተኪኡ ናብ ሓላፍነት ትካል ነዳዲ ሶናንጎል ዝመጸ ካርሎስ ሳተርኒኖ ኣብቲ ትካል ብዛዕባ ዝተኻየደ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ንሰበስልጣን ድሕሪ ምሕባሩ'ዩ፤ ናይቲ ንሳ ኣብ ሓላፍነት ዝነበረትሉ 18 ኣዋርሕ መርመራ ክካየድ ዝጀመረ።

እቲ ሰነዳት፡ ኢዛቤል ኣቡኣ ፕረዚደንት ኣንጎላ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ከመይ ኣቢላ መሬት፡ ነዳዲ፡ ኣልማዝን ናይ ቴለኮም ስምምዓት ከም ዘካየደት ዘርእይ ምኳኑ ይግለጽ።

ናይ ከባቢ 2.1 ቢልዮን ዶላር ሃብቲ ከም ዘለዋ እትግለጽ ኢዛቤል ዝሃብተመት ኣፍሪቃዊት ጓል ኣንስተይቲ ምዃና ይንገረላ።